2014-03-11 16:03:45

ሲኖዶስ ዛዕባ ስድራ ቤት


ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር “ወንጌል ስድራ ቤት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖድስ ዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋን ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉዩ ጉባኤ ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዘረባን ዘቕረብዎ ሓሳብ ከም መእተዊ ዘጠቓለለት ብቤት ማሕተም ኩወሪኒያና ተሓቲማ ትማሊ ዕለት 10 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔት ክፍለጥ እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር ካብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፦ ዝተፋትሑ ማለት ቃል ኪዳን ዘፍረሱ ዳግም ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝብል ክኸውን እንከሎ ብዛዕባ እቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ፣ “ወንጌል ስድራ ቤት ማለት ስድራ ቤት ባዕሉ እግዚኣብሔር ካብ ኣናስር ዘፍጥረት ኣትሒዙ ዘቖሞ እዩ። ስለዚህ ስድራ ቤት ቀዳማይ ጥንታዊ ቅዋም እዩ ክበሃል ይከኣል፣ ወንጌል ስድራ ቤት ነዚ ፈለማ ቅዋም ዘስምዕ እዩ፣ ፈለማ ተኣምር ኢየሱስ ኣብ ቃና ዘገሊና ኣብ ሓደ መርዓ ዝፈጸሞ እዩ። እቲ ተኣምር ድማ ስድራ ቤት ናብ ቅዱስ ምስጢር ክብ ዘበለ፣ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጸንዕ ፍቕሪ ዝገልጸ እዩ። ስለዚህ እዩ ድማ ምስጢረ ተክሊል ዝበሃል፣ እዚ ቅዉም ሓሳብ ኣብዚ ቅልውላው ስድራ ቤትን ምስጢረ ተክሊል ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ምርግጋጽን ምስትውዓልን ብዛዕባኡ ኣስተምህሮን ዓውደ መጽናዕትታት ምቕራብ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ‘ቤተ ክርስትያን ኣብ ህልው ኵነት ዝብል ነቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ትውፊት ትምህርተ ግብረ ገብ ዝኽተል እንክብል ዝገልጾ ሓሳብ ቅዱስ ኣልፎሶ እውን ዝደግሞ ክልተ ጫፋት ህሉው ኩነትን ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን ዘቃርብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ዓንቀጸ ሃይማኖት ኣብ እዋናዊ ጭቡጥ ኵነት ምትርጓም’ ዝብሎ ዘኪሮም። እዚ ማለት ግን ግብረ ገባዊ ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ምቅዋም ወይ ድማ ውድቂ ምግባር ማለት ኣይኰነን፣ እንታይ ድኣ ነቲ ጭቡጥ ኩነት ግምት ዝህብ ጭቡጥ ኣገላልጻ ግብረ ገባዊ ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ። እዚ ሓሳብ ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ርእየት ዓለም ዝብልዎ ሓሳብ ከስምዕ ይኽእል፣ ኣብ ኤኮኖሚያዊ ፖለቲካዊ ጥቕሚ ዘተኰረ ኣመለኻኽታ ግን ኣይኰነን” እቲ ንሶም ዘቕረብዎ ሓሳብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብኣውነት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ሓቢሮም፣ መንእሰይ ወለዶ ርጉእን ርግጸይና ሕይወትን ርክብን ዝደሊ ከምዝኾነን ኰይኑ ግን ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ኣብ ጸገሞም ምሕዳግ ዘይኰነ በቲ ኣብ ሕይወቶም ዝነብርዎ ጸገም ኣቢሎም ነዘመልክትዎ እንታይነት ሓገዝ ቀረባኦም ኰይንካ ጸገሞም መሚኻ ምሕጋዞም ወሳኒ እዩ፣ ትምህርቲ ዓንቀጸ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ከም ወሓዚ ማይ እዩ። ስለዚህ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን ኵነትን ምንባቡ የድሊ። ነቲ ወሓዚ ማይ ክትዓግቶ ዘይምፍታን። ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ መንጎ ዝተፈላላለያ ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ ከምኡ እውን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ዝቃወም ከምዝነበረ ኣብ ታሪኽ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ግን ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ቅድሚኡ እውን ብዙሓት ናይ ቤት ክርስቲያን ኣባላት ኣርሒቆም ዝጥምቱ ዝነበሩ ቅዱሳን ትምህርቲ መሰረት ተሰጊሩ እዩ። ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣገዳስን ዝከኣልን እዩ። ህያው ቤተ ክርስትያን እያ እተድልየና” ቢሎም ቤተ ክርስቲያን ብወዲ ሰብ ኣቢሉ ዝመርሓ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ክንዝግዕ ከምዘይብልና ብምዝኻኻር እቲ ዘሕተምዎ ሓሳብ ምስጢር ኣይኰነን ከሕትምዎ ፍቓድ ከምእተወሃቦምን፣ ከም ሓሳብ እምበር ውሳኔ ከምዘይኮነ ድማ ገሊጾም፣ መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ሓሳብ ድሮ ከም ውሳኔ ገይሩ ዘቕርቦ ዘሎ ዜናን ትንተናን ንቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ኣይኰነን፣ እቲ ዝተጸውዔ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝመያየጠሉ ሓሳብ ዝህበሉን ውሳኔ ግን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.