2014-02-22 16:13:09

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዛዕባ ፍሉይ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዛዕባ እቲ ዕለት 20 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ዝተኸፍተ ፍሉይ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣማእኪሎም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ልኡካን ወከልቲ ንናይ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ፍሉይ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘስምዕዎ ሓጺር ዘረባ ከምእተኸፍተን…. “እቲ ፍሉይ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ቅድም ክብል ቅዱስ ኣቦና ዝሓሰብዎ እዩ” ቢሎም እቲ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ንጽል ኩነታት ፍርደ ብሂል ንምሃብ ከየዘንበለን ጊዜ ከየባኸነን ኣብዚ እዋን’ዚ ስድራ ቤት ኣጋጢምዎ ንዘሎ ጸገማት ብምስትውዓል ክካይድ ከምዘተሓሳሰቡ ኣባ ሎምባርዲ ኣመልኪቶም፣ እቲ ጉባኤ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዋልተር ካስፐር ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘስምዕዎ ናይ መክፈቲ ሓጺር ዘረባ ምሉእ ስምምዕ ዘለዎ ናይቲ ፍሉይ ጉባኤ ዘተ ብዝመርሕ ዘስምዕዎ ሰነዳዊ ዘረባ ቀጺሉ ከምእተኻየደን ኣመልኪቶም ብዛዕባ እቲ ናይ ውሽጢ ስራሕ ዝምልከት ሰነድ ጋዜጣዊ መግለጺ ክወሃብ ከምዘይወሃብ ሓቢሮም። ብፍላይ እቲ ምእመን ዝነብሮ ጸገምን ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጓንፎ ኵለ መዳያዊ ሽግራት በዓል ዓቕልን ዕጉስን መራሒ ከምዘድልዮ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘቓልሔ እውን ምንባሩ ኣረጋጊጾም፣ ኣቲ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ካስፐር ሰነድ ቲዮሎጊያዊ መርገጺ ዘለዎ፣ ናብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ስድራ ቤት ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ናብ ዝኽፈት ሲኖዶስ ዘሰንይን ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለዎ ትምህርቲ ዘማእከለ ካብ ወንጌል ዝተበገሰ ዛዕባ ስድራ ቤት ዘስተንትን ብዛዕባ ዘፍጥረትን ድሕነት ዘተኰረን እዋናዊ ብድሆታት ብቐረባ ዝዳህስስ ስድራ ቤት ንኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ሓለፋ እዚ ድማ ካብቲ ቤታዊ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝብል ዘለዎ ባህርይ ዝምንጭው ከምዝኾነ ኣባ ሎምባርዲ ኣብሪሆም፣ ስድራ ቤት ናይቲ ሓድሽ ናይ ዘመንና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ፈታኒ እዩ። እዚ ድማ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ ዕለታዊ ሕይወት ጽኑዕ ምትዕስሳር ዘለዎ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ብትረት ዝገልጽ እዩ። ብኻልእ መዳይ እውን ኣብቲ ሰነድ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዝምስርተዎ ዝምድና (ሶዶማዊ ጾታ ዘለዎም ሰባት) ዝምልከትን ብዛዕባ ምስጢረ ተክሊልን ዝተፋትሑን ዳግማይ ቃል ኪዳን ዝኣስሩን ጉዳይ እውን ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከምዘካየደን “ተኣማንነት ቃለ ኢየሱስን ምሕረትን ዝብሉ ፈጺሞም ክነጻጸሉ ዘይግብኦም ኣመለኻኽታን ተግባርን፣ ምሕረተ-እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወት ሰብን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝብል እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ ገሊጾም።
ኣባ ሎምባርዲ ዕለት 21 ለካቲት ድሕሪ ቐትሪ ቀጺሎም ኣብቲ ናይቲ ጉባኤ ካልኣይ ውዕሎ ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃብ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ እንክሕብሩ፣ እቲ 150 ብፁዓን ካርዲናላት ዘሳትፍ ዘሎ ፍሉይ ጉባኤ ብዛዕባ ስድራ ቤት ጥራሕ ዘይኰነስ ዝተፈላለዩ ናይ እዋናዊ ዓለም ጸገማት ኣማእኪሉ ከምዝዘተየ ሓቢሮም፣ ናይቲ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዘጽደቕዎን ኣብቲ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ኰኑ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ግፍዕን ኣድልዎን ዘሻቕልን ዘተሓሳስብን ከምዝኾነን ኣብ ኡክራይን ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ዓመጽን ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ረፓብሊካዊት ኣፍሪቃ ዘሎ ግጭትን እቲ ቀጻሊ ኰይኑ ዘሎ ግጭት ሶሪያ እዚዩ ዘተሓሳስብ ዘሎ ህሉው ኩነት ከምዝዘተየን እንከመልክቱ፦ “እቶም ግጭታት ሃይማኖታዊ ባህርያት ዘለዎም ተባሂሎም ክገልጹ ከምዝስማዕን ብርግጽ ነቲ ኣብ መንጎ ክስቲስያንን እስላምን ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘተዓናቕፍ እውን እንተኾነ ቀንዲ ኣናስር ናይቲ ውጥረት ዓሌታውን ፖለቲካውን ኤክኖምያውን ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ኩነት ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፣ ዝተፈላለየ መንቀሊ ይሃልዎ ኵሉ ዓይነትን ዝዀነ ይዅን ግጭት ብምውጋዝ ብናይ ሓባር ዘተ መሰረት ሰላምን ዕርቅን ንምርግጋጽ ዝተፈላዩ ተበግሶታት ተነቓቕሕ። ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ዜጋ ብግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ቀረባ ብምዃኑ ኣብ ኣገልግሎት ርከብ” እቲ ጉባኤ ነዚ ከምዘቃልሔን ኣባ ሎምባርዲ ጠቒሶም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምት 2014 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ንኽካይድ ናይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ሊቀ መናብርቲ ንኽኾኑ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቪንገት ትሮኢስ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፣ ኣብ ብራዚል ናይ ኣፓረሲዳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዳማሰኖ ኣሲዚ ከምዝሰመዩን እዞም ዓበይቲ ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዝተፈላለያ ሰለስተ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡን ነቲ ንኽካይድ ዝተውሰነ ሲኖዶስ ዝመርሕ ጉጅለ ብፁዓን ካርዲናላት ምልኣት ዝህቡ ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ ትርጉምን ኣገላልጻን እቲ ኣብዚ እዋን ዝተፈላለየን ዝተደናገረን ብተዛማድን ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ኣልቦ ባህልን ንኽንበርን ንኽግለጽን ዝፍተን ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ዝምልከት ኣብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ቲዮሎጊያ ስነ ኣካል” ስልጣናዊ ትምህቲ ብምውካስ ከምዝዘተየን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤትን ብፍላይ ድማ ነቶም ዝተፈትሑን ዳግማይ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩን ዳግም ምፍቃድ ቅዱሳት ምስጢራት ኣብ ዝብሉ ነጥብታው እውን ዓሚዩቕ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደን እንክሕብሩ፦ “ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥን ብዙሕ ርእይቶ ከምዝቐረበን ሓደ ዓይነት ኣመክንዮ ዝተቓልሓሉ እዩ ኔሩ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ብቤተ ክርስቲያንን ተኣማንነት ንቃለ ኢየሱስን ምሕረትን ኣብ ዝብል ሓሳብ ተማእኪሉ ዝተኻየደ ብምዃኑ ኣብ ጽማሬ ርእየት ፍልልይ ኣይተራእየን” ቢሎም ናይቲ ፍሉይ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ነቲ ንኽካየድ ዝተወሰነ ሲኖዶስ መእተዊ ምዃኑ ኣነጺሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠናቀቑ ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.