2014-02-22 17:04:06

ሥርዓተ ቅዳሴን ስብከትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፡


ፓፓ ፍራንቸስኮ ዘወትር ንግሆ አብቲ አብ ቅድስቲ ማርታ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉ ክፍለጥ እንከሎ አብዚ ትማሊ ንግሆ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ ጥዑማት ውሉደ ክሀንት መነኲስያትን መነኮሳንን ምእመናንን እምነተ/ሃይማኖት ብዘይካ ተግባር ከንቱ ውእቱ ኢዩ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ነፍስ ወከፍ አማኒ እምነቱ ብግብሪ ከርኢ ይግባእ ኢሎም።
ውጽኢት ተግባር ዘይብሉ እምነተ /ሃይማኖት እምነት አይኮነን ብማለት ሐዋርያ ቅዱስ ያቆብ ዝጽሐፎ መልእኽቲ ከም አብነት አቅሪቦም ።በዚ ጉዳይ”ዚ ብዙሕ ሰብ ይጋገ ከመይሲ አነ ጸሎተኛን ሃያማኖተኛን ኢየ ክብሃል ይስማዕ እቲ ቁም ነገር አብ ግብሪ ከርኢ ግን አይርኤን ስለዚ ምዝራብን ግብርን ፍልልዮም ሰማይን መሬትን ኢዩ”ሞ ግብሪ የድሊ ኢሎም። ተግባረ እምነት ዘይተሐወሶ ሚስጢረ ጥምቀት ምቅባል ንበይኑ ካቶሊካውያን ክገብረና አይኽእልን ስለ ዝኾነ ከም ሐዋርያት ንጐይታና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንክተሎ ክነፍቅሮ ክንሰግደሉ ይግብአና ኢሎም ። ብስለት ትምህርተ ቤተ ክርስትያን ከም ዘድሊ ጠቂሶም ክአ እምነተ ሃይማኖት ሥነ ሐሳብ ከም ዘይኮነስ ፀጋ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ክአ አመልኪቶም። ጽኑዕን እውነተኛ እምነትን ምስክር ኢየሱስ ክርስቶስን ይገብረካ መንገዱ ንኽክተል ክአ መነፈስ ቅዱስ የብርሃልካ ብናለት ሰቢኾም ።አብ መወዳእታ ክአ አብ ማእከላይ ጣልያን ናይ ፍሎረንስ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ሲልቫኖ ፒዮቫነሊ ትማሊ ዝተወልድሉ መበል 90 ዓመት ስለ ዘኽበሩ ነዚ ዕለት”ዚ አመልኪቶም ፡ ንካርዲናል ፒኦቫነሊ ኩል ሰናይ ተመንዮም ፡ ህርኩት አገልጋሊ እግዚአብሔርን ቤተ ክርስትያንን ከም ዝኾኑ አገንዚቦም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.