2014-02-22 16:56:12

ጸሎትን ሲኖዶስን ካርዲናላትን ፡


አብ ቫቲካን ንኻልአይ መዓልቲ ስድራ ቤት ዘተኮረ ሲኖዶስ ካርዲናላት ይካየድ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ሲኖዶስ ከም ዝተሳተፉ ክምልከት ከሎ እቲ አብ ኡክራይን ዚካየድ ዘሎ ህውከት ብሰላማዊ ፍታሕ ክግታእ ምስ ካርዲናላት ሐቢሮም ጸልዮም ።ፓፓ ፍራንቸስኮ እቲ አብ ኹክራያን አብ ሞንጎ መንግስትን ነዚ መንግስቲ”ዚ ዝቃወም ዘሎ ህዝብን ዚከየድ ዘሎ ህውከት ብምሕሳብ መዝሙረ ዳዊት 58 ጠቂሶም ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተጻባእቲ አድሕነኒ ካብ ክፉእ ነገር ዝገበርን ካብ ምፍሳስ ደምን ሰውረኒ ዝብል ጸሎት መሪሖም። አተሐሒዞም ብስመይን ብስም ብጹዓን ካርዲናላትን ብጠንቂ”ቲ አብ ሀገሮም ማለት አብ ኡክራይን ዚክየድ ዘሎ ህውከት ተሰኪፍምን ሐዚኖምን ዘለዉ ካርዲናላት ኡክረይን ናይ ለኦፖሊ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ንብፁዕ ካርዲናል ያቮርስኪ ናይ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ሊቀ ጳጳስ ንብፁዕ ካርዲናል ሁሳር ናይ ሰላምታን ምትሕብባርን መልእኽቲ ይብጽሐዮም ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንብፁዓን ካርዲናላት ከም ዝገለጹሎም ትማሊ ምሸት ቅድሚም ድቃሰይ ነቲ ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ስድራ ቤት ብዚምልከት ዘቅረብዎ ስድራ ቤት ብዝምልከት ዘቅረብዎ ሥነ መለከታዊ ጸብጻብ ብጽሞና አንቢበዮ ስለዚ ንብፁዕ ካርዲናል የመስግኖም ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.