2014-04-03 15:48:12

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፦ ዝኽሪ ታሽዓይን ዓመት ኣብ ሰማያዊ ቤት ልደት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


RealAudioMP3 ዕለት 2 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 9ን 37 ደቒቓ ካብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዜና ዕረፍት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፦ ፍቱዋት ኣሕዋትን ኣሓትን ልክዕ ሰዓት ትሸዓተን 37 ደቒቕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ሰማያዊ ቤት እግዚኣብሔር ተሳጊሮም፣ ምእንታኦም ንጸልይ” ዝብል መልእኽቲ ዝተመሓላለፍሉ ዕለት ምዃኑ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዝኽሪ ታሽዓይ ዓመት ኣብ ሰማያዊ ቤት ምውላድ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።
ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልዱ ቅዱስ ምዃኖም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እትእውጆን ኩሉ ሕዝበ እግዚኣብሔር እውን ኣሜን ዝብሎን ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ብዓንተውኡ ዘስተውዓሎን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣስዒቦም፣ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ እግዚኣብሔርን ሰላምን ናይ ዓሚይቕ ውሳጣዊ ኣስተንታኒ ጸላይን ሰብ ከምዝኾኑን እቲ ዓሚይቕ መንፈሳውነቶም ድማ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ዝመርሖምን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም መጋበርያ መላእ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾኦም ብዓቢይ ድኽንትን እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝተገልጸ ፍጹም ድኽነት ብምቅላሕ ዝነበርዎ ከምዝኾነ ገሊጾም።
ዓሚዩቕን ዓቢይ ሰብኣውነት ብእግዚኣብሔር ዝተዓደሉም ከም ካህን ደሓር እውን ጳጳስን ካርዲናልን ኣብ መወዳእታኡ ድማ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዝነበርዎ ሕይወት ቅድስና ኵሉ ዝምስክሮን ብስነ ባህሊ ዓሚዩቕ ብፍላይ ድማ ናይ ቲዮሎጊያን ኩሉ ከምዝፈልጦ ድማ ናይ ፍልስፍናን ናይ ስነ ተርእያዊ ሊቕነቶም ምሉእ ዘይጉድል ፈላጥ ብዙሀ ቋንቋ እዚ ዅሉ ሊቕነቶምን ዓሚዩቕ መንፈሳውነቶም እግዚኣብሔር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ሓርዮ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ጥቕምን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስትያንን ከውዕልዎ ከምዝገበረ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣመልኪቶም፣ ዕለት 8 ሚያዚያ 2005 ዓ.ም. ስነ ሥርዓት ቀብሮም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ብድሕሪኦም ዝተሓርዮ በቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ እዋን ብፁዕ ካርዲናል ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ተመሪሑ በሸሓት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናንን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን መንግስታት ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ከምእተሳተፉን ሕዝበ እግዚኣብሔር ድማ “ሕጂ ቅዱስ” እንክብል ብዓውታ ከምዝጨረሐን ዘኪሮም እግዚኣብሔር ፈቒዱ ድማ እነሆ ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስና ክእወጀሎም እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.