2014-02-22 16:16:05

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ካብ መንፈሳዊ ኣምልኾ ዝተነጸለ ሊጡርጊያ ናብ ኢእግዚኣብሔራዊ ባዶነት የብጽሕ


RealAudioMP3 ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዛዕባ Sacrosanctum Concilium ስርዓተ ኣምልኾ (ሊጡርጊያ)” መሰረት ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ዘዳለዎ ቅዱስ ጉባኤ፦ ንሓደ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ ምትጋህን ነዚ ዕላማ ቆይምካ ምምስጋን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ካብ ዕለት 18 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 21 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ እንክዝከር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ናብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ዝኾነ ይዅን ስርዓት ኣምልኾ በዓል ቀንዲ ተዋሳኢ ክርስቶስ እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይመስገን፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊጡርጊያዊ ሕይወት ክሕደስ ከምዝበቕዔን እዚ ድማ ሊጡርጊያን ሕይወትን ዘጣመረ ክኸውን ዝብል ህዳሴ ምዃኑ እንከመልክቱ ካብ መንፈሳዊ ኣምልኰ ዝተነጸለ ሊጡርጊያ ናብ ኢእግዚኣብሔራዊ ባዶነትን ከም ተራ ዝኽሪ ናብ ጣኦታውነትን የብጽሕ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ስለዚህ በቲ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ሰነዳት ዝተመርሔ ከይዲ ሕዳሴ ወትሩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን እቲ ናይ ካልእይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ስርዓት ኣምልኾ ትኽክለይናን ዝተማልኤን ኣጠቓቕማኡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ገና ብዙሕ ከምዝጎድለናን ምእንቲ’ዚ ጽኑዕን ዘይተኾላለፈ ሊጡርጊያዊ ሕንጸት ንካህናት ኰነ ንዓለማውያን ምእመናን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.