2014-02-25 18:51:36

አብ ጕዕዞ ሕይወትና ክርስቶስ በይንና አይገድፈናን ኢዩ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማል ንግሆ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “አብ ጕዕዞ ሕይወትና ክርስቶስ በይንና አይገድፈናን ኢዩ፣ ንክርስቶስ ምኽታል ማለት ብሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ አብ ገዛኡ አብ ቤተ ክርስትያን ምንባር ስለዝኾነ ቤተ ክርስትያን ንክርስቶስ አብቶም ዝረሓቁ እውን ከይተረፈ ስለእተብጽሕ ገዛና ኢያ፣” እንክብሉ ክርስቶስ ብቤተ ክርስትያኑ ወትሩ ከምዘሰንየና አዘኻኺሮም፣ ብላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ ትማሊ ዝተነበ ወንጌል ብዛዕባ ሓደ ጋኔን ዝሓዞ መንእሰይ እሞ አብ ምድሪ ብምንግርጋር ዓፍራ ብአፉ ከምዝተፍእ ዝገብሮ አቦ ን ኢየሱስ ወዱ ክፍውሰሉ ዝልምን አብ መንጎ እቲ ዝተአከበ ሕዝቢ ዝነበረ ኢየሱስ ከአ ነቲ ጋኔን ገኒሑ የባርሮ ነቲ ዳርጋ ከም ምውት ተሰጢሑ ዝነበረ መን እሰይ ከአ ደጊፉ የተንሰኦ፣
“ኩሉ እቲ ዕግርግርን ክት ዕን ብሓንቲ ናይ ኢየሱስ ተግባር ይፍጸም፣ ኢየሱስ ድንን ቢሉ ነቲ ቈል ዓ ይወስዶ፣ እዚ አገባብ ናይ ኢየሱስ ክነስተንትን ይ ዕድመና፣ ኢየሱስ ከሕዊ እንከሎ አብ ማእከል ሕዝቢ ክመላለስ እንከሎን ክፍውስ እንከሎን ነቲ ዘሕወዮ ፈጺሙ በይኑ አይገድፎን፣ ከም ማንም ጠንቋሊ ወይ ፈዋሲ አሕውዩ አይገድፎን ንዘሕወዮ ዘበለ ኩሉ አብ መንገዲ አይገድፎን አብ ገዛኡ ይመልሶ፣ እዚ ዘስተምህረና ነገር ከአ ኢየሱስ ወትሩ አብ ገዛና ከምዝመልሰና ፈጺሙ አብ መንገዲ በይንና ከምዘይሓደግና የረጋግጽ፣ ከምዚ ዓይነት አገባባት አብ ብዙሕ ክፍልታት ወንጌል አሎ፣ ናይ አል አዛር ካብ ሞት ምትንሣእ ንጓል ኢያሮ ምሕዋይ ነታ ሓደ ዝወዳ መበለት ካብ ሞት ከተንሥ እ እንከሎ ንኩሎም ብ ኢዶም ሒዙ ነንዝምልከቶ የረክቦም ነናብ ቤቶም የብጽሖም፣
“እዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ኢየሱስ ካብ ሰማይ ጥራይ አይመጸን ወዲ እቲ ሕዝቢ እውን ኢዩ ነይሩ፣ ኢየሱስ እቲ ንሕዝብታት ዝተዋህበ ተስፋ ኢዩ ናይቲ ሕዝቢ እቲ መንነትን ወገንን ከአ ኮይኑ እዚ ተስፋ እዚ ብ አብራሃብ ጀሚሩ ዝተጓዕዘ ኢዩ፣ እዚ ናይ ኢየሱስ ናይ ምሕዋይ አገባብ ከአ ነፍሲ ወከፍ ምሕዋይ ወይ ኅድገት ኃጢአት ናብ ሕዝብና ናብ ቤት አቦና ናብ ቤተ ክርስትያን ከም እንምለስ ይገብረና፣








All the contents on this site are copyrighted ©.