2014-04-03 15:55:05

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን ተነጽሎኣዊ ሕይወት
ብፁዕ ኣቡነ ዚሞውስኪ፦ ተስፋ ካብ ምትሕብባርን እማኔን ይነቅል


RealAudioMP3 ናይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዚሞውስኪ ብምኽንያት ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን ተነጽሎኣዊ ህልውና መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ እንክምልከት ብፁዕነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ኣብቲ ብሕማም ህልውናዊ ምንጻል ዝተጠቕዔን እቲ ክድግፎም ክከታተሎም ዝደልይ ኣካልን ስድራ ቤትን ዘሎ ናይ ምርኻብ ዓቢይ ጸገም ብሓቂ እቲ ካብቲ ሕማም ንላዕሊ ኣዚዩ ዘሕምም ኩነት ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ብተነጽሎኣዊ ወይ ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዓለም ተዓጺኻ ብዘንብር ሕማም ዝተጠቕዔ ሰብ ክትራኸቦ ዓቢይ ጸገም እዩ፣ ስለዚህ እቲ ዘሎ ዘይምርኻብ ክውገድን ካብ ዘይምርኻብ ናብ ምርኻብ ዘብቕዕ መገዲ ክጽናዕን ኣብዚ መዳይ ዓቢይ ምርምር ስነ ኣእምሮን ስነ ሕክምናን ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን፣ እቶም በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ኣብ ሕብረተሰብን ማሕበረሰብን ተማሊኦም ክነብሩን ናብዚ ዘብቕዖም ድጋፍ ክረኽቡ ወሳኒ እዩ፣ ነቲ ሕማም ተረዲእካን ነቲ በቲ ሕማም ዝተጠቕዔ ቀረባ ብምዃንን ብምቕባልን ምድጋፍ እምበር ነቲ በቲ ሕማም ዝተጠቕዔ ኣይርድኣንን እዩ ቢልካ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ ሕማሙ ምግዳፉ ክብቲ ሕማም ኣዚዩ ዝገደደ ሕማም ምዃኑ ብፁዕነቶም ሓቢሮም ቤተ ክርስቲያን እቲ ርክብ ክህሉን ነቶም በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ወለዲ ቀረባ ብምዃን ደገፍ ከምእተቕርብን እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዓለም ሓቆፍ መበል 29 ዓውደ መጽናዕቲ ዛዕባ ሕማም ህልውና ተነጽሎ ዘተኮረ፦ ሕማም ህልውና ተነጽሎ ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ሓደ ዓይነት ሕማም እዩ። ተስፋ ምንቕቓሕ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ጉባኤ ከምዘዳለወ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ወንጌላዊ ሃሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊ ምዕዳን፦ “ንዝተፈላለየ ዓይነት ድኽነትን ብዝተፈላለየ መገዲ ብዝግለጹ ሓደሽቲ ዓይነት ድኽነትን ተነቃፍነትን ንዝተጠቕዔ ቀረባ ንምዃን ነቲ ኣብኡ ዝግለጽ ክርስቶስ ከነለልይ ዝተጸዋዕናን ኢና” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.