2014-04-12 16:17:03

ሃገረ ቫቲካን፦ ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣፍሪቃን


RealAudioMP3 ዕለት 7 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 25 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. “ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳይ ሽሓዊ ዓመት፣ ንኽብሪ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናይ መላእ አፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ምስ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ዝተዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ክካይድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልት።
ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ መልኮር ሳንቸዝ ደ ቶካ ይ ኣልመዳ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ “እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝድህስስን ድሕሪ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ብመንጽር ናይቲ ቅዱስ ጉባኤ ውሳኔታት ክምልከት እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23ን ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዘሎ ርክብን፣ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ባህልታት ናይ ሓባር ዘተ ንምትብባዕ ኣሚቶም ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክቐውም ከምዝወሰኑን እዚ ድማ ኣብ ውሳኔ ሓሴትን ተስፋን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ዝገበረ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝምልከት ዓቢይ ነጥቢ እዩ። በዚ ታሪኻዊ ኩነት መሰረት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝምልከት ዓውደ መጽናዕቲ እዩ” ከምዝበሉ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።
እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኣርባዕተ ክፍሊ ዝቆመ ከምዝኾነን ብቐዳምነት ጠቅላሊ ታሪኽ ኣፍሪቃን ታሪኽ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ውርሻ ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ነዚ ብምስዓብ ነቶም ቀዳማይ ኣብ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ፓ. ጳውሎስ ሻድሻይ ብምምልካት እቲ እዋናዊ ብድሆ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃን ንሕንጸት ባህሊ ኣፍሪቃን ዘተኵር ምዃኑን እዚ መጽናዕቲ’ዚ ድማ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ መደብ ምዃኑ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝተሳትፉ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ባርተለምይ ኣዱኮኑ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካፐሊ ኣመልኪተን።
ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ኣፍሪቃ ስነ ፍልፍናን ስነ ባህል መምህር ናይ ፍልስፍና ሊቅ ማርቲን ንካፉ ንከምንኪያ፦ “ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይሮቢ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣፍርቃዊ መልክዕን ኩነትን ህልውናን ክህልዋ ከምዝበሉን፣ ኣፍሪቃዊ መልክዕ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ? ኣዳ እትዝርግሕ ማለት ዘይኮነስ ከትድግፍ ኣእዳዋ እትኽፍት ክትቕበል ኣእዳዊ እትዝርግሕ ዘይኰነስ ክትህብ ኣእዳዋ እትኸፍት ስለዚህ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣፍሪቃ ምዃን ዝብል እዩ። ኣፍሪቃዊ ክርስቶስ ምልላይ ማለት እዩ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ነገራት ከዊና እያ፣ ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ሕንጸት መናብርተ ጥበብን…ኣፍሪቃ ምስ ክርስትና ምርኻባ ንዓዓ ሒሽዋ እዩ፣ ስለዚህ መሰኻኽር ወንጌል ኣገልግሎቶምን መስዋዕቶምን ዝገልጽ ምርኻብ እዩ” እንክብሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመርሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካፐሊ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.