2014-03-29 16:05:45

ስርዓት ሊጡርጊያ ምስጢረ ንስሓ


RealAudioMP3 ዕለት 28 መጋቢት 2913 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቐትሪ እቲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም 2014 ዓ.ም. ዘዳለዎ መደብ መሰረት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምስጢረ ንስሓ ሊጡርጊያ ከምዝሰርዑ እንክምልከት፣ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝሰርዕዎ ሊጡርጊያ ምስጢረ ንስሓ ኣብ መናዘዚ ስፍራ ተንበርኪኾም ምስ ተናዘዙ ብተራኦም ኣብቲ ናይ ንስሓ ቦታ ተረኺቦም ንውሑዳን ዓለማውያን ምእመናን ምስጢረ ንስሓ ከምዝሰርዑን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ። በቲ መደብ ምስጢረ ንስሓ መሰረት ድማ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ንዕስራን ኣርብዕተን ሰዓት ምስ ጐይታ ብዝብል መርሕ ቃል ስለስተ ዓበይቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ሮማ፣ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ኣኘዘ ዘኣጎነ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ዘትራስተቨረን ከምኡ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ቅናዋት ምእመናን ንንስሓ ብምዕዳን ኣብ ኑዛዜ ስነ ስርዓት ኣገልግሎት ከምእተውሃበን፣ መደብ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን እውን ከምእተፈጸመ ሓቢሩ። እዚ ክሳብ ዕለት 29 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ልክዕ ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ ዝቐጸለ ናይ ንስሓ ሊጡርጊያ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ብቐዳማይ ጸሎተ ዘሰርክ ከምእዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ መንፈሳዊ መደብ ኣመልኪቶም ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ መደብ ሊጡርጊያ ምስጢረ ንስሓ ናይ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ደስታ መግለጺ በዓል እዩ፣ ማለት ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እነስተንትነሉን ብዛዕባ ሓቀነት ኣብ ጉዳይ ሕይወትናን ነቲ ብቕኑዕን ሰናይን መገዲ ዘይጓዓዝን ዝኽሰት ግድፈትን ምኽኒት ከተናድይ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ገዛእ ርእስናን እግዚኣብሔርን ኰይና ሽሕ’ኳ ድኹማትን ሓጥኣንን እውን እንተኾና ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ፍቑራት ብእግዚኣብሔር ምዃንና ተመክሮ እንፍጽመሉ ናይ ሓጐስን ናይ ዝተዓደለና ዓቢይ ናጽነት ብእውነተይና ነጻነት ንኽንንበር ዘነቓቕሓና በዓል እዩ ኢሎም።
ብዙሓት ክርስትያን ኣብ ምስጢረ ንስሓ ኣሉታዊ ተመኵሮ ስለ ዘጓነፎም ካብዚ ዓቢይ ናይ ምሕረትን ፍቕርን ምስጢር ርሒቖም ንዝርከቡ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ እቲ እውነተይና ሓጐስ ምዃኑ ዝምስከረሉን ምስጢረ ንስሓ ናይ ፍርድን ኩነኔን ምስጢር ዘይኰነስ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ምስጢር እዩ፣ ጐይታ ንቶም ብቅኑዕ ልቢ ንዝቐርብዎን መሓረኒ ንዝብሉ ብፍቕሩ ዝቕበለሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.