2014-03-11 17:47:17

ሰንበት ዘምኵራብ 2006 ዓ.ም. /2/ 2006 ዓ.ም. (3/9/ 2014)


አብ ፈተና አይተእትወና
መዝሙር፡ ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት. . . . .
ንባባት፡ ሮሜ 5፡12-19፥፥ ያዕ 4፡1-12፥ ግ.ሓ. 1፡17-30፥ ማቴ 4፡1-11።
ስብከት፡.“እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ” ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቕንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ”። መዝ. 69፡9
መዝሙር፡ “ኢየሱስ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ። ካብ መስዋዕቲ ምጽዋት እፍተወኒ አነ ንሰንበት ዋንአ ንምሕረት አቦአ እየ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐት አይትግበርዋ ቤተ ጸሎት እያ እትስመ፥ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ ንብጻይኩም አፍቅሩ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እምነት ከተሕድሩ”።
አብዚ ቅዱስ ጊዜ ቤተ ክርስትያን መንነት ኢየሱስ አለሊና ክንክእል ትደልየና። ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ብሰይጣን ዝተፈተኖ የዘንትወልና። ሰለሰተ ፈተናታት ከም ዘቕረበሉ ይነግረና ንሳተን ከኣ መጀመርያ አብ ጸምጸም በረኻ ይወስዶ ድሕሪኡ ናብ ቅድስቲ ከተማ አብ ላዕላይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ይወስዶ አብ መጨረሽታ ኸአ አብ አዝዩ ነዊኅ እምባ ወሲዱ ፈቲንዎ። አብ ሰለስቲኡ ዝቐረቦ ፈተና አብ ተአዝዞ ንሰማያዊ አብኡ ብዝርኢ እዩ። ድሕሪ ባይታ ናይ ኩሉ ናይ እዚ ታሪኽ ናይ እስራኤላውያን ተመክሮ አብ ምድረ በደ እዩ። ምድረበዳ አምሳል ናይ እቲ እስራኤላውያንን ኢየሱስ ዝረኸብዎ ፈተና እዩ።
እስራኤላውያን አብ በረኻ ምስ ተፈተኑ ውጽኢቱ ዕዉት አይነበረን። ብአምላኽ ምስ ተፈተኑ ደጋጊሞም ንትእዛዛቱ ጥራሕ አይኮኑን ምእዛዝ አብዮም ንአምላኽ በቲ ዝገበርዎ አብ ፈተና አእትዮሞ። እዚ አብ መጽሓፍ ዘዳግም ብግሉጽ ንርእዮ።
እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን አብቲ ሕማቕ ጊዜ አብ በረኻ ብቐጻሊ መጊብዎም እንተ ኾነ እስራኤል ብቐጻሊ አይተአዘዝዎን። ከምቲ ሙሴ ዝተጸበዮ እስራኤላውያን ካብ ዝሓለፈ ጌግኦም ክንዲ ዝምሃሩ አብ ጥልመቶም ክሕደቶምን ቀጺሎም። እዚ እዩ ነሩ ውጽኢት ፈተነ እስራኤላውያን ንአምላኽ ቀጺሎም ምእዛዝ አብዮሞ።
አብዚ እዋን ጾም ንመገዲ ቃኤል ሓዲግና አብ አቦ ምሕረት ዝኾነ አምላኽ ክንምለስ ንንገር አሎና። አብ እግዚአብሔር ክንምለስ ልብና ሕይወትና ክንከፍተሉ ይግባእ። አምላኽ አብ ዝተዓጽወ ልብን ሕይወትን አይመጽእን እዩ። እስራኤላውያን ካብ አምላኽ ምስ ዓለዉ አደዳ ጥመትን ስደትን ይኾኑ ነሮም ንሕና እውን አብ ኃጢአትን አብ ግዝአት ሰይጣን ምስተ መላለስና ሰላም ዝሰአነ ሕይወት ኢና እንነብር። ሎሚ ንሰይጣን ክንስዕሮ ክንአብዮ ምርጫና ክኸውን ይግባእ።
ኢየሱስ ብሰይጣን ክፍተን እንከሎ ብሃንደበት ዝኾነ አይኮነን፥ ንነፍስወከፍና አብነት ዝኸውን አብ ዘዳግም ምዕ. 6-8 ዘሎ መሰረት ገሩ እዩ መልሲ ሂብሉ። አብቲ እስራኤል ዝወደቕሉ ኢየሱስ ተዓዊቱ። አብ ኩሉ ዝቐረቦ ፈተነ ብዓወት ወጺእዎ። ንሰይጣንን ንፈተንኡን ክንስዕር አብነትና ኢየሱስ እዩ።
አብቲ ብሰይጣን ዘቕረቦ ፈተና ብዕምቆት እንተ ረአናዮ ብጉልባብ ዝቐረበ ጉዳይ ሓይሊ ወይ ስልጣን ነርዎ። ሰይጣን ንኢየሱስ ክፍትኖ እንከሎ ንሱ ወዲ አምላኽ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከረጋግጽ ኢሉ እዩ ፈተነ አቕሪብሉ። ኢየሱስ ነዚ እንተ ገበረ ነቲ ሓቀኛ መንነቱ ከም ሓቀኛ ወዲ አምላኽ ዝገልጽ መንነቱ ክነብሮ አይከአለን ማለት እዩ፥ ነቲ ዘለዎ ሓይሊ ወይ ስልጣን ብዘይ መገዱ አርእዩ ማለት እዩ። ናይ ኢየሱስ መንነት ከም ወዲ አምላኽ ምዃን በቲ ዘርእዮ ክእለት ወይ ጥበብ ዝግለጽ አይኮነን።
ካብ ዘዳግም ምዕ. 6-8 ዘሎ እናገለጸ ኢየሱስ ንቃል አምላኽ ብምእዛዝ ንአእማን አብ እንገራ ካብ ምቕያር፥ ንአምላኽ አብ ፈተና ካብ ምእታው፥ ንአምላኽ ጥራሕ ምምላኽ ክምዝግባእ ገሊጽሉ። አብዘን ሰለስት ነገራት እዮም እስራኤላውያን ሕሩያት ህዝበ እግዚአብሔር ምዃኖም ዝወደቑ። አብዚ ከአ እዩ ንኹሉ ፈተነታት ሰይጣን ዝቐረቦ ዝሰዓሮ እሞ ሓቀኛ መንነቱ ዝገለጸ ከም ሓደ እሙን ወዲ አምላኽ ምዃኑ ዝገለጸ።
እዚ ፈተነታት እዚ ነቲ ኢየሱስ ዝህቦ አገልግሎትን ትምህርትን ንምስንዳው ዝሕግዝ እዩ ነሩ። አብ ኩሉ አገልግሎቱን ትምህርቱን እዞም ሰለስተ ፈተናታት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪ መገድን ቀሪበን እየን። አብ ኩሉ ዝቀረበ ፈተነ ኢየሱስ ይስዕሮ እዩ ነሩ።
ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ይእዘዝ ነሩ። ኩሉ ጊዜ ንድላይ ሰማያዊ አብኡ ይፍጽም ነሩ። ኩሉ ዝቐረበሉ ፈተናታት አብኡ ብላዕሊ ላዕሊ ክንርእዮ ከሎና ጽቡቕ እዩ ዝመስል፡ “ንጥሙያት ክትምግብ ትኽእል ኢኻ ወዲ አምላኽ እንተ ኾንካ. . . ፥ መላእኽቱ ሰዲዱ ከይትዕንቀፍ ክሕልወካ ይኽእል እዩ . . . . ንዓለም ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ እንተ. . . . ። አብዚ ንኢየሱስ ዝቐረቦ ፈተና ነቲ ተአምራታዊ ህያባቱ ብዘይ መልክዕዑ ከርእዮ ዝቐረቦ እዩ።
ኢየሱስ ንክፉእ ከምዘልኦ እዩ ዘለልዮ። ካበይ ከምዝምንጩ ይፈልጦ እዩ። ነቲ ዝቐረበ ፈተናታት በቲ አብ ዘዳግም ምዕ 6ን 8ን ዘሎ ምብምጥቃስ መልሲ ይህበሉ። ከምቲ ቀዳሞት ወለድና ንአምላኽ ብዘይ ምእዛዞም ዘምጽእዎ ሳዕበን ዘይኮነ ኢየሱስ ብምእዛዙ ሓዲስ ሕይወትን ሓዲስ ምዕራፍን ከፊቱልና። ብምሉእ ብምእዛዙ ንኹልና ደቂ አዳም አድሒኑና።
አብ ኦሪት ዘፍጥረ 2፡7-9 ከምኡ 3፡1-7 ዘሎ እንተ አንበብና ቀዳሞት ወለድና ንአምላኽ ብዘይ ምእዛዞም ንብምሉአትና ዓለቶም ካብ አምላክ ክምንፍለ ገሮምና። ታሪኽ አቦና አዳም ታሪኽና እዩ። ኩልና ካብታ ዝተኸለከለት ፍረ በሊዕና ኢና። ኩልና ንአምላኽ አይተአዘዝናዮን። ዓለውቲ ዕቡያት በደለኛታ ዘሕፍር ካብ ምግባር ድሕር ዘይንብል ኢና። ንቀዳሞት ወለድና ብምስዓብ ካብ አምላኽ ክንፍለ ንግጉይ መገዲ ክንሕዝ ድሕር እንብል አይኮናን። ምናልባት አዳም ሳዕበና ናይ እቲ ብዘይ ምእዛዙ አብ ኩልና ዝተመሓላለፈ አይተረድኦን ክኸውን ይኽእል፥ እንተ ኾነ ንሱ ብምውዳቑ ኩልና በቲ ዝገበሮ ተለኪምና ኢና።
ብርግጽ አጻብዕና አብ አቦና አዳም ከመልክታ ቀሊልእ እዩ እንተ ኾነ እዚ ሓጋዚ አይ ኮነን። አብ ርእስና እና ጠመትና ነቲ ክርስቶስ ዝገበርልና ናይ ምሕረት ስራሕ ብምርአይ እና አመስጊና አብ ምሕረቱ ክንጽጋዕ ዝግብአና። አብ ሕይወትና ገዚኡ ዝሕዘና እንታይ እዩ? አብ ኩሉ ሕይወትና ንጊዜና ንክእለትና ንንብረትና ብከመይ ንመርሖ?
ፈተና ዘይተርፍ እዩ ንፈተና ስዒርና አብ ቅድሚ አምላኽ ሕይወትና ክንመርሕ ይግብአና። ኢቫግርዮስ ዝተባህሉ ሓደ ካብ አብ ግብጺ ብ450 ዓ.ም. አቢሎም ዝነበሩ ሓደ ካብ አበው ከምዚ እናበሉ የስተምህሩ ነሮም፡ አብ ሕይወትና ሰለስተ ነገራት ብቅድመ ግምባር ኮይኖም ዝብአሱና አጋንንቲ አለዉ ይብሉ፥ እቶም ብዛዕባ ስስዐ መግቢ ብዝርኢ ዝፍትኑ፥ እቶም ሃብቲ አብ ምግዛእ አብ ምምላኽ ንኻልኦት ዝፍትኑ፥ አብቶም አብ አንነትን ጥቕሚ ርእስናንን ጥራሕ ከምንጥምት ዘዘንብሉ ይብሉ። ኢቫግሪዮስ ነዚ ክብሉ ከለዉ አብቲ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ብምርአይ ዝገመግምዎ እዩ። መበቆል ናይ ነፍስወከፍ ኃጢአት ምስ ካልእ ኃጢአት ዝተተሓሓዘ እዩ። ነፍስወከፍ ኃጢአት አብ ስስዐ አብ ህርፋንን አብ ልዕሊ ካልኦት ክትመልኽ ወይ አብ ስልጣን አብ ምድላይ ዝዘምበለ እዩ። ሰይጣውንቲ ነዞም ሰለስተ ነገራት ብምምክትታል ከውድቑና ይፍትኑ። በዞም ሰለስተ ነገራት ከጥቅዑና ኩሉ ጊዜ ይፍትኑ። በዞም ሰለስተ ነገራት ዝተጠቕዐ ሰብ ብቐሊል አብ ጌጋ ክወድቕ ይኽእል። በዞም ሰለስተ ቅድመ ግንባር ዝኾኑ ነገራት ዘይተጠቕዐ ሰብ ብዝኾነ መገዲ ክወድቕ አይክእልን እዩ።
ስሱዕ ሰብ አብ ዝኾነ ካልእ ኃጢአት ክወድቕ ቅልጡፍ እዩ ብፍላይ ንጹሕ ብዘይ ምዃን በዚ ወይ በቲ። ህርፋን ስሳዐ ዝመለኾ አብ ምፍልላይ ዘይምስምማዕ ሓይሊ አብ ቃላት አብ ግብርን አብ ሕሳብካ አብ ምቕራብን ብቐሊል ይወድቕ። ኤቫግሪዮስ አብ መደምደምታ በዚ ምኽንያት እዩ ሰይጣን ንመድኃኒና ድሕሪ አርብዓ መዓልቲ አብ በረኻ በዘን ሰለስተ ፈተናታት ዝፈተኖ ይብሉ። መጀመርያ ንአእማን ናብ እንጌራ ክቕይሮ ፈቲንዎ (ስስዐ)፥ ድሕሪኡ አብ ክብ ዝበለ ቦታ ይወስዶ እሞ ክብሪ ዓለም የርእዮ እሞ ንሱ ክሰግደሉ ይሓቶ( ንምሉእ ዓለም ከውርሶ ይመባጽዓሉ (ህርፋን፥ክትመልኽ ምድላይ)፥ ሳልሳይ ሰይጣን ንሓሳቡ ክቕበሎ ይሓቶ ነዚ እንተ ገበረ ከምዝኸብር ካብ ጫፍ ቤተ መቕደስ ክወድቕ ይሓቶ።
ሰይጣን ኩሉ ጊዜ በየን ከምዝጅምር ይፈልጥ እዩ። እዘን ሰለስተ አፍደገ ኃጢአት ዝኸፍታ እየን። ነዘን ሰለስተ አፍደገታት አብ ኢየሱስ ክኸፍተን እንተ ዘይከአለ ፈተና ምቕራብ ዋጋ ከምዘይብሉ ይፈልጥ እዩ።
እዚ ንኢየሱስ ዝቐረበ ፈተናታት ንአና ዓቢ ትምህርቲ አልኦ፥ ንአምላኽ ከምእንሓድግ ዝገብረና ፈተና አለሊና ክንክእል እሞ ንሰይጣን እምቢ ክንብሎ። ዓለም ሎሚ ሰይጣን ዝተዓወተላ እያ እትምስል። ንፈተናን ድላይ ሰይጣን ክገብሩ ዝርአዩ ውሑዳት አይኮኑን። ጽልኢ ክፍአት ውግእ ጥልመት ህርፋን በዚሑ ሰባት መገዲ ሓቂ ጠፊኡና ዓበድበድ ንብል አሎና።
ፈተና አብ ዓለም ዘይተርፍ እዩ ሰይጣን በብዝንባሌና እዩ ዝቐርበና አብ ገለ እዋን ተስፋ ከምእንቆርጽ ገሩ አብ ኃጢአት ከም እንወድቅ ይገብረን ስለዚ በዚ ብሩኽ ጾም ንሰይጣን ክንዕወተሉ ነዚ ዝስዕብ ክንገብር ሓጋዚ እዩ፡

ጾምና ናይ ንስሓን ተሓድሶን ክገብረልና ብምሉእ ልብና ንጀምሮ፥ ርእስና መሊኽና ጉዕዞ ጾምና ብጸሎት ብተጋድሎን ርእሰ ምልክን መሪሕና ደቂ አምላኽ ዘብለና ሕይወት ንልበስ። አምላኽ ብፍሉይ ጸግኡ ይሓግዘና።
ብሩኽ ጾም አርብዓ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.