2014-03-25 19:25:35

ጸሎት አብ ጊዜ ጾም አርብዓ።


ንባባት፡ አስተር ሐ 12-25፥ ማቴ 7፡7-12ጾም ምስ አምላኽ ክንራኸብ ፍሉይ ዕድል ዝህብ እዩ። ቤተ ክርስትያን አብቲ ልሙድ ባህላ መሰረት ገራ ንአምላኽ ብፍሉይ ክንምለሶ እሞ አብዚ ንብዓለ ፋሲካ ክነብዕል አብ እንሰናደወሉ እዋን ዘድሊ ምስንዳው ክንገብር ትምሕጸነና። አብ ቃል ነቢይ ኢዩኤል መሰረት ገራ “አብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፥ ጾም አውጁ፥ አኸባ ጸውዑ ሕዝቢ አክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከምዘሎ ንገሩ. . . . . . ክህናት አብ አፍደገ ቤት መቕደስ መሠውዕን ኮይኖም ኦ እግዚአብሔር ንህዝብኻ ንሓፎ ንርስትኻ አሕዛብ ክገዝእዎ አሕሊፍካ አይትሃብ ስለምንታይ አምላኽኩም አበሎ እናበሉ ዜላግጹልና ኢሎም እናጸለዩ ይብከዩ” (ኢዩኤል 2፡15-17) እናበለት ነዚ ቅዱስ እዋን ዘድሊ እንሕዞ መገዲ ትነግረና። ጊዜ ጾም አርብዓ ጸሎት ክንገብር እንእውጆ ጊዜ እዩ። ጾምና ቅቡል ክኸውን ብሕትውና፥ ጾም፥ ንነፍስና ምቕጻዕ፥እነዘውትረሉ ከምኡ ነቲ ብሕቡእ ዝርኢ አምላኽ ጥራሕ ክንዛረብ እንአትዎ ኪዳን እዩ። እዚ እዩ ኢየሱስ ዘስተምሃረና መገዲ ጾም።
አብ ጊዜ ጾም አርብዓ ሰለሰተ ነገራት ክነዘውትር ልሙድ ባህሊ ክርስትናና እዩ። ጾም፥ ጸሎት፥ ምጽዋት።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ጸሎት ከስተምህረና እንከሎ “ክትጽሊ እንከሎኻ ናብ ቤትካ እቶ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥዉር ዘሎ አቦኻ ጸሊ” (ማቴ 6፡6) ይብል፥ ጊዜ ጾም እምብአር ንፍሉይ አገባብ ጸሎት ዝዕድመና እዩ። ሙሴ አብ ደብረሲና ነርብዓ መዓልትን ለይትን እናጸለየ ከምዘሕለፈ ከምኡ ኤልያስ ካልኦት ነብያት ብፍሉይ ምስ አምላኽ ክራኸቡ እንከለዉ አብ ግሉል ቦታን አብ እምባታትን ይጽልዩ ከምዝነበሩ ቅ. መጽሓፍ ደጋጊሙ ይነግረና። ጎ.ኢ.ክ. ኩሉ ጊዜ ይጽሊ ከምዝነበረ ወንጌል ይነግረና።
ጾምና ፍረ ክህልዎ ፍሉይ ጊዜ ክንህቦ ይግባእ። ናብራና ዓለምና እና ሃወኸና እንከሎ ክንጸውም ከቢድ እዩ። ፍሉይ ጊዜ ወሲድና ምስቲ ሰማያዊ አቦና ክንዛረብ ክንሰምዖ። ንሱ ካባና ዝደልዮ አለሊና ክንክእል ምኽንያቱ ንብዙሓት ዝኸብደና አምላኽ ዝደልዮ ገዲፍና ንሕና እንደልዮ ጥራሕ ክንሕዝ ኢና እንደሊ። አብዚ እዋን ጾም አምላኽ ካባይ እንታይ ይደሊ ኢልና ሕልናና ክንሓትት፥ ምናልባት ንሕማቕ አመለይ ክሓድግ፥ ንተባኢሰዮ ዘሎኹ ክዕረቕ፥ ንዝበደልክዎ ይቕረታ ክሓትት፥ እዝን ካልእን ርኢና ክኢልና ክንምለስ እዩ ድላይ አምላኽ።
ናይ ሓደ ተኸታል ክርስቶስ መንነት ዝግለጸሉ እምብአር አብ ጸሎት እዩ። ዝጽሊ ጥራሕ እዩ ንአምላኽን እንታይነቱን ክፈልጥ ዝኽእል ከምኡ ግላዊ ሕይወቱ መዚኑ ዝኽእል። በዚ ቅዱስ እዋን ጾም አርብዓ ፍሉይ መደብ ጸሎት ብግልን ብሓባርን ክንገብር ግቡእ እዩ። ሎሚ ነፍስወከፍና ንአምላኽ ዝኸውን ጊዜ ይብዛሕ ይውሓድ ክህልወና ወይ ክንውስን ግቡእ እዩ። ኩልና ንጸሎት ዝተጸዋዕና ኢና ክንጽሊ ምስ አምላኽ ክንራኸብ ምስት ምንጭናን ፈጣሪናን ርኢና ክንክእል ከሎና መልክዕ ተፈጥሮና እዩ።
ብሉይ ኪዳን ንጸሎት ክገልጽ እንከሎ ርክብ ሰብን አምላኽን አብ ዝተፈጸመሉ “አዳም አበይ አሎኻ? እንታይ ደአኸ ገበርካ” (ዘፍ 3፡9፥13) አብ ዝሓተተሉ እዩ ጀሚሩ። አምላኽ ክንፍለዮ አይፈጠረናን ምስኡ ክነብር ናቱ ክንከውን እሞ አብ ሕቕፉ ኮና ምስጢር ተፈጥሮን ክነስተምቕር ኢና ተፈጢርና (ሓ/ት/ክ/ 2568)። አምላኽ ንሰባት ወትሩ ናብ ጸሎት ምስ ጸውዐ እዩ። ክንምለሶ ከይንፍለዮ ኢሉ አበሎኻ/ኺ እናበለ አብ ልብና ክንምለስ ይደልየና።
ጠፊእና ተኸዊልና ኃጢአትና ከቢድና እንተሎ “አቱም ዝደኸምኩም ጾር ዝኸበደኩም አባይ ንዑ ከዕርፈኩም እየ አነ ሕያዋይ ጓሳ እየ ጾረይ ቀሊል እዩ” እናበለ አብኡ ክንምለስ ይዕድመና አሎ። አብ ልብና ንእቶ ከመሎኹ ኢልና ንርእስና ንሕተታ እሞ እንተ ወሓደ ሒዝናዮ ዘሎና መገዲ ክንርኢ ኢና። አዳምን ሔዋንን ዝዓበየ ነገር ዝገበርዎ እንተሎ ጌግኦም ተረዲእዎም ክሕብኡ ፈቲኖም፥ ነቲ ካብ አምላኽ ዝፈለዮም ግብሮም ርእዮም ክኢሎም ሽዑ ሓንቲ ክገብሩ ከምዘይክአሉ ርእዮም አምላኽ ክምሕሮም ሕይወቶም አብ ኢድ አምላኽ አንቢሮም፥ ሽዑ አምላኽ ሓንቲ መዓልቲ ከድሕኖም ምዃኑ ተስፋ ሂብዎም። ጠፊእና ዘንጊዕና እንተሎና አብዚ አሎኹ ክንብል እዋኑ እዩ።

ጸሎት አብ ብሉይ ኪዳን፡
ሓደ ካብቲ መለልዪ ጸሎት አብ ብሉይ ኪዳን ንድለት አምላኽ ወይ ንዝብሎ ጽን ኢልካ ምስማዕ እዩ። ነዚ አብነት ዝኾነና ናይ አብርሃም እዩ። ንሱ አምላኽ ክጽውዖ እንከሎ ጽን ኢሉ ስለ ዝሰምዐ ተአዚዙ አብ ኩሉ ሕይወቱ ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ እዩ ገሊጹ። ሕይወት አብርሃም ሕይወት ጸሎት እዩ ነሩ ንኹሉ አምላኽ ዝበሎን ዝደልዮን ጥራሕ ይእዘዝ ነሩ።
አብ ገለእዋን አብርሃም ነቲ አምላኽ ዝብሎ ክቕበሎ ክርድኦ ይኸብዶ ነሩ እዩ እንተኾነ ብዘይካ አምላኽ ክነብር ከምዘይክእል ፍሉይ እምነት ስለ ዝነበሮ ኩሉ ጊዜ ወላ እውን ምስጢር ሕይወቱ እንተ ዘይተረድኦ ንአምላኽ ካብ ምስማዕ ድሕር ኢሉ አይፈልጥን፥ በዚ እምነት ከአ ብውሉዱ አሓጒስዎ። ዓለት ኩሎም አሕዛብ ብአኡ ከምዝባረኹ ገሊጽሉ። አብርሃም አቦ ነፍስወከፍና እዩ ይብለና ሓዋርያ ጳውሎስ።
ድሕሪ አብርሃም ምስ አምላኽ ፍሉይ ርክብ ከምዝነበሮ ዝንገረና ሙሴ ነቢይ እዩ ንሱ ምስ አምላኽ ገጽ ንገጸ ይዛረብ ነበረ (ዘፀ 33፡11) ዝብል ነንብብ። ምስ አምላኽ ክራኸብ እንከሎ ኩሉ ይሕደስ ይልወጥ ከምዝነበረ እሞ ምስ አምላኽ ተራኺቡ ክምለሶም እንከሎ እቶም ህዝቢ ክርእይዎ የጸግሞም ነሩ ምስ አምላኽ ክራኸብ ዝኽአለ ሰብ አብ ውሽጣውን ግዳማውን ሕይወቱ ዝርአ ሰላምን ቅሳነትን ፍሉይ መለልዪ እዩ። ምስ አምላኽ ክንራኸብ የድለየና አሎ። አብ ደብረ ሲና ዝኾነ ሕይወትና እናዓደመ ክዛረበና ክገንሓና ይዕድመና አሎ። ኩልና እምብአር አብዚ ጊዜ ጾም ዕድመና ተቐቢልና ክንዛረቦ ድለትና ክንገልጸሉ ከምኡ ድለቱ ክንሰምዖ ንሕተት አሎና።
አምላኽ ዓዳሚ ሰብ ተዓዳሚ እዩ እቲ ጉዳይ፥ ከምሰባት ንሓደ አኽቢሩ ዝዓደመና ሰብ ዕድመ ክነጽገሉ ከሎና ከቢድ እዩ ዓዲምና እንተ ዘይሰማዕናዮ ንሓፍር ንፈርሆ እውን፥ ናይ እቲ ፈጣሪ ኩሉ ዕድመ ድአ ክንደናይ ዘየፍርሓና ስለዚ ሎሚ በዚ ብሩኽ ጊዜ ዕድመና አኽቢርና አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ሕይወትን መገድን ንረኸብ።

ጸሎትና ብኽልተ መገዲ ኢና ክንፍጽሞ ዘሎና፡

ጸሎት አብ ሓዲስ ኪዳን፡
ሕይወት ክርስቶስ ሕይወት ጸሎት እዩ ነሩ። ካብ ልደቱ ክሳብ ዕርገቱ ዝነበረ እንተ ረአና ሕይወት ጸሎት እዩ ነሩ። ኩሉ ጊዜ ንድላይ ሰማያዊ አብኡ ክፍጽም ከምዝመጸ ከምኡ ንኹሉ ዝገብሮ ትምህርቲ ይኹን ትአምራት እንተ ረአና ብምልኡ ምስ ሰማያዊ አብኡ እዩ አተሓሒዙ ዝገብሮ ነሩ። አብ መዓልቲ ጥምቀቱ እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ ስምዕዎ እናበለ እግዚአብሔር አብ ክዛረብ ተሰሚዑ። ምስ ሓዋርያቱ ምሉእ መዓልቲ ክሰብኽን ንሕሙማት ከሕውን ምስ ወዓለ አብ ውስን ዝበለ ቦታ ይጽሊ ከምዝነበረ ገለ እዋን አብ ደብረ ዘይቲ ገለ እዋን አብ ጌተ ሰማኒ ይጽሊ ከምዝነበረ አብ ወንጌል ነንብብ። በዚ ኢና ሕይወት ኢየሱስ ሕይወት ጸሎት እዩ ነሩ እንብል። ንሓዋርያቱ ኩሉ ጊዜ ክጽልዩ ከምዘለዎም ነጊርዎም። ምስኡ ርክብ እንተ ዘይገበሩ ሕይወት ከምዘይብሎም ነጊርዎም። አነ ጉንዲ እየ ንስኹም ጨናፍር ኢኹም እናበለ ምስኡ ክህልዎም ዝግብኦ ርክብ ገሊጽሎም። ሓደ ካብቲ ገሊጹ ዝተዛረቦ ኩሉ ጊዜ ክጽልዩ ከምዝግብኦም።
ብልቢ እንጽልዮ ከምዝሰምዓና ገሊጹልና እዩ። “ለምኑ ኺውሃበኩም እዩ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ኳሕኲሑ ክርሓወልኩም እዩ፥ ከመይ ዝለመነ ኹሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝዃሕኲሐ ድማ ይረኃወሉ እዩ” (ማቴ 7፡7-8፥ ሉቃ 11፡9-13)። አብዚ አምላኽ ኩሉ ዝለመናዮ ድሕሪ ዝህበና ኮይኑ ስለምንታይ ጸሎተይ ዘይተሰምዐ ስለምንታይ ሓደ ሕሙም ክሓዊ ዝለመናሉ ዘይሓዊ ስለምንታይ ሰላም ዘየሎ እዝን ካልእን ክንሓትት ንግደድ። እንታይ እዩ እቲ ምስጢር ዘይፈለጥናዮ።
ኢየሱስ ነዚ ክምልስ እንከሎ “እንታዋይ ሰብ እዩ ኻባኻትኩም ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዝህቦ ወይ ከአ ዓሣ እንተ ለመኖ ተመን ዝህቦ እምብአርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉአት ከሎኹም ንደቅኹም ሠናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈልጥኩም እቲ አብ ሰማይ ዘሎ አቦኹም ግዳ ንዝልምንዎ ክንደይ አብዚኁ ሠናይ ነገር ዘይህቦም” (ማቴ 7፡9-11) ይብል። ንሕና ድኹማት ፍጥረት እንከሎና ንደቅና ዘድልዮም ካብ ንህቦም ካብ ኮና እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ አምላኽ ድአ ክንደናይ ዘይህበና። እቲ ጸገም አምላኽ ዝለመናዮ ዘይህብ ኮይኑ አይኮነን ንሕና እቲ እንልምኖ አይንፈልጥን ኢና ወይ ንዘየድልየና ነገር ኢና እንልምን። ሓደ ወላዲ ውሉዱ ብኻራ ክጻወት እንተ ሓተቶ አይህቦን እዩ፥ ወላ እውን እቲ ሕፃን እንተ በኸየን ሓረቐን እቲ ወላዲ ጉድአት ካራ ስለ ዝፈልጥ አይህቦን እዩ ከምኡ ኸአ አምላኽ እንታይ ከምዝጠቕመና ይፈልጥ እዩ ኩሉ ዝሓተትናዮ ምስቲ ዝጠቕመና ርእዩ እዩ ዝህበና።
ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ዝሃበና አምላኽ ጽቡቕ ነገራት ነቶም ዝሓትዎ ከምዝህቦም እዩ። አብ ማቴ 6፡8 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ኩሉ ጊዜ እንታይ ከምዘድልየና ይፈልጥ እዩ፥ ንሕና እንታይ ከምዘድልየና ክነግሮ አየድልን እዩ። ስለምንታይ እሞ ንጽሊ? ዓላማ ጸሎት ንሕና ብዝያዳ ብዕምቆት ነቲ ዘድልየና ክንፈልጥ ምእንቲ እዩ። እቲ እንልምኖ ምስ አምላኽን ምስ ሰብን ዘሎና ርክብ ብዝያዳ ዝገልጽ ክኸውን ይኽእል እዩ፥ ከምኡ እንታይነትና እንደልዮን ዝገልጽ ክኸውን ይኽእል እዩ (አብ ገለ እዋን እንደልዮን ዘድልየና ነገርን በበይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ)። እቲ ዝበለጸ ጸሎት አብ ነውሕ እዋን ዝጠቕሙና ፥ ነቶም አብ አምላኽ ብዝያዳ ዘቕርቡና ነገራት፥ ነቶም አብ ሕይወትና ብሓቅን ብፍቕርን ክንከይድ ዝሕግዙና ኢና ክንጽሊ ዝግብአና። እቲ ክንኮኖ ዝግብአና ምእንቲ ክንከውን ክንጽሊ ይግብአና።
አብ ጌተሰማኒን ዝተጸለየ ግን እንታይ መልሲ ከምዝተዋህቦ ርኢና ክንጽሊ ይግብአና “ፍቓድካ ይኹን” ምባል። ቅ. ጳውሎስ አብ 2ቆሮ12፡7-10 ከምዚ ይብል “ብምኽንያት እቲ አዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸአ ንሥጋይ ዚወግእ ግራጭ ተዋህበኒ። እምብዛ ኸይዕበ መልአኽ ሰይጣን ኪሳቅየኒ ተዋህበኒ። ነዚ ሥቓይ ካባይ አርሕቆ ኢለ ንጎይታ ሠለስተ ሳዕ ለመንክዎ ንሱ ከአ ኃይለይ አብ ድኻም እዩ ዝግለጽ እሞ ጸጋይ ይአኽለካ በለኒ። ስለዚ ኃይሊ ክርስቶስ አብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር ብብዙኅ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ፥ እምብአርከ ምስ ዝደክም ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም ብጸርፊ ብኃሳር ብስደት ብጸበባ እሕጎስ አሎኹ” እናበለ አምላኽ አብቲ እዋን ጸበባ እውን ሓልዮቱ ምሳና ከምዘሎ ተረዲእና ንድላዩ አለሊና ክንክእል ክንልምኖ ይግባእ።
ድላይ አምላኽ ዘለሊ ሰብ ብጹእ እዩ ምኽንያቱ ነቲ አብ ክርስቶስ ዝሕውሶ መገዲ ስለ አጸቢቑ ዝፈልጥ ዝመጸ ይምጻእ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልዮ የለን። እዚ አብ ሕይወትና ክንርእዮ ከሎና አምላኽ ዝሃበና ክንክተሎ ዝግብአና ሕይወት ንነፍስወከፍና አሎ ነቲ ንሱ ዝመደበልና መገዲ ወይ ጸዋዕታ ክንቅይር ክንፍትን እንከሎና ሽዑ እቲ ውርደትን ጥልመትን ይመጽእ። ሰብ ሓዳር አብ ሓዳሮም ነቲ አምላኽ ዝሃቦም ሕይወት ክኽተሉ እንተ ዘይከአሉ ከምኡ አብ ክህነታዊ ወይ ምንኲስናዊ ሕይወት ዝነብሩ ዝነብራ እንተ ዘይነበርዎ ወይ ክቕይሩ እንተ ፈተኑ ምስ አምላኽ የለዉን ማለት እዩ ስለዚ ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ወላ ክንርድኦ እንተ ዘይከአልና ፍቓድካ ይኹን ኢልና ብቅድስና ክንመርሕ ሕይወትና ንለምኖ።
አምላኽ አብ ታሪኽ ድሕነት ከም እንዕዘቦ አብ ፍሉይ ቦታ ክረኽበና ይደሊ። አብ ብሉይ ኪዳን አብ አብ እምባታት ወይ አብ ፍሉይ ቦታታት ንነብያት ንአበዉ ከምኡ ንህዝቢ እስራኤል ከምዝረኽቦም ዝነበረ ነንብብ። ንአብነት ደብረ ሲና፥ ደብረ አርመኔዎን ወዘተ ንርኢ አብ ቀጺሉ ዝሰዓበ ዘመናት አብ ቤተ መቕደስ ይረኽቦም ነሩ።
አብ ሓዲስ ኪዳን እንተ ረኤና እውን ኢየሱስ አብ ቤተ መቕደስ አብ ቤተ ጸሎታቶም አብ እምባ አብ ፍሉይ ቦታታት ይጽሊ ከምዝነበረ ንርኢ። አብዚ ተመርኲሳ ቤተ ክርስትያን ቦታ ጸሎት ክትፈሊ ጀሚራ ቤተ ክርስትያን ንብሎ። ቤት አምላኽ ቤት ጸሎት ማለት እዩ። ክቡር ቅዱስ ቦታ አምላኽ ዝሓደሮ ማለት እዩ። ነዚ ብዝያዳ ከረድአና ቅ. ጳውሎስ ንስኻትኩም ሕንጻ ቤት አምላኽ ኢኹም እናበለ ሰውነትና ታቦት አምላኽ ከምዝኾነ የስተምህረን። እዚ ሕይወትና ናብራና መለልይኡ ቤት አምላኽ ክኸውን ከምዘለዎ ይገልጽ። ሕይወትና ብጸሎት ክምራሕ እንከሎ ህንፃ አምላኽ ኮና አሎና ማለት እዩ። እዚ ቤት አምላኽ ዝኾነ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ዘይመልክዑ ከይለብስ ብጸሎት ክነሰንዮ የድሊ።
ኩሉ ጊዜ ከየቋረጽኩም ጸልዩ፦
ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ካብቲ ሓደ ዝተላበዎም ነገር እንተሎ ከየቋረጹ ክጽልዩ እዩ። ሓደ መዓልቲ “ጸሎት ምሃረና” ኢሎም ምስ ሓተትዎ አብቲ ዝመሃሮም ጸሎት ንአምላኽ አቦና ክብሉ መግቢ ዕለቶም ክህቦም ከምኡ በደሎም ክሕደገሎም ግን ንሶም እውን ንዝበደልዎ ክምሕሩ ክጽልዩ አብ ፈተና ከይአትዉ ክጽልዩ ነጊርዎም። ጸሎት ዘይገብር ክድሕን ቀሊል አይኮነን ክንጽሊ እምብአር ድላይ መምህርና እዩ።
አብ ሓ/ት/ክ ከም እንምሃሮ ጸሎት ብፍሉይ ምስ አምላኽ ምንባር ንአምላኽ ምስማዕ እዩ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝንገር ርድኢት ጸሎት ብኸምዚ ይግለጸልና፡
“ጸሎት ማለት ሓሳብካን ልብኻን ናብ አምላኽ ገጽካ ምልዓል ወይ ከአ ካብ አምላኽ ሠናይ ነገር ምልማን ማለት እዩ” ቅ.ተረዛ ዘ ሊሴ። መሰረት ጸሎት ትሕትና እዩ ንርእስኻ አብ ሓልዮትን ጸጋ አምላኽን ገርካ እትፍጽሞ እዩ። ትሕትና ክብሃል እንከሎ ንከአል ኩሉ አምላኽ ልዕሊ ኹሉ ነገር ምዃኑ አሚንካ ካብኡ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክህበካ ምልማን እዩ። ሓ/ት/ክ 2559።
ከምኡ አብ ሓ/ት/ክ አብ 2562 ዘሎ እንተ አንበብና ጸሎት ካበይ ይመጽእ? ጸሎት ብቓላት ኮነ ብአገባባት ደአ ይገለጽ እምበር ዚጽልስ እቲ ምሉእ ሰብ እዩ ይብል። ቅ. መጽሓፍ ምንጪ ጸሎት ልቢ እዩ ይብለና ልብና ካብ አምላኽ ርሒቑ እንከሎ እንተ ጸለና ኩሉ ምህትፍታፍ ጥራሕ እዩ። ልብና ቦታ አምላኽ ክሳብ ዘይኮነ ዝኾነ ንአምላኽ ዘሓጉስ ክንገብር አይንኽእልን ኢና ይብለና።
ጸሎት እምብአር ምስ ፈጣሪና ዝኾነ አምላኽ ብኹሉ ርክብ ምፍጣር እዩ።
ክንጽሊ ከሎና ብስም ኢየሱስ ክንልምን ይግብአና። “ብስመይ ዝለመንክምዎ ኩሉ ክውሃበኩም እዩ” ይብለና ኢየሱስ። “እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ ስምዕዎ” እግዚአብሔር አብ ብስም ወዱ ክንልምኖ ከሎና ከይሰምዐና ክተርፍ አይክአልን እዩ። እቲ ሓደ መንጎኛና ክርስቶስ እዩ ብዘይካኡ ካልእ መንጎኛ የብልናን። ናይ ማርያምን ቅዱስናን መንጎኝነት ምስ ናይ ክርስቶእ ዝርአ ወይ ዝመዓራረ አይኮነን። ናይ ማርያምን ቅዱስናን መንጎኝነት አብቲ ናይ ክርስቶስ እዩ ዝምስረት ካብኡ ተፈልዩ ትርጉም የብሉን ስለዚ ብስም ክርስቶስ ክንጽልን ክንልምንን ከሎና ኩሉ ጸጋታት ንረክብ።
አምላኽ ክንልምኖ ከሎና ቅድሚ መልሲ ምሃቡ ተፍቅረኒዶ ኢሉ ይሓተና ምኽንያቱ እነፍቅሮ እንተ ኾና ንፈልጦ አሎና ንሱ ዝበሎ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ከምዝኾነ እሞ በቲ ንሱ ዝብሎ ክንከይድ ፍቓድና ንገልጽ አሎና ማለት እዩ። ካብቲ ንሕና ብዛዕባ ርእስና እንፈልጦ አምላኽ ብዛዕባና ዝፈልጦ ይበዝሕ ስለዚ እወ አፍቅረካ እየ ክንብል ይግብአና።
እሞ አብዚ ጉዕዞ ጾም አርብዓ አብ ውሽጥና አቲና ምስ አምላኽ ክንዛረብ ክንሰምዖ ክነምልኾ ክንሰግደሉ እሞ ክንቅየር ክንደሊ ይግብአና። ንአምላኽ ድላይና ክበና ጥራሕ ክንልምኖ ዘይኮነ ንሱ ካባና ዝደልዮ እንተሎ ክንቅይሮ ክንሓድጎ ዝደልየና ርኢና ክንክእል እሞ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ኮና ክንጉዓዝ ፍቓደኛታት ንኹን።
አብ ትውፊት ቤተ ክርስትያን እታ ዝዓበየት መምህር ጸሎት ማርያም እያ። ቅ. ሉቃስ ከምዝገልጸልና ማርያም ንድላይ አምላኽ አለላያ ስለ ዝኸአለት ንኹሉ ነገራ “ሕራይ” እናበልት ፈጺማቶ። አደ አምላኽ ክትከውን ምስተ ነግራ ከምኡ እቲ ሓደ ወዳ አብ መስቀል ክመውት ክውፈ ክትርኢ እንከላ ንኹሉ ፍቓድካ ይኹን ኢላ፥ ሎሚ ካብአ እንምሃሮ ንኹሉ ምስ ፍቓድ አምላኽ አዛሚድና ክንርእዮ እሞ ወላ ነቲ ከቢድ መስቀል ክንርድኦ ክንቅበሎ ዝኸብደና ነገራት ፍቓድካ ይኹን ኢልና ንመገዲ ቅድስና ክንሕዝ ሓግዝና ንበላ።
አብ ግ.ሓ.ዋ. ማርያም ምስ ሓዋርያት ሓቢራ ጸሎት ትመርሕ ከምዝነበርት ነንብብ። መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም ንሓዋርያት ተሰናድዎም፥ ሱባኤ ተእትዎም ነራ። ነቲ ድሕሪ ሞት መምህሮም ወሪድዎም ዝነበረ ፍርሒ ዘይምምእማን ምጥርጣር ኩሉ አልያ ጽኑዓት እሞ መንፈስ ቅዱስ ከምዝቕበሉ ዝገበረት ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ነዚ መንፈስ ክተውህበና በዚ ቅዱስ ጾም አርብዓ ንለምና።
ጉዕዞ ቀራንዮ ቀሊል አይነበረን እንተ ኾነ ነቲ ጸልማት ድነሞት ጥራሕ ዝነበረ አብ ትንሣኤ ዝቐየረ አምላኽ ልብና ሕይወትና ቀይሩ ናቱ ገሩ ደቂ ትንሣኤ ጸጋታቱ እንለብስ መንፈሱ ዝመርሓና ይግበረና።
አምላኽ ንኹሉ ሕይወትና አብ ምቕያር ጸግኡ ብአማላድነት ወላዲቱ የውርደልና።
ብሩኽ ጾም።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.