2014-04-29 16:31:01

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ሓቀይና ሓጐስ ኢየሱስ እዩ


RealAudioMP3 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 26 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ርእሰ ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ከምእተብዓለ ክምልከት እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም መንእሰያት እቲ ሕቕፎን ምሕረትን ፍቕሪ ኣቡኡ ጸሚኡ ዝተመልሰ ጠፊኡ ዝነበረ ውላድን እቲ ሕቖኡ ንኢየሱስ ዝሃበ ሃብታም መንእሰይን ዘኪሮም ናይ ኣደ ኢየሱስ ኣብነት ንሱ ድማ መንፈስ ርህራሄን ሰላምን ኣብ ኵሉ መንእሰይ ማእከል ሕይወት ምስ ዝኸውን ናብቲ “ሓቀይና ሓጐስ ኢየሱስ ክርቶስ እዩ” ዝብል ሓቂ ከምዘምርሕ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ኣብ ዘነጽር ሓሳብ ኣማእኪሎም ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “እቲ ሃብታም መንእሰይ ሓዚኑ ንኢየሱስ ካብ ምስዓብ ይቦክር ስለምታይ እቲ ኩሉ ሃብቲ ምእንቲ ኢየሱስ ቢሉ ክሓድግ ስለ ዘይተኻእሎ እዩ፣ ምስ ሃብቱ ሓዘኑ ንበይኑ ይኸይድ። ደቀ መዛሙርቲ ኩሉ ዝሓደጉ ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ንዓዑ ምስዓብ እውነተይና ሓጐስን ደስታን ምዃኑ የስተማቕሩ፣ እቲ ንሱ ዝህቦ ሓቀይና ሓጐስ ይነብሩ። እቲ ሃብታም መንእሰይ ግን ሃብቱ መሪጹ ሕቑኡ ንኢየሱስ ሂቡ ሓዚኑ ይኸይድ፣ ምስ ኩሉ ሃብቱ ሓዘን…. እወ ዕለታዊ ሕይወት ደቀ መዛሙርቲ ቁልቁለት ኣይነበረን ጴጥሮስ ይኽሕድ ይሁዳ ኣሕሊፉ ይህቦ፣ ኩሎም ፈሪሖም ንበይኑ ሓዲጎምዎ ይሃድሙ፣ ኰይኑ ግን ምስኡ ክነብሩ በቢ ዕለቱ ይጽዕሩ፣ እግዚኣብሔር ሰናይ እዩ፣ ውድቀትናን ድኻምነትናን ንረብሓና ይቕይሮ ምሳና ቀረባና ኰይኑ ምስ ልባትና ንኽዛረብ ዘመችእ ኩነት ይገብሮ፣ እግዚኣብሔር ነቲ ሃብታም መንእሰይ ከሲርካ ርአይ እቲ ዝሓረኻዮንይ ይሕሸንን ዝበልካዮ ቢሉ ብምፍራድ ኣይተዛረቦን፣ ከስተውዕል ጥራሕ እዩ ዝድግፎ፣ ወንጌል ከምዝሕብሮ፣ ‘እቲ መንስአይ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣትዩ፣ እንታይ ምግባር ኮን ይሕሻ ንሕይወተይ፣ ዕብዳን ኣኡረበሓንን፣ ቢሉ ይምለስ’ እቲ መንስአይ ናብ ቤተ ኣብኡ እንክምለስ ኩነት ኣቡኡ እዩ ዘደንጽዎ ንዓመታት ይጽበዮ ከምዝነበረ ይርእይ እቲ ዓቢይ ሓጥኣን እቲ ኣባኻኒ ሃብቲ ገንዘብ ኣቡኡ መንእሰይ ቅድምሕጂ ዘየስተማቐሮ ሕቑፎ ምሕረት የስተማቕር” ቀጺሎም ኢየሱስ ካብ ከተማ ናይም እንክወጽእ ምስ ሓደ ዝዓረፈ እሞ ንመቓብር ዝውሰድ ምስ ዝነበረ እንኰ ውላድ ሓንቲ መበለት ይራኸብ፣ ኢየሱስ ነቲ ዝቕበር ዝነበረ ዘይኰነስ ነታ መበለት ኣደ ይርህርህ፣ እቲ መንሰይ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክብሪ ዝረኸበት ኣዲኡ ምስጋና ይዅና ተኣምር ትንሳኤ ከምዝተዓደለ እንክገልጹ፦ “ኣደ ሓደ ወዲ ተባዕትዮ ክገብሮ ዘይክእል ርህራሄን ሕይወት ኣሕሊፋ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ኣለዋ፣ ቤተ ክርስትያን ኣደ እያ፣ ወዲ ይዅን ጓል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ማርያም ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ፣ ኣብ ኩሉ መንፈስ ኣደነት ማርያም ክሰርጽ ኣለዎ፣ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ክንኸውን እንተድኣ ኰይንና ከም ኢየሱስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ርህራሄን ፍቕርን ከነዕብያ ዝተጸዋዕ ኢና፣ ማርያም ሓብሓቢት እኖ፣ ናይ ምሕረት እመቢየት፣ ድልውቲ ነኣገልግሎት እመቢየት እያ እሞ ናብቲ ናብ ኢየሱስ ዘብለና መገዲ ትምርሓና ትምርሓኩም” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.