2014-02-20 12:51:46

“አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም፤አመ ይሰደድ እምገነት”


በዓለ ኪዳነ ምሕረት የካቲት-2014 RealAudioMP3
“ናይ ዓርቢ ተስፋ መድኃኒት ዝኾንኪ፤ ኪዳን ኣምላኽ ማርያም፣ ሕልና ቀዳማይ ኣቦ ብዕፁብ ኃዘን እንካብ ገነት ኪስጐጕ እንከሎ፣ ብኣኺ ተጸናንዐ።” (መልክዐ ኪዳነ ምሕረት)። ኤደን ገነት እግዚአብሔር ባዕሉ ዝተኸላን፣ መሪቑ ዝባረኻን፤ ቦታ ጽጋብን ደስታን፣ ቦታ ሓጐስን ፍሽኽታን፣ እግዚኣብሔር ዚመላለሰላ፣ ኣዳምን ሔዋንን ዚሕጐሱላ፣ ምሸት ምሸት ብሓደ ኃቢሮም ዜዋጉዑላ ቅድስቲ ምድረ ገነት እያ ነይራ።
ኮይኑ ግን፤ ኣዳምን ሔዋንን ብጋሻ ድምፂ ተታሊሎም፣ ብሸጠፍ ጸላኢ ተሓቢሎም፣ ብነፃ ድልየቶም፤ ትእዛዝ ፈጣሪኦምን ወላዲኦምን ምስ ጠሓሱ፣ ብዝፈጸምዎ ከቢድ ገበን ጊዜያዊ መቕጻዕቶም ተቐቢሎም፤ እናበኸዩን እናጐሃዩን ካብዛ ምድረ ገነት ኪስደዱ እንከለዉ፤ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፣ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” እናበለ ምሕረት ዝሓዘለ ቃል ተስፋ ሃቦም (ኦዘፍ.3፤15)። እቲ ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዚብል ብሂል፣ ናይዚ ፍትሓትን ትርጉን እዩ። “እታ ሰበይቲ” እትበሃል ዘላ፣ እታ ክትመጽእ ዘነበራ “ሓዳስ ሔዋን እግዝእትነ ማርያም እያ።” “እቲ ርእሲ ጸላኢ ዚጭፍልቕ ዘርኣ ኸኣ፣ እቲ ካብኣ ኪውለድ ዝነበሮ ሓዲስ ኣዳም መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
“ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል፤ ወበቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል”
ቃል ኣምላኽ ሓንሳብ ምስ ወጸት፤ ንዝዓለመቶ ከይወቕዐት፤ኣይትዕጸፍን ኣይትምለስን እያ። ምልኣት ጊዜ ምስ በጽሐ፣ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ፣ ወዲ ኸኣ ኽትወለድ እያ፣ ስሙውን ኣማኑኤል ኢላ ኽትሰምዮ እያ።” (ኢሳ.7፤14) ዝበሎ ትንቢታዊ ቃል፣ እታ “ሰበይቲ”፤ ሓዳስ ሔዋን፤ ማርያም፤ ብተኣምር ብንጽሕና ተወሊዳ ክንድ ሰብ ምስ ኣኸለት፣ ዳግማይት ነባቢት ገነት ክትከውን፣ነቲ ብሓጢኣት ዝተፈላለየ፤ ሰማይን ምድረን ክተራኽብ፣ ብኣምላኽ ተመሪጻ። ንሳ ኸኣ ነቲ ምርጫ ኣምላኽ፣ ብነፃ ድላይ፣ “ይኵነኒ በከመ ትቤለኒ” ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ እናበለት ብሓጐስ ተቐቢላቶ። ወሊዳ፤ ኣጥቢያ ኣዕብያቶ፣ ምስኡ ድሕሪ ተሰዲዳን ተዋሪዳን፣ ከምቲ ናይ ኣቦኣ ኣብርሃም ንይስሓቕ ወዱ፤ ኣብ ጎቦ ሞርያ ዚሠውዖ፣ ንሳ ኸኣ ንፍቁር ወዳ፣ ኣብ ጎቦ ቀራንዮ መሥዋዕቲ ድኅነት ዓለም ኪኸውን ኣወፍያቶ። እቲ ቤዛ ይስሓቕ ዝኾነ ገንሸል ድሕነት፣ እንሆ ቤዛ ኵሉ ዓለም ኮይኑ። ሓጢኣትና ተሸሚሙ፤ ከምቲ ብሙሴ፤ ኣብ ምድረ በዳ፤ ኣብ ባላ ዝተሰቕለ ኣስራዚ ተመን፣ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ፣ ኣብኡ ናይ ሞት ድቃስ ደቂሱ ከሎ ኸኣ፣ ከምቲ ካብ ድቁስ ኣዳም ሕያው ሔዋን ዝወጸት፣ ካብቲ ስቑል ኢየሱስ ከኣ ሓዳስ ቤተክርስቲያን ተወሊዳ።
ማርያም እምነ ወእሙ ለእግዚእነ
“ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚኣምኑ ኹሉም ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ፣ ሥልጣን ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ኻብ ኣምላኽ እምበር ካብ ደም፣ ወይ ካብ ፍትወት ሥጋ፣ ወይ ካብ ድላይ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም” (ዮሓ.1፤12-13)። እግዝእትነ ማርያም፣ ኣብ እግሪ መስቀል ቀራንዮ፣ ምስቲ እንኮ ፍቁር ወዳ ሓቢራ፤ ብመሪር እናታዊ ሓዘን ምስኡ ተሸንኪራን ተሠዊዐን እያ። ንሱ በቲ ካብ ጐድኑ ዝፈሰሰ ደምን ማይን ንዳግናይ ልደት ኪወልደና እንከሎ፣ ንሳውን ኣብቲ መሪር መሥዋዕቱ ብምስታፍ፣ ብጸጋ ወሊዳትና እያ።
“ኣቲ ሰበይቲ! እንሆ ወድኺ” በላ። ካብዚ ሰዓት እዚ ንድሓር እግዝእትነ ማርያም “እመ ብዙሓን” ኣደ ቤተክርስቲያን እያ።እቶም ብጸጋ ጥምቀት ካብ ኣምላኽ ዝውለዱ ኵላቶም ደቃ እዮም።ንኢየሱስ ብሥጋ፤ንኣና ብጸጋ ወሊዳትና እያ። ኢየሱስ በዅሪ ሓውና እዩ፣ ንሕና ኣሕዋትን ኣሓቱን ኢና። ንኣምላኽ ወረስቱ፤ንኽርስቶስ መዋርስቱን መቛርስቱን ኢና። በዚ ኸኣ ኢና ኵላትና ደቂ ሓደ ኣቦ ስለ ዝኾና፣ “ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር” እናበልና ብሓደ ድምፂ ሓቢርና እንጽውዖ።
ኣቦ ዝበለ ኣደ ኪብል ባሕርያውን ንቡርን እዩ። ኣብ እግሪ መስቀል እናሃለት ኣዴኹም ዝበለናውን በዚ ምኽንያት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፤ “እምበኣርከስ ንስኻትኩም ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፣ ነፍስ ወከፍኩም ከኣ ኣካላቱ ኢኹም።” (1ቆሮ.12፤27)፣ እናበለ ሓድነት ውሉድነትና የረጋግጸልና። ንሕና ኣካላት ክርስቶስን ዓጽመ ሥጋኡን ኢና።ንሱ ርእስና ንሕና ኣባላቱ። ርእስን ኢደ እግርን ኣይፈላለን እዩ፣ ብሓንሳብ ሓቢሩ እዩ ዚውለድ። “ማርያም እምነ ወእሙ ለእግዚእን” እግዝእትነ ማርያም፤ “ኣደ ኣምላኽ” “ኣደ ቤተክርስቲያን” ተባሂላ ክትጽዋዕ እንከላ፣ ኣደ እቲ ምሉእ ክርስቶስ፣ ርእስን ኣባላትን፣ ናይ’ታ “ምስጢራዊት ኣካል ክርስቶስ፤” ተባሂላ እትጽዋዕ ቤተክርስቲያን፤ ኣደ ስለ ዝኾነት እያ።
ኪዳንኪ ኮነ ለሓጥኣን ተስፋነ
ሊቃውንቲ ኣቦታትና፤ ብብዓለ ኪዳነ ምሕርት፤ “ነተን፤ ባህሪ ትስብእትኺ ካብ ዝለበሰ ፈጣሪ ወድኺ፤ ኪዳን ዝተበሠራ ኣእዛንኪ፤ ሰላም እብል ኣሎኹ። ኣነ ብግብረይ ክጸድቕ ዘይክእል እንተ ደኣ ኾይነ፣ኪዳን ዝተዋህበኪ ንኸንቱ ምኣስ ኮይኑ፣ ኵነኔ ከይተርእዪኒ፤ እምሕፀነኪ ኣሎኹ፣” እናበሉ ብዜማ ይጽልዩ። ኪዳነ ምሕረት ዚብል ስም፣ ብዓርቢ ስቕለት ዝተጸንበለ፣ ተስፋ ድሕነት ዝሓዘለ፣ መጸውዒ ስመ መዓርግ እግዝእትነ ማርያም እዩ። በዓለ ኪዳነ ምሕረት ክንዝክርን ክነብዕልን እንከሎና፤ እዚ “ኪዳነ ምሕረት” ዚብል መጸውዒ ስም፤ መን ሃባ፧ ምኣስን ኣበይንከ ተዋህባ፧ ዚብል ሕቶ ኪልዓል ባህርያዊ እዩ።
ብዕለት 16 የካቲት ዚንበብ መጽሓፈ ስንክሳር፣ ነዚ ሕቶዚ በኸምዚ ይምልሰልና። ድሕሪ ትንሣኤ፣ እግዝእትነ ማርያም፣ ኣብቲ ገንሸል ድሕነት ፍቁር ወዳ ዝተሠውዓሉ ቦታ ቀራንዮ፣ እናኸደት ኵሉ መዓልቲ ተጽሊ ነበረት። እቶም ንኢየሱስ ዝቐተሉ፣ እቲ ኣብኡ ከይዳ ምጽላያን፤ ኣብኡ ምምልላሳን ስለ ዘይተዋጠሎም ካብኡ ንኼቋርጹዋ ብዙሕ ፈተነታት ኣካየዱ፣ እንተኾነ ኣማላኽ ብመላእኽቱ ስለ ዝሓለዋን ዝተኸላኸለላን ኬሰናኽሉዋ ኣይከኣሉን። ነዚ ቅዱስ መንፈሳውነት እናፈጸመት እንከላ፤ ሓደ መዓልቲ እቶም መላእኽቲ ናብቲ ወዳ ዝነግሠሉ ዘሎ ቦታ ወሲዶም ምስ ፍቁር ወዳ የራኽቡዋ እሞ፤ ውሉድን ወላዲትን ከኣ ብፍቕሪ ናፍቖት ይሰዓዓሙ፣ ካብኡ ንድሓር፤ ኣብቲ “ዓይኒ ዘይረኣየቶ፣ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፣ ልቢሰብ ዘይሓለኖ፣ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዜዳለዎ” (1ቆሮ.2፤9) መንግሥቲ ኣምላኽ እናዞሩውን ኣርኣይዋ። ነቶም ዝሓለፉ ኣቦታታን ኣቦሓጎታታን፣ ኣሕዋታን ኣሓታት ኣብኡ ምስ ረኣየትውን ብዙሕ ተሓጐሰት።
ድኅርዚ፣ ናብቲ ቦታ ኵነኔን ሓዘንን ከኣ ይወስድዋ፣ ነተን ኣብኡ ብሕሱም ዚሳቐያ ነፍሳት ምስ ረኣየት ብዙሕ ትሓዝንን ትጕህን። ካብኡ ምስ ተመልሰት በቲ ስቓዮም እናስቈርቈረት ዝን ትብል እሞ፤ ኢየሱስ፤ ፍቁር ወዳ፤ “ኣደ እንታይ ደኣ ኾይንኪ ዝን ኢልኪ ሓዚንኪ፣ ንኣኺ ዘይገበርክዎን ዘይፈጸምክዎን እንታይ ኣሎ፤ ኵሉ ድላይኪ ክፍጽመልኪ ዝደለኽዮ በልኒ ይብላ።” ንሳ ኸኣ፤ “ፍቁር ወደይ! ምእንቲ ፍቁር ኣቦኻን፣ ቅዱስ መንፈስካን፣ ምእቲ እቶም ንጹሓት መላእኽትኻን፣ ሕሩያት ቅዱሳንካን፣ ምእንቲ እቲ ትሽዓተ ወርሒ ዝተሸከምኩኻን፣ ወሊደ ዘጥቦኹኻን ዘዕበኹኻን፣ ምእንቲ እቲ ምሳኻ ዝተቐበልክዎ መከራን ስደትን ስቓይን፤ ነቶም ብስመይ ቤተ መቕደስ ዚሓንፁን፣ መዛሙራት ዚደርሱን፣ንዕሩቕ ዜልብሱን ንድኻ ዚልግሱን፣ ንሕዙን ዜጸናንዑን ንሕሙምን እሱርን ዚበጽሑን፣ ኣብዚ መንግሥትኻ ክትቅበሎም ቃል እተወለይ ትብሎ።” ንሱ ኸኣ፤ “ርኸቢ ኣይትስኣኒ፣ ብኣኺ ዝተማሕፀነን፣ ብስምኪ ዝለመነን ከምቲ ዝበልክዮ ኪፍጸመሉ እዩ፣” እናበለ፣ ብ16 የካቲት ቃል ማሕላ ኣተወላ። ኪዳነ ምሕረት እናበልና፣ ኣብ ወርሒ ሓደ ጊዜ፣ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ እንጽውዓን እነኽብራን ዘሎና እምበኣር ምንጩን መሥረቱን እዚ እዩ። እቲ ማህሌታይ-ማርያም፤ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱስ በርናርዶስ፤ ኣብቲ ካብ መጀመሪያ ክርስትና ኣትሒዙ ዝቐጸለ ትምህርቲ ኣበውን፤ መንፈሳውነት ምእመናንን ተመርኲሱ፤“ኦ ፍጽምቲ ሕያወይቲ ድንግል ማርያም፤ ናብ ሓለዋኺ እንካብ ዝጐየዩ፣ረዲኤትኪ እውን እንካብ ዝለመኑ፤ለመናኺውን እንካብ ዝደለዩ፣ ካብዚኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ ከምዘይተሰምዐ ሕሰቢ፤ ኦድንግልተ ደናግል ኣደይ! ኣነውን በዚ እምነትዚ ጸኒዐ እናተጨነቕኩ ኣብ ቅድሜኺ ደው እብል ኣሎኹ፣ ኦ! ኣደ-ቃል ንጸሎተይ ብሕያውነትኪ ስምዕዮ፤ ጽን በልዮ እምበር ኣይተስተንዕቕዮ። ኣሜን።” እናበለ ነቲ ኣብዛ ኅርይትን ልዕልትን ኣደ ዘለዎ ውሉዳዊ ፍቕሩን እምነቱን ይገልጸልና።
እወ! እዛ “ብቓላ ጥዕምቲ፣ ብግብራውን ሕያወይቲ” ዝኾነት ኣደና፤ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝጀመረቶ ግብረ ሠናይ፣ ሕጂውን ኣየቋረጸቶን፤ብሳላኣ ክንደይ ዝመኸነ ማሕፀናት ኣደታት ዘይተኸፍተ፣ ብስማ ክንደይ ድዉያት ዘይተፈወሱን፣ ክንደይ ሕዙናት ዘይተደበሱን፣ ንኣኣ ዝለመነ መን ኣሎ ዝሰኣነ፧ ኣየናይ ቅዱስ እዩ፣ ወይ ኣየነይቲ ቅድስቲ እያ ንኣኣ ዘይተማሕፀነ፣ ኣደ ዘይብሉ ገዛ ዘኽታም፣ ኣደ ዘይብሉ ስድራ ጸላም፣ ‘ኣደ ዘለዎ ይበኪ፣ ኣደ ንዘይብሉ ከብኪ’ “ኣብ እግሪ መስቀል፤ ኣብ ቀራንዮ፣ “እንሃለት ኣደኹ” ኣይትብከዩ ዶ ኣይበለናንዩ! ካልእ ኣደ ኣይኮነትን፤ ገዛእ ኣዲኡ፣ ኣደ ኣምላኽ እኳ እዩ ሂቡና።
ንሱ እኳ ከሃሌ ኩሉን ገባሬ ኵሉን እንከሎ፣ ኣደ ቢሉ ምፅዋዕ ዘየሕፈሮ፣ ኣደ ቢልና ምጽዋዕን፤ ናብኣ ምሕቋፍን እንታይስ እንታይ እዩ ዜጠራጥረና፣ እንታይ እዩኸ ዜፍርሃና።
ኣይንረስዕ ንዘክር፤ ብሎሚ ዕሥራ ዓመት ናይትማሊ፣ ኪዳነ ምሕረት እዩ ነይሩ ፀሓይ ብራቕ ቀትሪ፣ ርኢናዮ ብዓይንና፤ፀረ-ሕይወት ኣጽዋር ኪድፋእ ንምድሪ፣ ኣእዳው ኪዝርጋሕ ንላዕ ኣብ’ቲ ልዑል ፈጣሪ። ልሳናት ኣደታት ነዲሩ ኬዕልል፣ ሸኾና መንእሰያት ብታሕጓስ ኪዘልል። ንሕና ኢና ጠሊምና፣ ዝተገብረልና ሞሳ ረሲዕና፣ንሳስ ኣላ ኣብቲ ደብራ ትጽበየና። ዘይሀልቕ ኪዳን እዩ ተዋሂቡዋ ካብ ፈለማ። “ኣደየ ከምዓልኪ፣ እመስገኖ፣ ሃብኒ’ሞ’ታ ኢድኪ ክሳለሞ፤ ንበላ ዓቢ ምስ ንእሽቶ፤ ብሰንሰለት ፍቕሪ ተጠሚርና ኣብ ገዛኣ ንእቶ። ኪዳነ ምሕረት እዩ ስማ ካብ ጥንቲ ብቐደማ። ኢየሱስ ዝወዳ መርሓባ ንበላ ኵላትና፣ ልባትና ይከፈት ፍቕሪ ይዓንብብ ሰላም ይንገስ ኣብ ሃገርና፣ ሓቢርና ንጸሊ በኸበሮ ብጸናጽል ብበገና፣ሕጂውን ኪድገም ተኣምር ቃና፣ ሽዑ ክንርእያ ኢና ኪዳነ ምሕረት ኣደና፣ መርዓና ክነብዕል ታሕጓስ ተመሊእና።
“እግዝእትነ፣ ማርያም እግዝእትነ ነጽሪ ኀቤነ፣ ሰላመ ወልድኪ የሀሉ ምስሌነ።”

አባ ሙሴ ተስፋዮውሐንስ ሲታዊ








All the contents on this site are copyrighted ©.