2014-03-11 15:59:53

ብፁዕ ኣቡነ ሽወረብ፦ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መላእ ዓለም ቆሞስ


RealAudioMP3 ዕለት 13 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኵይኖም ዝተሓረይሉ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ብተደጋጋሚ ካብ ዝህብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታትን ሓዋርያዊ ምዕዳንን ረቡዓዊ ኣስተምህሮታት ትምህርተ ክርስቶስን ብሓፈሻኡ ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣብ ናይ ስነ ምሕረት ቲዮሎጊያን እዋን ምሕረትን ዝተኮረ ከምዝዀነ ርዱእ እዩ። ብሓቂ ናይ ምሕረት ዓመት ዝተነብሮ መንፈስ ክበሃል ከምዝከኣል ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና ናይ ዘቖሙዎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣልፍረድ ሹወረብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብምኽንያት መበል ቀዳማይ ዓመት ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣመልኪቶም ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ናይ መላእ ዓለም ቆሞስ እንክብሉ ብምግላጽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሓረይሉ እዋን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዘይርሳዕ ኩነት ኰይኑ ዝተርፍ ከምዝኾነን እዚ ማለት ድማ በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ክለቁን ስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሕረዩን ብሓቂ ታሪኻዊ ኵነት እዩ፣ ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ምስ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ጳጳሳዊ ሕንጻ ሓቢሮም ከምዝነበሩን ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቀረባኦም ኰይኖም ዘገልገሉ ብምዃኖም፣ ካብ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክፍለዩ ከም ሰብ መጠን ከምዝኸበዶምን ኰይኑ ግን ቤተ ክርስቲያን ፍቓድ እግዚኣብሔር እትነብር ብምዃና፣ እቲ ብቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተገልጸ ፍቓድ እግዚኣብሔር ጽንዓትን መርሕን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ድሕሪ ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ኣተዊ ገና ዋና ጸሓፊ ዘይሓረዩ ብምንባሮም ኣብ ቀረባኦም ኰይኖም ክሕግዙ ናብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ከምእተዛወሩ ሓቢሮም፣ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ቅዱስነቶም ክተሓባብርዎም ከምዝጸውዕዎም ገሊጾም፣ ሕርየት ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ሓዋርያው ግብረ ኖልዎ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ከተኵር ዘተሓሳስብ እዩ|። ጸላይ ኣስተንታንን መንፈሳውን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ ሕይወት ብቓልን ተግባርን ነባሪ ናይ መላእ ዓለም ቆሞስ፣ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናብ እግዚኣብሔር ብወንጌላዊ ሕይወት ዝመርሑ እዮም ኢሎም።
ዘካይድዎም ሓዋርያዊ ምብጻሕን ሓውጾተ ኖልዎን ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘተኮረን ተነስሑን ተለወጡን ዝብል፣ ብፍላይ ድኻታትን ዝተነጸሉን ኣረጋውያንን ህሙማንን ክሳብ ክንደይ ንሕያዋይ ሳምራዊ ቀረባ ምዃኖም ዘረጋግጽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብቶም ዝተናዕቁን ንኡሳንን ትሑታትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ከተብል ከይተሓለሉ ዘስተምህሩን ዝጽውዑን ዝምዕዱን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዮም፣ ብዘይ ምግናን ኣብ መዓልቲ ካብ ሰለስት ሳዕ ንላዕሊ ክዕርፍሉ ኣብ ዝግብኦም እዋን ጸሎት መቑጸሪያ ዝደግሙ ከዕርፍ ዘይብሉ ቀጻሊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ጸላይ ሕይወትን ዝነብሩ ከምዝኾኑን፣ ትሑት ንዅሉ ቐረባን ንቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ጸጋ ጥበብ እንክብሉ ዝገልጽዎምን ከምቲ ሓደ ሓድሽ ብፁዕ ኣቡነ ልሂቅ ኣብ ሰበኻኦም ከህልዎም ዕድል ከምዝኾነ ናይ ሮማ ብፁዕ ጳጳጳስ ልሂቅ ጳጳስ ዘይብሉ እንኵ ሰበኻ እዩ ኔሩ፣ ቅድሜኻ ምስ ዝነበረ ትመክር ትሓትት ካብ ጥበቦም ትመሃር እቲ ሓድሽ ካብቲ ዝነበረ እዩ ዝመሃር፣ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንቤተ ክርስትያን ብጥበብ እግዚኣብሔር ክብ ዘብል ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዘቃልሕዎ ሓሳብ ምዃኑ ገሊጾም ብፁዕ ኣቡነ ሽወረ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.