2014-03-29 16:11:02

ቃል ጐይታ ናብ መላእ ዓለም


RealAudioMP3 ኣብቲ ካርሎ ዓቢይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ካብ ዕለት 2 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 22 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ቤተ መዘክር ቅዱስ መጽሓፍ ዘዳለዎ “ቃል ጐይታ” እተሰምየ ምርኢት ቅዱስ መጽሓፍ ክቐርብ ምዃኑ እቲ ኣብ ሮማ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ቃል ጐይታ ተማእኪሉ ዝተኻየደ ቀዳማይ ምርኢት ቅዱስ መጻሕፍ ስዕቡ ዝቐረበ መደብ ምዃኑ ዕለት 28 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ካብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ መልኮር ሳንቸዝ ደ ቶቻ ይ ኣልመዳ፦ “እቲ መደብ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምርኢት ቀዳማይ ዕላማኡ ኩሉ ናብ ቅዱስ መጽሓፍ ክቐርብ ንምድጋፍን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ቅዱስ መጽሓፍ ፈላጥ ተምስሎ ባህሊ ዘቃልዕን ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎና ትሑትን ድዅምን ኣፍልጦ ኮነ ርድኢት ንምውጋድ ዝድግፍ መደብ እዩ” እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ እከምዘመልከቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማውራ ፐለግሪኒ ሮሃ ሓቢረን።
“መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ዝበልዎ ‘ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ምዕራብ ባህሊ ስርዓትን ቃለ መፍትሕን እዩ’ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ባህልን ታሪኽን ነጺልካ ምርኣይ ዝከኣልን ዘይከኣልን እዩ። ናይ ምዕራብ ባህሊ ብዘይ ርድኢት መጽሓፍ ቅዱስ ብምልኣት ክትርድኦ ዘይሕሰብን ዘይግመትን እዩ። ስለዚህ ብዙሓት ናብቲ ምርኢት ከድህቡን ምስ ቅዱስ መጽሓፍ ክላለዩን፣ ከምቲ ነቢይ ኣሞጽ ኣብ ምዕ. 8 ፍቕዲ 11 ዝብሎ ‘ኣነሆ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኬምጻ እየን። እዚ ጥሜት እዚ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሔር እምበር ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን…’ እንክብሉ ነዚ ቃል’ዚ መሠረት ዝገበረ ትርኢት እዩ” እንክብሉ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝተሳተፉ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ መንበረ ጥበብ ዋና ኣምሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ማሪያ ኣብረጎ ደ ላስይ ብወገኖም እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ከምእዝኣተወ ዘረጋገጽ መደብ ምርኢት ቅዱስ መጽሓፍ ምዃኑን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ምርኢት ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ዝህብዎ ምስክርነት ኣዚዩ ዘገርም ከምዝኸውን ገሊጾም ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ቃል ጐይታ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፦ “ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ብስራት ቃል ኣምላኽ እቲ ቃል ባዕሉ እቲ ኅልው ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘበስሮ ከምዝኾነን ንሱ ባዕሉ ክእንገድ ዝደሊ ቃል ዘብስረና ከምዝኾነ ክንኣምን ይግባእ፣ እዚ ምስጢረ ቅዱሳዊ ቃል ናይቲ ቃል ቃል ናይ እዚኣብሔር ዝኾነ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ኣብ ታሪኽ በቢ ዕለቱ ዝዛረብ ኣካላዊ ትእምርቲ እዩ” ዝበልዎ እንክጠቕሱ፣ ናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ምኽትል ኅየንተ ኣምብሮጆ ማሪያ ፒኣዞኒ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብቲ ምርኢት ካብ ዓበይትን ውሩያትን ቤተ መጻሕፍትን ካብ ናይ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ውሩይ ቤተ መጻሕፍቲ ዝተዋጽኡ ቅዱስ መጻሕፍትን እቲ ብሕገ መናበቢ ቫቲካኑስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ መጽሓፍ እውን ከምዝቐርብ ከምዘመልከቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማውራ ፐለግሪኒ ሮሃ ኣመልኪተን።







All the contents on this site are copyrighted ©.