2014-03-11 17:32:36

ር.ሊ.ጳ ንናይ አብያተ ክርስትያን ሓድነት ቤት ምኽሪ አባላት ተቀቢሎም አዘራሪቦም፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ረፍዲ ነቲ ብWcc ዝፍለጥ ናይ አብያተ ክርስትያን ሓድነት ቤት ምኽሪ አባላት ተቀቢሎም አዘራሪቦም፣ እቶም አባላት ብናይቲ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ቀሺ ኦላቭ ፍይክስ ትቨ ኢዮም ተመሪሖም ናብ ቫቲካን ዝመጹ፣ ቅዱስነቶም ነዙይ ምብጻሕ እዙይ ንዝገበሩ አባላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ብፍላይ ነቲ ወንጌል ዓለም ንምምስካር ዓቢ ዓንቃፊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ አብ መንጎ አመንቲ ክርስቶስ ንዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ዝግበርዎ ጻዕሪ ከአ ሞጊሶም፣
“አብ መንጎ አመንቲ ክርስቶስ ዘሎ ፍልልያት ከም ማንም ፍጻሜ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ሸለል ብምባል ኢድካ ብምሃብ ክሕለፉ የብሎምን፣ እንተደአ ክርስትያን ነቲ ካብ ጐይታ ዝመጾም ጻውዒት ሓድነት አጽቂጦም ሓሊፎሞ ንጐይታ ባዕሉን በቲ ብ አካሉ ዝኾነት ቤተክርስትያን ዝተዋህበና ድሕነትን ሸለል ምባል ኢዩ፣ ብማለት ድሕሪ አጠንቂቆም አብ ሞንጎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ቤት ምኽሪ ሓድነት አብያተ ክርስትያንን ካብ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ዝማዕበለን ነቲ አብ ሞንጎና ዘሎ ዘይምርድደአት እናሰገረ አብ ጽቡቅ ደረጃ ናይ ምትሕብባርን አብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ማኅበራት ከአ እናዓበየ ዝመጽ እ ናይ ውህበት ምልውዋጥን ይግበር ከምዘሎ ገሊጾም፣
“ናብ ምሉእ ሓድነት ዝወስድ መንገዲ ግሉጽን ፍጹምን ኢዩ ኮይኑ ሎሚ እውን እንተኾነ እቲ ጕዕዞ ሓያልን ጽንኩርን ዓቀበት ኢዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ግን ክንፈርህ ከምዘይብልናን በቲ አብዚ ዚሓለፈ ዓሠርታት ዓመታት ብዝረኽብናዮ ጸጋታት ክንዘናጋዕ ከምዝብልና እንታይ ደአ ብእምነት ንቅድሚት ክንጐዓዝን ጻውዒት የቅርበልና አሎ፣ አብዚ ከምዚ ዝበለ ጕዕዞ መሠረታዊ ዝኾነ ጸሎት ከምዝኾነ እውን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ብትሑትን ዘይሕለልን መንፈስ ጸሎት ጥራይ ኢና ናብቲ ሓድነት ከብጽሓና ዝኽእል አድላዪ ጸጋታት ማለት ምስቲ ኩሉ ድኻማቱን መንፈሳውን ሥጋውን ድልየታቱን ንሥድራ ቤት ማኅበረሰብ ዓለም አብ እነገልግለሉ ጊዜ ዘድሊ ምልላይን ምብርታዕን እነረኽበሉ ብጸሎት ኢዩ፣ እንክብሉ ምሕጽንታኦም አቅረቡ፣
ቅዱስነቶም አብ መወዳእታ እዚ አብ ሞንጎ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ሓድነት አብያተ ክርስትያንን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንምድንፋዕ ሓድነት ክርስትያን ዝግበር ቀጻሊ ርክብን ዘተን ነዙይ መንገዲ ሓድነት ብዝበለጸ ክንሰርሓሉ እንኽ እለሉ ናይ ሓባር ፍረ ንክርከበሉ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ብምግላጽ እቲ ርክብ ተዛዚሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.