2014-03-20 16:10:18

ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ወግዓዊ ናይ ፈለማ መስዋዕተ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ


RealAudioMP3 ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎሊዮ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቢላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍቓድ እግዚኣብሔር ሓርያ ር.ሊ.ጳ. ተዓዲሎምና ንሶም ድማ ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎሊያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ቢላ ድሕሪ ምእዋጅ ዕለት 19 ብላቲን ስርዓት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ልዕሊ 200 ሺሕ ምእመናን ዝተሳተፍሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግኢ ዝጀመርሉ ቀዳማይ ዓመት ትማሊ ኣብ ዝበዓለ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በታ ጳጳሳዊ ክፍቲ መኪና ደው ቢሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዑዱት እናፈጸሙን ካብታ መኪና እናወረዱን ሰላም ክብሉን ሕጻናት ሓቝይፎም ክስዕሙን ከም ሓዋርያ ንኹሉ ቀረባ ምዃኖም ከምዝመስከሩን በዚ አግባብ ድማ ኣብ ልብን ኣባይትን ኵሉ ዝኣተዉ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ ወግዓዊ ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ተልእኾይ መበገሲ ቀዳማይ ቅዳሴ ኣብ ዓመታዊ በዓል ሕጹይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓላዊ ቅዱስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሴፍ ከዕርግ ንዝፈቐደ እግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ፣ ምጅማር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ ጸዋዕታይ ምስ እዚ ዓቢይ በዓል ዝበዓለሉ ዕለት ምትሕሓዝ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ድማ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በዓል ቅዱስ ስሞም ዝዝክረላ ዕለት እያ፣ ብጸሎትናን ብፍቕርን ብሞሳን ቀረባኦም ኢና” ቢሎም እቲ ኣብ ዕቃቤን ክንክንን ዝብሉ ቃላት ዘማእከለ ንሱ ድማ ቅዱስ ዮሴፍ ንማርያምን ኢየሱስን ዕቃቤ ክንክን ክፍጽም ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዔ ብትሕትናን ብዘይፍለጡለይ ብጽሞናን ብቐጻሊ ህላዌን ገለ ገለ እዋን እውን እቲ እግዚኣብሔር ካብኡ ዝሓቶ ግልጽን ርዱእን እውን እንተዘይነበረ ምሉእ ተኣማንነት ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ተእዝዞ ዘነበረ ከምዝኾነን ኩላትና ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ክንዕቅብን ንሓድ ሕድና ክንከናኸንን ብፍላይ ነቶም ተነቀፍቲ ሕጻውንትን ኣረጋውያንን ድኻታትን ክንከናኸን ዝተጸዋዕና ምዃንና እንከረድኡ፦ “ንሓድ ሕድካ ምትሕልላይ ሕያውነትን ልውህናን ይሓትት፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ቅዱስ ዮሴፍ ብርቱዕን ህርኩትን ምዃኑ ይግለጽ፣ ኣብ ልቡ ሕያውነትን ልውህናን ዝዓሰሎ ኰይኑ ግና ሕያውነትን ልውህናን ናይ ድኹም ሰብ መለለይ ማለት ኣይኰነን፣ ሕያውነትን ልውህናን መግለጺ ናይ መንፈስ ጽንዓትን፣ ብቕዓት ሓልዮትን ምግዳስን፣ ንኻልእ ገዛእ ርእስኻ ክፉት ምግባርን ናይ ፍቕሪ ብቕዓት ማለት እዩ። ልውህናን ሕያውነትን ከፍርሓና የብሉን” ምስ በሉ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ኣማእኪሎም፦ “ክንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓደ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ድማ ሓቀይና ሓላፍነትን ስልጣንን ኣገልግሎት ማለት እዩ፣ ር.ሊ.ጳ. እውን ዝተቐበሎ ስልጣን ካብ መስቀል ብዝምንጭው ብርሃን መሰረት ብኣገልግሎት እዩ ዝንብሮ፣ ኣገልጋሊ ትሑት ብእምነት ሃብታም ጭቡጥ ብሓጺሩ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ባህርይ ክህልዎ ይግባእ፣ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ክኸናኸን ኣእዳዉ ዝዝርግሕ ማልት እዩ፣ ብፍቕርን ብለውሃትን ሓልዮትን ንመላእ ዘርኢ ሰብን ንድኹማትን ድኻታትን ትሑታትን ክከናኸን ኣእዳዉ ዝዝርግሕ ማለት እዩ፣ ከምቲ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌላዊ ምንባብ ቅዱሱ ማቴዎስ ምዕ 25 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 46 ዝገልጾ ንዝጠየን ንዝጸምአን ንወጻእተይናን ንዝዓረቐን ንዝሓመመን ንኡስርን ኣእዳዉ ዝኸፊቱ ዝዝርግሕ ክኸውን ኣለዎ፣ ናይ ፍጻሜ ሕይወት መምዘኒ ድማ ንሱ እዩ። ብፍቕሪ ዘገልግል ጥራሕ እዩ ምክንኻን ዝፈልጥ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንፈለማ ኣብ ዘዘረግዎ ወግዓዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት እንከጠቓልሉ፦ “ሎሚ እውን ኣብ ትሕቲ ደበና ዝተሸፈነ ሰማይ ዘሎና እውን እንተኾንና ንገዛእ ርእስና ተስፋ ክንዕድል ናይ ተስፋ ብርሃን ክንርእይ ይግባእ፣ ፍጥረትን ተፈጥሮን ምክንኻንን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብትሕትናን ብፍቕርን ክንርእይ ናይ ተስፋ ኣድማስ ክነርህው ኣብቲ መዓት ደልሃመት ዝረኣየሉ ብርሃን ክንዅልዕ ናይ ተስፋ ምቖት ከነብጽሕ፣ ንኣመንትን ንዓና ክርስቲያን ከም ኣብርሃምን ዮሴፍን እቲ ኣብ ውሽጥና ሒዝናዮ እንጓዓዝ ተስፋ ናይቲ ገዛእ ርእሱ ንዓና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ናይ ዝኸፈተ እግዚኣብሔር ኣብ ከውሒ ዝተሰርተ ኣድማስ እዩ ኽኸውን ዝግባእ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.