2014-03-25 19:31:13

ሰንበት ዘደብረ ዘይት 2006ዓ.ም. 4/23/2014


“መዓልቲ ጎይታ ከም ሰራቒ ኾይና ክትመጽእ እያ”
መዝሙር፡ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተደብረ ዘይት. . . . . ።
ንባባት፡ ፩ተሰ 4፡13-ፍ፥ ፪ጴጥ 3፡7-ፍ፥ ግ.ሓ. 24፡1-21፥ ማቴ 24፡1-28።
ምስባክ፡ “ እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ” ‘እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ክመጽእ እዩ ሱቕ እውን አይብልን እዩ፥ ሓዊ አብ ቅድሚኡ ይቃጸል’ መዝ.50፡3።
አብ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር “ብዙኃት ብስመይ አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ክመጹኹም እዮም እሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ ተሰናዲኹም ጽንሑ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሕ ንሱ ኪድኅን እዩ። ወዲ ሰብ ኪመጽእ እንከሎ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ክካወስ እዩ። ሽዑ ኃጢአተኛታት ምድሪ ኩሎም ኪበኽዩ እዮም፥ ሻቡ እግዚአብሔር ብትእዛዙን ብቓሉን ብአእላፋት መላእኽቱን ተዓጂቡ ብቃንዳ መለኸት ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ክወርድ እዩ። ንሱ ዋና ሰንበት ገባር ሕይወት አቦ እዩ እሞ በታ ስዓት እቲአ ካብ ሞት ኃጢአት ይምሓረና” ይብል።
ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትን መዝሙርን ብዛዕባ ምጽአት ጎይታና ይዛረብ። አብ ወንጌል ማቴ ዘሎ ኢየሱስ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ብዛዕባ አብ መወዳእታ ዝኸውን ነገራት እናተዛረበ እንከሎ ሰለስተ ዝተተሓሓዘ ነገራት እዩ ነጊርዎም። 1. ብዛዕባ ዕንወት ኢየሩሳሌም (ብወተሃደራት ንጉስ ቲቶ ብ70 ዓ.ም.)፥ 2. መወዳእታ ዓለም፥ 3. ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ። ነዚ ሰለስተ ነገራት ክንጽበ ከሎና ኩሉ ጊዜ ነቒሕና እናጸለና ክንጽበ ከምዘሎና ይነግረና።
ሰብ አብዚ ዓለም ልዕሊ ኹሉ ዘሰክፎ ናይ ሕይወቱ መወዳእታ ዕጫ እዩ። ኩልና ከም እንመውት ንፈልጥ ኢና ግን ከምዚአ ገርና እንዝንግዓ የላን ከምዘይንመውት ኮና ደፊርና ንኽፍአትን ካብ አምላኽ ዘርሕቐና ነገራት እናገበርና ንነብር። አብዚ ጾም አርብዓ ንኹሉ አወንዝፍ አቢልና ብዛዕባ መወዳእታ ሕይወትና ክንሓስብ ግቡእ እዩ። ሓንቲ መዓልቲ ክመውት እየ ስለዚ ተቐሪበዶ አሎኹ ኢልና ክንሓስብ የድልየና።
አብ ታሪኽ ክርስትናና እንተ ርኤና አብተን ቀዶሞት ዘመናት ነዞም ሰለስተ ነገራት ብሓደ አተሓሒዞም ይርእዩዎም ስለ ዝነበሩ ንዝነብሮም ርድኢት መወዳእታ ዓለም ቀይርዎ ነሩ። ምዕናው ኢየሩሳሌምን ቤተ መቕደስን ከም ምልክት መወዳእታ ዓለም ከምዝቐረበ ገሮም ይወስድዎ ነሮም። ቅዱስ ጳውሎስ አብ ሰብ ተሰሎንቄ አብ ዝጸሓፎ ርድኢቱ ግጉይ ከምዝነበረ ይገልጽ። አብቲ ዝርእይዎ ዝነበሩን ዝገጥሞም ዝነበረን ርድኢቶም ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም አብ ግዚኦም ከምዝፍጸም ይአምኑ ነሮም። ኢየሱስ ግን ሓደ ግሉጽ ነገር ጥራሕ ቅድሚ መወዳእታ ዓለም ከምዝኸውን ነጊሩ ነሩ፥እዚ ኹሉ ቅድሚ ምዃኑ ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ አለዎ ኢልዎም። አበሰርቲ ወንጌል ነፍስወከፍና ኢና። አብ ኩሉ ክነብጽሖ ናይ ኩልና ተልእኮ እዩ።
ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ እናተሰብከን ዓለም ቅድሚ ምውድኡን ቤተ ክርስትያን ክትሓልፎ ዘለዋ ኩሉ ዝተፈላለየ ፈተናታትን ጸገማትን ከምዝጓነፍዋ አቐዲሙ ነርድእቱ ነጊርዎም እዩ፥ ኩሎም ዝርአዩ ጸገማት ምልክት መወዳእታ ዓለም እዮም አይበሎምን። ብዙሓት ምስ ዘመና ዝጓነፍ ጸገማት ብምርአይ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ እዩ እናበለ ዘይናቱ መገዲ ዝነግሩ ብፍላይ አብ እዋና አይወሓዱን አለዉ ስለዚ ርኢኻ ምኽአል የድሊ። እዚኦም አብ ኩሉ ጉዕዞ ክርስትያናዊ ሕይወት ዝገጥሙ ፍጻሜታት ምኽኖም ታሪኽ ይነግረና።
አብ ትምህርቲ እምነትና ብዛዕባ ናይ ደቂ ሰብ መፈጸምታታት ክልተ ነገር አለዉ ብዝያዳ ክነስተውዕለሎም ዘሎና።

እዚ ሎሚ ዝተነበ ቃል አምላኽ ክንፈርሕ አይኮነን ተጻሒፉ ጉዳይ ሰማይ ከገድስና ስለ ዘልኦ እዩ። ቅ.ጳውሎስ “ግና አኅዋተይ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትኃዝኑ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፍለጡ እደሊ አሎኹ. . . . አምላኽ ነቶም ንኢየሱስ አሚኖም ዝሞቱ ምስኡ ኸም ዘተንሥኦም ንአምን ኢና” (1ተሰሎ 4፡13-14)፥ እናበለ ቅድሚ ሞት ክህልወና ዝግብኦ ርድኢትን ኩነትን ይነግረና። ጳውሎስ አብ ግ.ሓ. ንዝቐረቦ ክሲ ክምልስ እንከሎ “ከምቲ ንሳቶም ዚትስፈዉዎ አነውን ጻድቃንን ኃጥአንን ካብ ሞት ከምዚትንሥኡ አብ አምላኽ ተስፋ አሎኒ፥ ስለዚ ኸአ እየ አብ ቅድሚ አምላኽ ኮነ አብ ቅድሚ ሰብ ብንጹሕ ሕልና ኽነብር ዝጽዕር ዘሎኹ” (24፡15-16) ይብል።
ሓዋርያ ጳውሎስ ናይ ሓደ ክርስትያን ሕይወት መለለይኡ ስንድዉ ዕጡቕ ክኸውን ከምዘለዎ እሞ ብሃንደበት ሞት እንተ መጽአት ዘፍርሕ ዘይብሉ ኮይኑ ክነብር እዩ ዘልኦ ይብለና። ንሕና ዘንጋዕትን ከምኡ ዋኒን ዓለምን ጣዕሙን ዓዚዙና አብ ካልእ አተኲርና ኢና ንነብር። እዚ ሕማም ካብ ቀዳሞት ወለድና ዝወሰድናዮ እዩ። አብ ውድቀት አብ ጥልመት ዝዘንበልና ኢና። ስለዚ ንቕሓት ምስትውዓል የድልየና። ጊዜ ጾም ብዝያዳ ጉዕዞ ሕይወትና ርኢና ክንክእል፥ እዚ ምድራዊ ሕይወትና ሓደ መዓልቲ ዝውዳእ ምዃኑ አብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ አምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ከምዝኾና ክንሓስብ ዝሕግዘና እዋን እዩ።
ጉዕዞይ ከመሎ አትኩሮይ አበይ እዩ ዘሎ ኢልና ክንሓስብ ንሕተት አሎና። ዓለምን ሰይጣንን ተዓዊቶምልና ከይህልዉ ክንበራበር እሞ አድራሻና አብ መገዲ አምላኽ ክንመልሶ ይግብአና። ምናልባት ሰባት አብ ጎንና አብ መገዲ ጸጋም እንተ አለዉ እውን ሓፍተይ/ሓወይ አብ የማን ተመለስ ክንብል እዋኑ እዩ። ነዚ ክንገብር ድፍረት ትብዓት ቅድስና ለቢስና እምበር ንርእስና አብ ጸልማት እንከሎና ብዛዕባ ብርሃን ክንዛረብ አየማዕርገልናን እዩ።
ቅ. ጴጥሮስ መዓልቲ ጎይታ ግና ኸም ሰራቒ ኾይና ኽትመጽእ እያ. . . . ስለዚ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዚግብአኩም? ነታ አምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸበኹምን እናአቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርሃትን እግዚአብሔርን ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም. . . ንሕና ግና ሓዲስ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ንጽበ አሎና” (፪ጴጥ 3፡10-ፍ) እናበለ ሞት ከመይ ኢላ ከም እትመጽአናን ብኸመይ ተሰናዲና ክንጸንሓ ከምዘሎና ይነግረና። “. . ነዚ እና ተጸበኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘለኩም ኮንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ” ይብለና። አምላኽ ክም ምሕረቱ እምበር ከም በደለና አይከደናን ኩሉ ጊዜ ብትዕግስቲ አብኡ ክንምለስ ይጽበየና። ከምቲ አብ ሉቃስ 15 እነንብቦ ንኹልና ዓለም ውሒጥና አብኡ ክንምለስ ጸጊሙና እንከሎ ወደይ ጓለይ ሎሚዶ ጽባሕ ይምለሱኒ ይኾኑ እናበለ ይጸበየና አሎ።
ጊዜ ጾም ጊዜ ምምላስን ጊዜ ንስሓን እዩ፡
ዝዓበየ መልእኽቲ ጾም አርብዓ አብ አምላኽ ክንምለስ መገድና አብቲ ክርስቶስ ዝደልዮ ክንጉዓዝ እዩ። ነፍስወከፍ አማናይ አብ መአዲ ንስሓ ክአቱ ሎሚ አፍደገ ተኸፊቱ ክንአትዎ ንሕተት አሎና። እናሰማዕና ከምዘይሰማዕና እና ረኤና ከምዘይረኤና ኮና አይንኽድ። ደቂስና እንተ አለና ንበራበር፥ ተጋጊና እንተ አሎና ንመለስ፥ ጠፊእና እንተሎና ዓዲ ንእቶ።
ካብቲ ካብ አምላኽ ከዊሉ አብዘይ ገዛናን ዓድናን ሒዙና ዘሎ ግብሪ ጸልማት ክንወጽእ እሞ ክንምለስ እዋኑ እዩ። አብ ገለ እዋን ክትምለስ መገዲ ክትፈልጥ አድላይ እዩ። ንዓመታት ዘይከድካዮ መገዲ ክትፈልጦ ቀሊል አይኮነን። ንመገዲ አምላኽ ልምምድ ክነጥሪ እዋኑ እዩ። ጽሞና ለቢስና ክንጽሊ፥ ናይ ምሕረት ስራሕ ክነዘውትር፥ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ክንወጽእ ክንውስን፥ እንከሎና ነቲ መገዲ ተተሓሒዝናዮ አሎና ማለት እዩ።
ኃጢአትና ተአሚና ክንክእል አሎና። አብ ውሽጥና አቲና ንዘሎና ድኽመት ክፍአት ኃጢአት ተአሚና ክንናዘዝ። ንብዙሓት ሎሚ ምስጢረ ኑዛዜ ጠፊእዎም ሓንቲ ኃጢአት ከምዘይብሎም ኮይኖም ዝነብሩ አለዉ። ብኃጢአትኩም ተአሚንኩም ተነስሑ ይብለና አሎ ክርስቶስ ጎይታ። ልብና ክልስልስ እንተ ኸአለ ጥራሕ ኢና ክንሳሕ እንኽእል ልብና ደረቑ ከም ከውሒ ተሪሩ እንተሎ ክንሳሕ ከቢድ እዩ ስለዚ ጭካኔ መንፈስ ሓዲግና አብ ርሕሩሕ አምላኽ ንመለስ።
አብ እምባ ሕይወትና ደይብና ነቲ ከአልኩሉ ዝኾነ አምላኽ ክነዕልሎ ክንሰምዖ ፍቓደኛታት ኮና ንረኸብ እሞ ሽዑ ዝመጸ እንተ መጸ አይከሰንብደናንን እዩ። ሰብ ዝስንብድ ከይተሰናደወ ክጸንሕ እንከሎ እዩ። ክርስቶስ ልብኹም አይሸበር አነ ምሳኹም አሎኹ ይብለና አሎ ስለዚ ከይተረበሽና አብ አምላኽ ንጽናዕ።
አምላኽ ጸግኡ አውሪዱ አብ እምነቱን ፍቕሩን እንጸንዕ ይግበረና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.