2014-04-01 16:21:54

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ እምነት ዘለዎ ናብቲ እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ኣቢሉ ይጓዓዝ እንተዘይኰነ ግን ናይ ህላዌ በጻሒ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ


RealAudioMP3 ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ እምነትን እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃልን ተስፋን ዘሎ ርክብ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣመርኲይዞም ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ዝጋጠሙን ነቲ ዝኣተዎ ቃል መላእ ሕይወቶም ዝስዕቡ ክርስቲያንን ከምኡ ድማ ዕያግ ወይ ዝሕቱል እምነት ኣብ ሕይወቶም ዝነብሩን ክነሶም ኣብ ዕብየት ዝርከቡ ዝመስሎምን ብሳልሳይ ደረጃ ናይ ህላዌ በጻሕቲ ዝኣመሰሉ ክርስቲያን ከምዘለዉ ቅዱስ ኣቦና ሰለስተ ዓይነት ምድብ ክርስቲያን ከምዘሎ ገሊጾም፣ ቀዳማይ ምንባብ ትንቢት ኢሳያስ፣ እግዚኣብሔር ሓደ ነገር ቅድሚ ምሕታቱ ቃል እዩ ዝኣትው፣ እቲ ዝኣትዎ ቃል ድማ ሓድሽ ሕይወትን ሓጐስ ሕይወትን ከምዝኾነን እዚ ድማ ናይ ተስፋ ክቡርነት ይገለጽ፣ ማለት እግዚኣብሔር ፈጺሙ ዘየደናግርን ንዝኣተዎ ቃል ዘየዕብር ብምዃኑ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተኣተዎ ቃል ምትእምማን ዝብል ከምዝኾነ ናይ ክርስትና ሕይወት ሕመረት ናብቲ ዝተኣትወ ቃል ገጽካ ምጎዓዝ ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ሕይወት ክርስትና ፈተና ዝንጋዔን፣ ደውታን ከምዘጋጥም ከምዝኾነ ቅዱስነቶም እንክትንትኑ፦ “ብዙሓት ደው ዝብሉን ኣብ ዝሕቱል ሕይወት ክርስትና ዝርከቡን ድኹም ተስፋ ዘለዎም ከምዘለዉን ዝኣምኑ ክነሶም ንእግዚኣብሔር ዘየናድዩ ኰይኖም ይተርፉ። ትእዛዛት የኽብሩ ሥርዓት ይፍጽሙ ሓደ ከይሓደጉ ስርዓት ይፍጽሙ…እዚአቶም እግዚኣብሔር ዘየናድዩ ዝዛሕተሉ እያቶም። እዚኣቶም ድማ ዘይጓዓዙ ብምዃኖም ጐይታ ናይ ሕዝቢ መባኹዕቲ ኣይገብራቶምን እዩ። መገዲ ዝስሕቱን ዝጋገዩን እውን ኣለዉ፣ ኣንሕና እውን ብዙሕ ግዜ መገዲ ንስሕት ንጋገን ኢና፣ እቲ ጸገም መገዲ ምስሓትን ምግጋይን ዘይኰነስ፣ መገዲ ከምእተጋገኻን ከምዝሰሓትካንን ምስ እተስተውዕል ዘይምምላስን ንኽትምለስ ዘይምፍታንን እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ዝሓመሞ ኣገልጋሊ ንጉስ ናይ ፈውሲ ጸጋ ንወዱ ክዕድለሉ ንኢየሱስ ይልምን፣ እቲ ዝለመኖ ኢየሱስ ከምዝጽግዎ ተኣሚኑ ድማ ናብ ገዝኡ ብሓቅን እምነትን ተመሪሑ ይጓዓዝ ነቲ መገዲ እውን ካልኦት ክስዕብዎ ምልክታ የንብረሉ፣ ብዙሓት ይጓዓዙ ኰይኑ ግን መገዲ ዘይመርሑ ኰይኖም ዝተርፉ ከምዝኾኑ እንከነጽሩ፦ “ኣብ ግጕይነት ዝጓዓዙን ዝነብሩን በጻሕቲ ኵይንካ ምንባር ዝነበሩ ኣለዉ፣ ማለት ነቲ ዝተኣትወ ቃል ሸለል ዝብሉ፣ ዝዀሉ እምበር ዘይጓዓዙ ኣብ ምኹላል ዝነርቡ ክነሶም ንጓዓዝ ኣለና ቢሎም ገዛእ ርእሶም ዘታልሉ፣ ጐይታ ግን ኣብ ደውታ ከይንተርፍ ደው ኣብ ዝበልናሉ ተጓዓዝቲ ከይንኸውን ንጠንቀቕ ተጓዓዝቲ እምበር ኮለሉ እይትዅኑ ሓደራ ይብለና ኣሎ። ነቲ ዝኣተዎ ቃል ከነተኵር ይሓተና ኣሎ፣ ነቲ ዝኣተዎ ቃል ኣምሪሕና ክንጓዓዝ ልክዕ ከምቲ እቲ ወዱ ጸጋ ፈውሲ ዝተዓድለ ኣገልጋሊ ንጉስ ኣብ ቃል ኢየሱስ ኣሚንና ንኽንጓዓዝ ኣንሕና ጉዕዞና ኣብ ቃል ኢየሱስ እማኔ ከነንብር ሓደራ፣ እምነት ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል” ቢሎምእ ኣባና ዘሎ ኩነት ሓጥኣን ብዙሕ ጊዜ መገዲ ክንስሕትን ክንጋገይን ከምዝድርኸና ቅዱስ ኣቦና ንጹር ምዃኑ ገሊጾም ኰይኑ ግን እግዚኣብሔር ካብቲ ጉጉይ መገዲ ክንምለስ ጸጋኡ ዝዕድለና ከምዝኾነ እንከረድኡ፦ “ዓቢይ ጾም ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሕይወት ይጓዓዝ ድየ ዘለዅ ወይ ከኣ ዛሕቲለ ኣብ ደውታ ተሪፈ ኣለዅ ቢሉ ገዛርእ ርእሱ ዝሓተሉን ዝምርምረሉን ናይ ጸጋ ኣዋን እዩ፣ ንኽንልወጥ ዘተባብዕን ዝመርሕን ቅዱስ እዋን እዩ። መገዲ ዝተጋገኹ እንተድኣ ኰይነ እምበኣር ክንስሓን ምስጢረ ንስሓ ክቕበልን ዝብል ድየ ወይ ከኣ ናይ ክቡራት ዋጋታት በጻሒ ማለት ዝጓዓዝ ዘይኰነስ ኮለል ዝብል እየ? እምበኣር ክንሳሕ ንበል፣ ክንጓዓዝን ናብቲ እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ኣቢልና ክንጓዓዝ ጐይታ ጸጋኡ ይዓድለና” እንክብሉ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠያና ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.