2014-03-25 19:22:56

እግዚአብሔር ባዕልና አብ እንገብሮ ውሕስነት ዘይኮነስ እንክንጋገ ይምሕረናን የድሕነናን፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ት እዛዛት እግዚአብሔር እሕሉ አሎኹ ቢልና ርግጸይናታ አብ እንኾነሉ ጊዜ አየድሕነናን ኢዩ እንታይ ደአ ክንሓዊ ከምዘድልየና ተአሚና ብትሕትና ናባኡ ምስ እንቀርብ ጥራሕ ኢዩ ከድሕነና ዝኽእል” እንክብሉ ነቲ
አብ ናይ ዕለቱ ወንጌልን ቀዳማይ ንባብ ናይ ንእማን ካብ ለምጺ ምድሓንን ዘመልክት ንባባት ተመርኵሶም ዓሚቍ ስብከት አቅሪቦም፣
አብ ናይ ዕለቱ ወንጌል “አብ ዓዱ ዝኸብር ነቢይ የልቦን አብ ጊዜ ኤልሳዕ ነቢይ ብዘይካ ንእማን ሶርያዊ ካብ ለምጺ ዝነጽሔ የለን” ዝብል ጥቅሲ ናይ ኢየሱስን ናይቶም ደቂ ዓዱ ከጽድፍዎ ናብ አፋፈት ጸድፊ ዝወሰድዎ እሞ ኢየሱስ ተሰዊሩ ካብ ማእከሎም ከምዘምለጠ ዘመልክት ኢየሱስ አብ ዓዱ ተአምራት ክግበር ዝሓተትዎ ዝምልከት ነበረ፣ ኢየሱስ ግን አብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቅሱ ክልተ አብነታት ናይ ምሕዋይ ሓደ ናይ ንእማን ሶርያዊ ካልአይ ከአ ኤልያስ ነቢይ እንትርፎ እታ ናይ ሲዶን ሳረፕታዊት መበለት ካልእ ከምዘየድኃነ ብምምልካት እቶም አብ እምነቶምን አብ ምሕላው ትእዛዛት እግዚአብሔርን ተአማሚኖም ዝነበሩ ጥራሕ ኢዶም ከምዝተረፉ እቶም ብትሕትና ናብ እግዚአብሔር ዝቀረቡ ግን ድሕነት ከምዝረኸቡ ብምግላጽ “እግዚአብሔር ባዕልና አብ እንገብሮ ውሕስነት ዘይኮነስ እንክንጋገ ይምሕረናን የድሕነናን፣” እንክብሉ ሰቢኾም፣
“እቲ ድራማ ንትእዛዛት እግዚአብሔር ብዘይ እምነት አብ ምሕላው ኢዩ ዘሎ፣ አነ ባዕለይ ክድሕን እኽ እል ኢየ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት አብ ቤት ጸሎት እመላለስ ንትእዛዛት እግዚአብሔር ብዝተኻእለኒ መጠን እሕሉ ኮይኑ ግን እዛ መበለትን እዚ ለምጻምን ከመይ ቢሎም ካባይ ይበልጹ፣ ዝብል ሕቶ ይቅልቀል ኮይኑ ግን ትሕትና እንተዘይተላቢስካ ድሕነት ክትረክብ አጸጋሚ ኢዩ እብለካ፣ እዚ ኢዩ መንገዲ ትሕትና፣ ብኩሉ ዝተፈንፈንካን ዝተረሳዕካን ምዃንካ ፈሊጥካ ምሉእ እምነትካ አብ እግዚአብሔር ብምንበር ብትሕትና ጐይታይ አድሕነኒ እንተቢልካ ከድሕን ዝኽእል ጐይታ ጥራይ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ እቶም አይሁዳውያን ነዙይ ስለዘይፈለጡ ኢዮም ዝሓረቁን ክቀትልዎ ዝደለዩን ከመይ ትእዛዛት እግዚአብሔር ብምሕላውን ቀዳመ ሰንበት አብ ቤተ መቅደስ ብምምልላስን ን ር እሶም ከም ጻድቃን ይቆጽሩ ነሮም፣ ናይቲ ሶርያዊ ንእማን ታሪኽ እንተተመልከትናውን መጀመርያ ኤልሳዕ ነቢይ ኪድ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ጊዜ ጥለቅ ምስ በሎ ካብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝጸርን ዝበልጽን ሩባታት ደአ አብ ዓደይዶ የሎን ቢሉ ተቆጢዑ ንዓዱ ክምለስ ምስ በለ ካብቶም አገልገልቱ ብዝቀረበሉ ምኽሪ ትሕትና ተላቢሱ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ጊዜ ምስ ተሓጽበ ካብ ለምጹ ሓውዩ፣ ናይ ሎሚ መልእኽቲ ከአ እዚ ኢዩ ዘሎና ጊዜ ዘመነ ጾመ አርብዓ ኢዩ ክንድሕንዶ ንደሊ፤ መንገዲ ትሕትና ክንመርጽ አሎና፣
“እኖና እግዚ እትነ ማርያም አብቲ ጸሎታ እግዚአብሔር ድንግልናአን ንጽሕናአን ተመልኪቱ ዝረድ አ ቢላ አይትጽልን እንታይ ደአ ሕያውነቱን ጣዕሙን አስተማቂራ እግዚአብሔር ትሕትና ባርያኡ ስለዝረአየ እንክትብል ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ ትብል፣ ንሕና እውን ካብዚ ጥበብ ትሕትና ክንመሃር የድሊ ከምዚ እንተገበርና ጐይታ ክቀርበናን ክረኽበናን ኢዩ፣ እማነትና አብ ውሕስነታትና አይንግበር፣ ትሕትና ክርስትያን አነ ዝረብሕ አይኮንኩን እናበልካ አብ ውሽጥኻ ት ዕቢት እትሓብ አሉ ዘይኮነስ ነቲ ሓቂ ምግላጽ ኢዩ አነ ሓጢአተኛ ኢየ ቢልካ ኩነትካ ምፍላጥን ምግላጽን የድሊ፣ ከምዚ እንብልን እንገብርን ከአ እግዚአብሔር የድሕነና፣ ድኻምነትና ንኽንፈልጥ ጸጋኡ ንኽህበና ንእግዚአብሔር ንለምኖ ጸጋ ትሕትና እንተረኺብና ካብ ጐይታ ድሕነት ከም እንቅበል ርግጸኛ ኢዩ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ትዊተር ብዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙኃን “ኢየሱስ ካባና ካብ ሓጢአተኛታት ርሒቁ አይፈልጥን፣ ንሱ ንምሕረቱ ብዘይ ምንም ገደብ አብ ልዕለና ከፍስሶ ጥራሕ ኢዩ ዚደሉ” እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ሰዲዶም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.