2014-03-27 19:06:39

ንሕዝበ እግዚአብሔር ብልቢ ኢየሱስ ዘየፍቅር ካህን ዘይጠቅም ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡ ዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እንክኸውን ነቶም ትምህርቶም ክሰምዑን ሰላም ክብልዎምን ቡራኤኦም ክሳተፉን ንቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ንጻት መሊኦም ዝነበሩ ብዛዕባ ምሥጢራት ቤተ ክርስትያን ንዝጀምርዎ ትምህርቲ ክርስቶስ ብምቅጻል ምሥጢረ ክህነት በስፊሑ ተንቲኖም፣
ምሥጢረ ክህነት ብሰለስተ መዓርጋት ማለት ብጵጵስናን ክህነትን ዲቍናን ዝቆመ ምዃኑን ኩሉ ከአ ምስ ክርስቶስ ተወሃሃድካ መጉሰኡ ከም ልቡ ጌርካ ምጕሳይ እንክኸውን ካብዚአቶም ከምቲ ኢየሱስ ንቤተ ክርስትያኑ ዘፍቅራ ንማኅበረ ክርስትያን ብፍቅሪ እንተዘይ አገልጊሎም ነቲ ተል እኾኦም ብግቡ እ አይፍጽሙን፣ ሓደ አቡን ወይ ካህን ዘይጽሊ እንተኾይኑ ቃል አምላኽ ዘይሰም ዕ እንተኾይኑ ዕለት ዕለት መሥዋዕተ ቅዳሴ ብመንፈሳውነት ዘየዕርግ እንተኾይኑ ኃጢአቱ ተአሚኑ ምሥጢረ ኑዛዜ ዘየዘውትር እንተኾይኑ ድሮ ጠፊኡ ኢዩ፣ ስለዚ ምሥጢረ ክህነት አገልግሎት ምስ ፍቅሪ እንክኾን ጐ.ኢ.ክ ንሓዋርያትን ተኸተልቶምን ካብ ዝሃቦም ስልጣናት እቲ ዝዓበየ ኢዩ፣ ኃላነት ሕልቅነት እኳ እንተመሰለ ን አገልግሎት ኩለንትናኻ ብትሕትና ምውፋይ ኢዩ፣ “አቡን ይኹን ካህን ወይውን ዲያቆን ንመጓሰ ጐይታ ብፍቅሪ ክጓሲ አለዎ፣ ነዙይ ግን ብፍቅሪ እንተዘገሮሞ ዋጋ የብሉን፣ ብምሥጢረ ክህነት እቶም ዝተመርጹን ዝተቀብ ኡን አገልገልቲ ነቲ ናይ ኢየሱስ አብ መንጎና ምህላው ይቅጽልዎ ነዚ ከአ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ብስም እግዚአብሔር ብፍቅሪ ይገብርዎ፣ ናይ ምሥጢረ ክህነት ሕጊ ፍቅሪ ኢዩ፣ ንኢየሱስ ንኸትፍቅር ግን ብዘየማት እ መንገዲ ብግብርን ብቃልን ብኩለትናኻን ምሳኡ ክትወሃሃድ የድሊ እንተዘየሎ መዓዝንካ ስሒትካ ኩሉ ትርጉም አልቦ ይኸውን እቲ በዚ አገልግሎት እዚ ዝርከብ ባህታን ቅሳነትን ይጠፍእ፣
“ዘይጽሊ አቡን ቃል አምላኽ ዘይሰም ዕን ዘየስተንትንን ዕለት ዕለት ዘይቅድስ ብስሩዕ አገባብ ናብ ኑዛዜ ዘይቀርብ ምስ ኢየሱስ ዘለዎ ርክብ ይጠፍእ ንቤተ ክርስትያን ዝጐድእ ፈሪሳዊ ሕይወት ይነብር፣ ከማኡ እውን ካህናት፣ ስለዚኸስ ኩልና ንካህናትን አቡናትን ጸሊዮም ም እንቲ ክኽ እሉ ክንሕግዞም የድሊ ነዙይ አብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ኩሉ አብ ግብሪ ከው ዕሉ ም እንታኦም ንጸሊ፣
ካል እ ነጥቢ ናይዚ መዓርግ እዚ አቡናትን ካህናትን ዲያቆናትን ንቤተ ክርስትያን ብሓቅዶ የፍቅርዋ? ከመይከ ክኸውን አለዎ፣ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዘፍቅራ ከፍቅርዋ አለዎም፣ ቅዱስ ጳውሎስ ነዙይ ፍቅሪ እዚ ብናይ ቃል ኪዳን ፍቅሪ ይገልጾ፣ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዘፍቅራ አስብ ኡት ነንስትኹም አፍቅሩ ይብል፣ ስለዚ ናይ ምሥጢረ ክህነትን ተክሊልን ፍቅሪ ዓቢ ምሥጢር ኢዩ፣ እዘን ክልተ ምሥጢራት እዚአን ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ናብ እግዚአብሔር ከም ምሥጢር ኮይኑ ክቀርብ ዝመርሓ መንገዲ ኢየን፣
ጐይታ ይጽው ዕ! ካህን ክኸውን ንዝደሊ ኩሉ ይጽ ውዕ! ካብዚ አብዚ ዘሎኹም መን እሰያት ምናልባት እዚ ጸዋዕታ እዚ ዝስመዓኩም እንተሊኹም ነዙ ጸዋዕታ እዚ ተከናኸንዎ ብጸሎት አብስልዎ አብ ፍረ ክበጽሕ ኰስኵስዎ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.