2014-03-25 19:40:45

መልክዕ ትዕቢት፡ ኣብ ባህሪ ደቂ ሰባት እንኪግለጽ


ትዕቢት ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት፡ ብኸመይ ይግለጽ፧ ብኸመይከ ይልለን ይፍለጥን፧ መጀመሪያ ብህያብ ፍልጠትካ ምዕባይ። “ፍልጠት ዕቡይ ይገብር፣ ፍቕሪ ግና ይሓንጽ። ሓደ ገለ ዚፈልጥ እንተ መሰሎ፣ ነቲ ዚፈልጦ ከምቲ ዚግኦ ገይሩ ገና ኣይፈለጦን።” (1ቆሮ.8፡1-2)። ኣነ እፈልጥ ዚብል ዓሻ ባህሊ፡ ናይ ትዕቢት ቀንዲ መግለጺ እዩ። ኣእምሮ ዚፈጥርን ንዅሉ ከከም ደለዮ ገቢሩ ዚዕድልን እቲ ምንጪ ኣእምሮ ዝኾነ፡ እግዚኣብሔር እዩ። ምእንትዚ እታ ዝተቐበልናያ መስፈር ኣእምሮ/ፍልጠት ናትና ምህዞን ሞያን ከምዘይኮነት ንረዳእ። ተቐቢልናያ ኢና። ናእዳን ምስጋናን ነቲ ገባርን ዓዳልን እምበር ንኣና ኣይኮነን። ብፍልጠትና ንርእስኻ እንተወደስናን እንተ ነኣድናን፣ ወይ ድማ ዝገደደ ንኻልኦት እንተ ነዓቕናን እንተ ኣና.ሾናን፣ ግን ንሰርቕን ንዕምጽን ኢና ዘሎኻ። በቲ ዝተዋህበና መስፈር ፍልጠት፡ ምስቲ ትሑት መዘምር ዳዊት ሓቢርና ክንብሎ ዚግብኣናስ እዚ ዚስዕብ እዩ፤ “ንኣና ኣይኮነን፣ ኦ እግዚኣብሔር፣ ንኣና ኣይኮነን፣ ግናኸ ስለ ዘለዓለማዊ ምሕረትካን ሓቅኻን ኢልካ፣ ንስምካ ኽብሪ ሃብ።” (መዝ.115፡1)። በዚ ኸኣ እዩ ቅዱስ መጽሐፍ፤ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሔር ተኣመን፣ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።” (ምሳ.3፡5) እናበለ ዚመኽረና። ከምኡውን ቅዱስ ያዕቆብ፤ “ኣብ ማእከልኩም ለባምን ኣስተውዓልንዶ ኣሎ፧ ብሠናይ ኣኻይዳኡን፣ ትሕትና ብዝመልኦ ጥበብን ገይሩ ግብሩ የርኢ” ይብለና።(ያዕ.3፡13)። ኣነ እፈልጥ ብዝብል ባህሊ ዝካየድ እንተ ደኣ ኾይነ፤ ብቐሊሉ ምስ ካልኦት ክጋጮ እየ። ከመይ ናይ ካልኦት መሪሕነትን ምኽርን ስለ ዘይቅበል፣ ብናተይ ርድኢትን ስምዒትን ተመሪሐ ክኸይድውን ስለዝደሊ፣ንኹሉ ሥልጣን፡ ነቲ ግቡእን ምዱብን ከይተረፈ፤ ክነጽጎን ክቃወሞን እየ።እዚ ኣካይዳ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ልዕለይ ተሰልቢጡ፡ ብኻልኦት ንጹግን ጽሉእን ይገብረኒ። ከምኡውን ንኽትኣምን ገርሀይናን ትሑትን ልቢ ስለ ዝሓትት፣ ኣብ ኣምነትውን ብርቱዕ ጸገም ኪፈጥረለይ እዩ።ነቲ ዝርድኣንን ዝፈልጦን ጥራይ እየ ክቕበል፤ነቲ ዘይፈልጦ ግን ወይ ክነጽጎ እየ፣ወይ ድማ ከምዘየሎ ገቢረ ክከራኸርን ክቃወምን እየ። በዚ ኸኣ ንርእሰይ ከም መዓቀኒ ሓቂ ገቢረ ስለ ዝወስዳ፣ ነታ ሓቂ ብግልጺ እቃወማ። ፈሪሳውያን እዚ እዩ ነይሩ ጸገሞም። ሓቂ እናረኣዩ፣ በቲ ሓቂ ብርእሳ፡ ዝኾነ ኢየሱስ ስለ ዘይኣመኑን፡ ንቓሉ ስለዘይተቐበሉን፤ “እናረኣዩ ኣይርእዩን፣ እናሰምዑውን ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘሎኹ። ‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፣ በዕይንቶም ከይርእዩ ኣዕይንቶም ዓመቱ፣ ብልቦም ከየስተውዕሉን፣ ከይምለሱን፣ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፣ ልቢ እዚ ሕዝቢ እዚ ተሪር እዩ እሞ፣ ምስማዕ ትሰምዑ ኢኹም፣ ኣይተስተውዕሉን፣ ምርኣይ ትርእዩ ኢኹም፣ ኣይተስተብህሉን፣ ኢኹም።” (ማቴ. 13፡13-15) ዚብል ትንቢት ኢሳይያስ ጠቒሱ ገሰጾም። ምእንትዚ ጸጋ ፍልጠት እንተተዋህበና፣ ካብ መን ከምዝተቐበልናዮን፣ ንምንታይ ከምዝተቐበልናዮን ነስተውዕል፤ “ሓደ እኳ ንገዛእ ርእሱ ኣይጠብር። ገለ ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፣ ጠበበኛ ምእንቲ ኪኸውን ዓሻ ይኹን። ከመይ “ነቶም ጠበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፣ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕሽነት እዩ።” (1ቆሮ.3፡19-20)።
ካልኣይ፡መለለዪ ትዕቢት፤ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጸብለልነት ምርኣይ እዩ። “ኣሕዋተየ፣ በቲ ሓደ ክትምክሑ፣ ነቲ ሓደ ኽትንዕቁ ኣይግባእን እዩ። ነቲ “ካብ ጽሑፍ ኣይትሕለፍ” ዚብሎ ኸኣ ካባና ምእንቲ ኽትመሃሩ ንጥቕምኹም ኢለ፣ ንጋዛእ ርእሰይን ንኣጵሎስን ከም ምሳሌ ኣቕሪበልኩም ኣሎኹ። ካብ ካልኦት ብሉጽ ዚገብረካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፣ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ትሕበን፧” (1ቆሮ.4፡6-7)። ካብ ካልኦት ዜብልጸካ እንታይ እዩ፧ እቲ ንኣኻ ኣምሮን ካልእ ህያባትን ዝሃበ ኣምላኽ፤ ንኻልኦትውን ከምቲ ናትካ፡ ወይ ድማ ካብቲ ናትካ ዚበልጽ ከም ዚህብ ኣይትረስዕ።ኵሉ ኣነ እፈልጥ፣ናተይ እበልጽ ብዚብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መርገጽ ሒዝካ፣ንርእስኻ እንድሕሪ ኣእሚንካያ ግን፣ብርግጽ ንኹሉ ክትቖጻጸሮ ክትደልን፣ካልኦት ከማኻ ወይ ድማ ልዕሌኻ ከምዝተቐበሉ ክትርስዕን ኢኻ። ካብኦም ምኽሪ ወይ ማዕዳ ክትቅበል ኣይክትደልን ኢኻ።ካልኦት ማዕረኻ ወይ ልዕሌኻ ኪረኣዩውን ጨሪሱ ኣይኪውሓጠልካን እዩ። እዚ እኩይ መንፈስ እዚ ምስ ደወረ፣ ካብ ኣምላኽውን ሓገዝ ኣይጽበይን፣ብምንፈስ ቅዱስ ኪምራሕን ኪምከርንውን ኣይደልን። ጐይታ እግዚኣብሔር ግን ሰብ ከምዃና፣ ዓቕምናውን ድሩትን ውሱንን ምዃኑ ንኼፍልጠና፤ “ስለምንታይ ኢኹም ንቓለይ ዘይሰማዕኩምኒ፧ተግሣጸይውን ዘይተቐበልኩምኒ፧ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ።” (ኤር.35፡13) እናበለ ካብቲ ኣነ ዚብል ደፋር ትዕቢት የጠንቅቐና።
ሣልሳይ ምልክት ትዕቢት፤ ቦታ ክብሪ ምድላይ ምድላይ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኵላቶምን፡ ልዕሊ ኵላቶምን ኮይንካ ክትርአ ምድላይ። ነዞም ከምዚ ዝበለ መንፈስን ጠባይን ዘሎና፤ኢየሱስ፤“ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፣ኣብቲ ዝበለጸ መንበር ኣይትቀመጥ።ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ ኸይከውን እሞ፣ እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዐ መጺኡ፣ ‘እዛ ስፍራ እዚኣ ነቲ ሕደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕታይ መንበር ክትወርድ ከይትጅምር።ምስ ተዓደምካ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ ‘ዓርከይ ነብቲ ዝለዓለ ቦታ ደይብ’ ምእንቲ ኺብለካ፣ ኼድካ ኣብ ዝተሓተ ቦታ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ኵሎም መቓምጥ.ኻ ኽብሪ ኪሎነልካ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኪዋረድ እዩ፣ እቲ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪኸብር እዩ።” (ሉቃ. 14፡8-11)። እዚ ኣብ ናይ ዕደመ ቦታ ተገሊጹ ዘሎ፣ ንኹላትና ዚምልከት፤ኣብ ኣተሓሳስባናን ስምዒትናን ዘሎ፤ ኣብ ኵሉ ጽፍሒ ሕይወትና ዚርአ ፍሉይ መለለዪ እዩ። እቲ ቀዳማይ ወይ ድማ ብሉጽ ክትከውን ምድላይ ኣይኮነን ዚጽላእ ወይ ዚውቀስ ዘሎ፣ ከመይ እዚይስ ኣብ ባሕርና ዘሎ ድፍኢት እዩ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ፣ ብኸመይ ቀዳማይን ብሉጽን ከምትኸውን እዩ። ኢየሱስ ደቀ መዛሙርቱ፣ ንሓድሕዶም መን ከምዚዓብን ከምዚበልጽን ኪካትዑ ምስ ሰምዐ፤ “እቲ ሓለቓ ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ኹሉን ኣገልጋሊ ኹሉን ይኹን” በሎም።” (ማር.9፡35)። ምእንትዚ ቅድሚ ኹሉ ክትከውንዶ ትደሊ፧ ድሕሪ ኹሉ ተሰራዕ፣
ልዕሊ ኹሉዶ ክትክውን ትደሊ፧ ትሕቲ ኹሉ ኩን። ነቲ ልዕሊ ዅሉን፣ ናይ ኵሉ ፈጣርን ሓዳግን እንከሎ፤ “ኣነ ከገልገል ደኣ እምበር፣ ከገልግሉኒ ኣይመጻእኩን፤ እናበለ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ዝሓጸበ” ጐይታ ተመልከት። እወ! “ተኸተል ሓለቓኻ፣ ተመልከት ዓላማኻ።” እዚ እዩ
እቲ ሓቂ፣ እዚ ኸኣ እዩ እቲ ኽብሪ።
ራብዓይ መለለዪ ትዕቢት፤ ፍጹም ኮይንካ ክትረአ ምድላ እዩ። ቅዱስ ኣቡነ ቡሩኽ፤ “ቅዱስ ከይኮንካ ቅዱስ ክትብሃል ኣይትድለ፣ ንቕድም ቅዱስ ኩን፣ ድሓር ቅዱስ ክትብሃል ኢኻ” ይብሉ። (ሕጊ፣ ኣቡነ ቡሩኽ፤ም.4፡61)። “ጥበብካ ኣይትሕባእ፤ ኣብቲ ምሹእ ጊዜ ድማ ካብ ምዝራብ ስግጥ ኣይትበል። ከመይ ጥበብ ብዘረባ፣ ትምህርቲ ኸኣ ካብ ኣፍ ብዚወፅእ ቃላት እዩ ዚገልጽ። ኣንጻር ሓቂ ኣይትዛረብ፣ ዅሉ ነገር ከም ዘይትፈልጥ ከኣ ዘክር።… ምእንቲ ሓቂ፣ ክሳዕ ሞት እውን እንተ ኾነ ተጋደል፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ባዕሉ ኪዋግኣልካ እዩ።” (ሢራ.4፡23-25፣29)። ከምዚ እንተ በልኩ ወይ ከምቲ እንተ ገበርኩ፡ ካልኦት ኪፈልጡንን ኪወቕሱንን፡ ከና.ሽዉንን እዮም፤ ምእንትዚ ጀማለይ ሒዘ ስቕ ምባል ይሕሸኒ ኢልካ፣ ጸግዕኻ ምሓዝ ትሕትና ኣይኮነን።ገና ፍጹም ከይኮንካ፡ ፍጹም ኮይንካ ክትርአ ምድላይ እዩ።እዚ ኸኣ ትዕቢት እዩ።ክትሰርሕን ክትንቀሰቐስን ምስ ጀመርካ፣ ክትጋገ ናይ ግድን እዩ፣ ከመይ ወድ ሰብ እናተጋገየ እዩ ዚምሃርን ዚምዕብልን። ‘ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ፣ ዕንጸይቲ ኮይኑ ዘይጠይስ የልቦን’ ዝተባህለውን በዚ ምኽንያት እዩ።በዚ ኸኣ እዩ ንተመሃራይ መደምሰሲ-ርሳስ ዚውሃቦ።ኣብዚ ዓለምዚ ክሳብ ዘሎና፣ ኵሉ ሳዕ ተመሃርቲ ከምዃንና ኣይንረስዕ። ከይትጋገ ፈሪህካ ምሕባእን ስቕ ምባልን ግን፣ ክትዓበን ክትምዕበልን ዘይምድላይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ መንፍስ ቅዱስ ብኣኻ ገቢሩ ዚጥቀሞ ኣጋጣሚታትውን ምዕፋን ማለት እዩ።
ኣልበርት አይንስተይን ዚብሃሉ፣ ናይዚ ዘመና ናይ ሳይንስ ተመራማሪ ሊቕ፤ “ኣብ መንጎ ሊቅነትን ድንቊርናን ዘሎ ፍልልይ፤ እቲ ሊቅነት ደረት ስለ ዘለዎ ጥራሕ እዩ” ይብል። ቀጺሉ አይንስተይን፤ “እቲ ተጋግዩ ዘይፈልጥ ሰብ፣ እቲ ሓዲስ ነገር ንምምሃዝ ጨሪሱ ፈቲኑ ዘይፈልጥ ሰብ ጥራይ እዩ።” “ኣነ ኣብቲ ዝገብሮ ፈተነታተይ 99% ካብ ሚእቲ ይፈሽል። ኣብታ መበል ሚእቲ ግና እዕወት ይብል።” ምእንትዚ ሰብ ምዃንናን፣ድሩትታትን ውሱናትን ምዃንናካን ኣየሕፍርናን ኣየፍርህናን፣ እንተ ተጋጌናውን ኣይግረምና።ብጌጋኻ ዘይምእራም እዩ ነውሪ እምበር፣ ወዲቕካ ምትንሣእን፣ ተጋጊኻ ምእራንሲ ንቡርን ቅቡልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስውን፤ “ጻድቕ ሰብ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንሥእ፣” እዩ ዚብል። ምሳ.24፡16)። ፈሪህካ ወይ ሓፊርካ ክትገብሮን ክትብሎን ካብ ዚግብኣካ ስቕ ምባል፣ ትሕትና ገቢርና ከይንሓስቦ።ስቕ እንተ በልኩን ሓደ ነገር እንተ ዘይገበርኩን ንጕድልነተይን ድኻምነተይን ጌጋይን ካልኦት ኣይኪርእይዎንን ኣይኪፈልጥዎንን እዮም። ኣስተውዕል ብሓቂ ትሑታት እንተ ደኣ ኮይና፣ ብዛዕባ ጕድልነትናን፣ ካልኦት ብዛዕባና እንታይ ይብሉን ኣይንግደስን ኢና።ጌጋና እንተ ተራእየውን ኣይገርመናን እዩ፣ ከመይ ሰብ ምዃና ንፈልጥን ንቕበልን ኢና።ብዛዕባ ርእስና ብዙሕ ኣይንሓስብን ኢና፣ ኵሉ እቲ እንገብሮ ግሉጽ እዩ። በንጻሩ ትዕቢተይና ግን ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ እዩ ዚሓስብ፣ በዚ ኸኣ እዩ ኪሕባእን ዘይመልክዑ ለቢሱ ኪርአን ዚደሊ። መለኮት ኣበይ ይርከብ፧ ኣብ ትሑት ሰብ፣ ጋኔንከ ኣበይ ይርከብ ኣብ ዕቡይ ሰብ። እቲ ዕቡይ ሰይጣን ኣበይ ኣሎ፧ ኣብ መዓሙቚ ሲኦል ኣንቈልቍሉ፣ለይቲ ምስ መዓልቲ ይብርህርርን ይጭርሕን ኣሎ። እታ ትሕቲ ኣደ ኣምላኽ እግዝእትነ ማርያምከ ኣበይ ኣላ፧ ኣብ ልዑል ኣርያም ተሰቒላ፣ ምስቶም ንጹሓት መላእኽቲ ትዝምር ኣላ። እወ! ንከተል ኣሰር ኣዴና፣ ብትሕትና ንደይብ ኣብ ልዕልና። እወ! እቲ ቃል ሓቂ ኣይጋገን እዩ፤ “እቲ ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኪዋረድ እዩ፣ እቲ ርእሱ ዜዩትሕት ግና ኪኸብር እዩ።” ኣብዚ ቅዱስ መዓልትታት ጾመ ኣርብዓ እምበኣር፤ ኣብ እግሪ መስቀል ተንበርኺኽና፤ ኣበየናይ ጽፍሒ ሕይወተይ እየ፣ ርእሰይ ዘልዕልን፡ መንፈስ ትዕቢት ዝስምዓንን፧ ኣብቲ ዝተዋህበኒ ባህርያዊ ፍልጠት፣ ኣበየናይን፡ መኣስን እየ ኣብ ሓሳበይን ፍርደይን ዝጠብቕ፧ ኣበየናይ እዋን እየ ብፍቕሪ ርሰይ ተመሊኸ፤ ብትዕቢት ተደፊአ፣ ክቃወምን፣ ክከራኸርን፣ መላኺ ኾይነ ንኻልኦት ክብድልን ዝርከብ፧ ንናእዳን ውዳሴን ክብርን ብህርፋንዶ እጽበ፧ ብሕፍረትን ፍርሃትን ተመሊኸ፣ ክብሎን ክገብሮን ካብ ዝግብኣኒ እሕባእን እሃድምንዶ፧ ብቐሊል ተነቃፋይን ኰራይን ድየ፧ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ፍርድን ክብርን፣ ንናይ ደቂ ሰባት ግምትን ፍርድንዶ ኣብሊጸ እርኢ፧ ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞ ብዝረኸብክዎ ዓወትን ምዕባለን፣ንርእስኻ ብቑዕ ገቢርካ ናይ ምርኣይ ሕቡእ ትዕቢትዶ ይስምዓኒ፧… እዝን ከምኡ ዝበለ ካልእን ሕቶ ንርእስና ብምቕራብ ኣብ ቅድሚ እቲ “ልበይ ትሑት እዩ እሞ፣ ትሕትና ካባይ ተመሃሩ፤” ዝበለ ትሑት ስቑል ኢየሱስ ትሕት እንተበልና፣ ንሱ ልዕል ከብለናን ከኽብረናን እዩ። ጸጋ ትሕትና ሂቡ ዓወት ልዕልና እንጭብጠሉ ቅዱስ ጾመ ኣርብዓ ይግበረልና። ኣሜን።
ካብ ኣኽባሪኹም ኣባ ሙሴ ተስፋዮሓንስ








All the contents on this site are copyrighted ©.