2014-04-27 16:57:26

አዋጅ ቅድስና ዮሐንስ መበል 23ን ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማውን፤


RealAudioMP3 ክቡራት እና ክቡራን ተኸታተልቲ ራድዮ ቫቲካን እንሆ ሎሚ ዕለተ ዳግማይ ትንስኤን ናይ ክልተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ ብጹዓን ዮሐንስ መበል 23 ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱሳን ዝተሰየምሉን አክሊለ ቅድስና ዝደፍእሉን ዕለት ኢዩ፣
ሎሚ ረፍዲ 27 ሚያዝያ ብሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት 10 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16ን ብ150 ካርዲናልት ሐደ ሺሕ ጳጳሳትን ተስነዮም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድስና መሪሖም፣
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝንበሩን ወቅታውን አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብሁባሬ መስውዕተ ቅዳሴ ከካይዱ አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን እዚ ናይ መጅመርያ ግዜ ከም ዝኾነ ይምልከት፣
መስዋዕተ ቅዳሴ አብ ዝተኻየደሉ ግዜ ናይ ክልቲኦም ሐደስቲ ቅዱሳን ትሩፋት አብ መንበረ ታቦት ተቀሚጡ፤ ካብ ኢጣልያን ወጻኢ ሀገራትን ብዝሒ ካብ ፖላንድን ዝመጹ ልዕሊ ሐደ ሚልዮን ምእመናን ነቲ ናይ ቅድስና መስዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎሞ፣
ትማሊ ለይቲ ናይ ሰበኻ ሮማ አብያተ ክርስትያናት ንምእመናን ክፉታት ኮኮይኖም ስለ ዝሐደሩ ምእመናን ነቲ ዋዜማ ብጸሎትን አስተንትኖን አሕሊፎሞ፤ ከምኡ ክአ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን አብ ቅዱስ ጰጥሮስ ቦታ ንምሐዝ አብቲ ቅርዓት መንፈሳዊ መዝሙር ክዝምሩ ሐዲሮም፣
ናይ አንገሊካዊት ኦርቶዶሳዊት ተዋህዶ አብያተ ክርስትያናት ናይ አይሁድን ምስልምናን ሃይማኖት ወኪላት ናይ 28 ሀገራት መራሕቲ ንግሳውያን ቤተ ሰብ አብ ቫቲካንን አብ ጣልያንን ዝተመደቡ አምባሳደራት ናይ 93 ሀገራት ወኪላት ናይ 93 ሀገራት ሐቆፍ ማሕበራት ወኪላት አብዚ ሥርዓተ ቅዳሴ ቅድስና ተስሳቲፎም፣ በሽሐት ዝቁጸሩ ፖሊስ ሐለውቲ ጸጥታ ሐለዋ ቤርጌስ ህዝቢ አብ ቅዱስ ጰጥሮስን ከባብን ተዋፊሮም ውዒሎም፣
አብ ለኦናርዶ ዳቪንቺ መዕረፍ ነፈርቲ አብ ዓበይቲ ቅርዓታት ሮማን ካልኦት ከተማታት ኢጣልያን ናይ ዮሐንስ መበል 23ን ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን ሥርዓተ ቅድስና ቅዳሴ ክከታተል ምእንቲ ክኽእል ዓበይቲ መርአዪ ሰለዳታት ተተኺሎም ኔሮም፣ ናይ ዝተፈላለያ ሀገራት መራኸቢ ብዙኀን ዕለተ ቅድስና ቅዱሳት ዮሐንስ መበል 23 ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን ጸባጻብ መዝጊቦሞ፣
ሐደስቲ ቅዱሳን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያ ቅዱስ ዮሐንስ መበል 23ተን ብ1881 አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ አብ በርጋሞ ዝተወልዱ ካብ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ካብ 1958 ክሳዕ 1963 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ዘገልገሉ ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ክአ አብ ፖላንድ አብ ከተማ ቫዶቺቸ ብ1929 ዝተወልዱ ካብ 1978 ክሳዕ 2005 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝንበሩን ክልቲኦም ሐድስቲ ቅዱሳን ንእግዝአብሔርን ንቤተ ክርስትያንን ዘገልገሉ ኢዮም፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መስርሕ ቅድስና ዘጽንዕን ዝከታተልን ኮሚስዮን ናይ ክልቲኦም ቅዱሳን ሕይወት አጽኒዑ ንቅድስና ከም ዝበቅዑ ወግዓዊ መግለጺ ከም ዝሀበ ክዝከር እንከሎ ቅዱስ ዮሐንስ መበል 23 ብዝምልከት ፡ ብአላድነት ቅዱስ ዮሐስ ዝሐወያ ሕጂ ብሕወተን ዘለዋ እናቴ ካተሪና ካፒላኒ ዝተባህላ ክኾና ከለዋ ጓል ማሕበረን ንመራኸቢ ብዙኀን ከም ዝገልጽኦ ብሕማም መዓንጣ ዝስቀያ ዝነበራ ሕጂ ብሕወተን ዘይለዋ ድንግል ጓል ማሕበረን እናቴ አደላ ላብያንካ ዝተባህላ አብ ቅድሚ መራኸቢ ብዙኀን ቀሪበን ክምስክራ ከለዋ፤ “እናቴ ካተሪና ብሕማም መዓንጣ ይሳቀያ ክም ዝነበራን ክምገባ ይኽእላ ከም ዘይነበራን ጠቂሰን፤ ንሰንን ንሕና ደቂ ማሕበራንን ወትሩ ብስም ፓፓ ጅቫኒ መበል 23 ንጽሊ ኤርና ድሐር ሐደ ለይቲ ደቂሰን ከለዋ ምስሊ ፓፓ ዮሐንስ አብ ጥቃ ዓራተን ተራእዮመን ሰንቢደን ተንሲኤን ጸሎት ጌረን ድሓር መግቢ ክምገባ ዘይክእላ ዝነበራ ናብ ንቡር ተመሊስን እዚ ውጽእ ተአምራት ከም ዝኾነ ክአ ተረድእና” ኢለን መስኪረን፣
ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ተአምር ንመራኸቢ ብዙኀን ዝገለጻ አብ ላቲን አመሪካ ናይ ኮስታሪካ ዜጋ ካብ ሳን ኾሰ ዝመጻ አደ አርባዕተ ቆልዑ ወይዘሮ ፍሎሪበት ሞራ ዲያዝ ዝተባህላ ኢየን፣
ወይዘሮ ሞራ ዲያዝ ብናይ ሐንጎል መንሽሮ ይሳቀያ ከም ዝነበራ ጠቂሰን አብ ቤት ሕክምና ከም ዝነበራን ሐካይም ዝግበር ነገር የልቦን ኢሎም አብ ገዛይ ክዓርፍ ካብ ሆስፒታል ክውጽእ ሐቲቶምኒ አብ ገዛይ ኮይነ ሞት ይጽበ ኔረ ዽሐር ናይ ዮሐንስ ፓውሎስ ክልአይ ሥርዓተ ብጽዕና ብተለቪዥን ክከታተል ኣአምስየ አጋ ጽባሕ ምስሊ ዮሕንስ ፓውሎስ ካልአይ ይርኢ”ሞ ተንስኢ ዝብል ድምጺ ሰሚዔ ሕራይ ኢለ ተንሲኤ ጸሎ ጌረ ካብዛ ግዜ”ዚአ ንድሐር እቲ ዝሳቅየኒ ዝነበረ ሕምም ፈጺሙ ከም ዝጠፍኤ ተረዲኡኒ ንቤተ ሰበይን ንቤተ ክርስትያን ክአ እቲ ዘጋተመኒ ኩሉ ነጊረዮም ሎሚ ኻአ እነኹ አብ ዕለተ ቅድስና ዮሐንስ ጳውሎስ ክርከብ ኢሊ መጺኤ አለኹ እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን ብማለት ገሊጸን፣
ክቡራትን ክቡራን ሰማዕትና አብዚ ዓለም”ዚ ምእንቲ ሰላም ፍትሕን ራህዋን ጸጋ ክሰፍን ነዞም ሐደስቲ ቅዱሳን ንለምኖምን ንማሕጸኖምን፣








All the contents on this site are copyrighted ©.