2014-02-25 15:50:14

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ልቢ ብዝትንክፍ ቋንቋ ውበትን ውህበትን ወንጌል ምቕራብ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “መራኸቢ ብዙሃን ንናይ ሰላም ባህሊ፣ ዝተራቑን ሓደስትን መጋበሪያ መራኸቢ ብዙሃን መሰረት ምስሊ ምቕራብ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ናብ ዝተመርሔ ዘይ መንግስታዊ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን ንመራኸቢ ብዙሃን ማሕበር ኣብ ሮማ ዕለት 25 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ናብ ዝኸፈቶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብዚ ዓውሎማዊ ዓለም ሓደስቲ ባህልታትን ቋንቋታትን ምልክታን ብቐጻሊ ከምዝፍጠሩን ስለዚህ እቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ዝዓዩ ካቶሊካውያን ነዚ እዋናዊ ብድሆ ክገጥሙን እዚ ድማ እቲ ናይ ሓቅን ውበትን ውህበትን ጥበብ ወንጌል ልቢ ሰብ ክትንክፍ ብዝኽእል ቋንቋ ነቲ ናይ ሕይወት ትርጉም ብውልቅን ከም ኣባል ሕብረተሰብ ዘናድን ንመርሕ ሕይወት ደላዪ ፍጥረት ሰብ ከብጽሑን ከመሕላላፉን ክእውጁን ከምዝመዓዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣብዚ ዘካይዶ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ነቶም ኣባላቱ ብክርስትያናዊ ኣስተንፍሶን ትብዓት ኰይኑ ዳግመ ሕዳሴ መታን ከረጋግጹ ኣብዚ መዳይ ክተግሁን እቲ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ትርጉሙ ብዝተሓደሰ መንፈስ ከስተውዕሉ ዝድግፍ ምዃኑ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.