2014-04-08 16:13:13

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ልበይ ዝማረኸ ሕዝቢ ካሪዮካ


RealAudioMP3 ኣብቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 29 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከይኖም ድሕሪ ትሽዓተ ወረሒ ሕርየቶም ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰእሰያት ምኽንያት ዝፈጸመዎ ዘይርሳዕ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ዘዘኻኽር ናይቲ ናይ ሪዮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ብምዃን ዘገልገለ ኮሚቴ ኣባላት ብናይ ሪዮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦራኒ ተምፐስታ ንዝተሰነዩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቀለመንጦስ ተቐቢሎም
ዘካይድዎ ርክብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “ሕዝቢ ካሪዮካ ማለት ሕዝቢ ሪዮ ደ ጃነይሮ ብዘገበረሎም ሓጐስ ዝተመልኦ ኣቀባብላ ንልቦም ከምዝማረኸን፣ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንናይ ሚሊዮናት ሕዝቢ ልቢ ከምዝተንከፈ ኣረጋጊጸ። ኣብ ብራዚል ምብጻሕ ንነፍሲ ወከፍ ልቢ ዜጋ ብራዚላዊ ኣብ ልቡ ንምእታው ፍቓድ ምሕታትን እሞ እታ ሰሙን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምስ ሕዝቢ ብራዚል ኰይነ ብሓጐስ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ተሰንየ ከሕልፎን ክነብሮን ኣብቂዑንን ናብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ተመለስኩ ብሓቂ ናፍቆት ሕዝቢ ብራዚል ተሰሚዑንን ብዛዕባ ሕዝቢ ሪዮ ምስ ዝሓስብ ብሓቂ ልብኻ ዝምስጥ ሕዝቢ ምዃኑ እግንዘብ” ከምዝበሉ ኣመልኪተን።
“ብሓቂ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንምስንዳው ዝተገብረ ጻዕርን ዝተራእየ መስዋዕትን ብዙሓት ኣብ ብራዚል ምስንዳዉ ዘጸግም እዩ እንክብሉ ኣቐዲሞም ዘይከውን ውሳኔ እዩ እንክብሉ ንዝሃብዎ ርእይቶ ኣፍሺሉ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢይ ተግባር እግዚኣብሔር ኵሉ ጻዕርን ድኻምን ምጥርጣርን ሓላፊ እዩ። ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ብራዚል ከመይ ብሓልዮትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ዕውት ከምዝነበረ ንዘክር፣ ስለዚህ ኣብ እግዚኣብሔር ብምትእምማንን ተስፋና ብምንባርን መጻኢ ምጥማት የድሊ፣ ብኣኡ ፍርሒ ከተገልግሉ ኪዱ ንኸነገልግል ንበገስ፣ ብሓቂ ካብ ገዛእ ርእሳ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ንዅን ኣብነት ናይ ብራዚል ሓዋርያ ኣብ ቀረባ እዋን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሉ ዮሓንስ በዓል ኣንኬታ ንከተል፣ እቲ ሕዝቢ ብራዚል ብኽርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ዘለዎም ፍቅሪ ህያው ኰይኑ ይንበር” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.