2014-02-19 18:49:29

ንቤተ ክርስትያን ንቅድሚት ዘገስግሳ ናይ ሕዝበ እግዚአብሔር ትዕግሥቲ ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ አብ ዘቅረብዎ ስብከት ኢዩ፣ አብቲ ዕለት ዕለት ዝግበር ጕዕዞ ሕይወት ንኩሉ ፈተናታት ናብራ ብትዕግሥቲ ምቅባል ናይ ሕዝበ እግዚአብሔር ንቤተ ክርስትያን የሰጉም እንክብሉ ስብከቶም ዝጀመሩ ቅዱስነቶም ት ዕግሥቲ ማለት ኢድካ ምሃብ ዘይኮነስ ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ አብ መልእኽቱ ከምዘመልክቶ “ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል።” ንዝብል ጥቅሲ ብምጥቃስ ትዕግሥቲ እንክንብል ነቲ ንሕና ዘይንደልዮ ነገራት ተጻዊርካ ምኽአል ምዃኑን እዚ ከአ ንሕይወትና ከምዘማዕብልን ከምዘብስልን እንከመልክቱ ት ዕግሥቲ ዘይብሉ ሰብ ንኩሉ አብታ ግዜ እቲአ ከምዝደልዮን ንክዓቢ ተስፋ ከምዘይብሉን ድሕሪ አመልኪቶም ት ዕግሥቲ ዘይብሉ ሰብ ኪዓቢ ዘይክእልን ከም ሕጻን ወትሩ ድላዩ ክፍጸምሉ ዚጽበን ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት ካባኡ ዚገደድ ከአ ከምቲ ፈሪሳውያን ካብ ኢየሱስ ሽ ዑ ንሽ ዑ ተአምራት ዝደልይዎ ከአል ኩሉነት አንጊሶም ነቲ ዝደልይዎ ነገር አብታ ጊዜ እቲ አ ክውን ክኾነሎም ዝደልዩ ምዃኖም ተአምር ዚደልዩ ምዃኖም እንከመልክቱ እዞም ከምዚ ዓይነት ሰባት እዚኦም፤ “ንሥራሕ አምላኽ ምስ ሥራሕ ጠንቆልትን ገበርቲ ተአምርን የተሓሕዝዎ፣ ኮይኑ ግን እግዚአብሔር ከም ጠንቆልትን ገበርቲ ተአምርን አይ ሰርሕን፣ እግዚአብሔር ናቱ መንገዲ አለዎ፣ መንገዲ ት ዕግሥቲ፤ እግዚአብሔር ት ዕግሥቲ አለዎ፣ ናብ ምሥጢረ ንስሓ አብ ንቀርበሉ ግዜ ወትሩ ንደጋግሞ መዝሙር አሎ፣ እዚ መዝሙር እዚ ንት ዕግሥቲ ፈጣሪ ዝፈታተን ኢዩ ኮይኑ ግን እግዚአብሄር ወትሩ ብት ዕግሥቲ ይጽበየና፣ ሕይወት ሓደ ክርስትያን ከስ በዚ መዝሙር እዚ ኢዩ ኪስነ ዘለዎ፣ እዚ መዝሙር እዚ መዝሙር አቦታትና መዝሙር ሕዝበ እግዚአብሔር ኮይኑ ነቶም ብቃል አምላኽ ዚአመኑ ዘሰእንየ ነቶም ብ አቦና አብራሃም አቢሉ “አብ ቅድመይ ብቅን ዕና ተመላለስ ተጠዓሳይ ከአ ኩን” ዝበሎ ት እዛዝ ዝሕልው ኢዩ፣ ሕዝበ እግዚአብሔር ብዙሕ ተሳቅዩ ኢዩ ከምቲ መልእኽቲ ዕብራውያን ዘመልክቶ ተሰጕጎም ስደትን መከራን ተቀቢሎም ተሰዪፎም እንተኾኑእ በቲ ዝተዋህቦም ተስፋ እግዚአብሔር ሓጐስ ረኺቦም ነዚ ከአ ብት ዕግሥቶም ኢዮም ዝረኸብዎ፣ ንሕናውን ክን ዕገሥ አሎና እንክብሉ ሓደራ ቢሎም፣“ሕዝብና ክንደይ ይዕገሥ! ሕጂ እውን እንተኾነ ናብ ቍምስናታት እንክንመላለስ ጸገም ዘለዎም ዝሳቀዩ ሰባት ሓደ አካለ ስንኩል ዝኾነ ወይ ዝሓመመ ውሉድ ዘለዎም ሰባት ንኩሉ ግን ብት ዕግሥቲ ዝስከምዎ እንከጋጥሙና ብግሁድ ን ዕዘቦ ጉዳይ ኢዩ፣ ከምቶም ናይ ወንጌል ሰባት ምልክታት አይሓቱን ኮይኑ ግን ንምልክታት ግዜ አንቢቦም ዚኽ እሉ ምዃኖም ን ዕዘብ፣ በንጻሩ ናይ ዘመንና ደለይቲ ተአምርን ምልክታትን ት ዕግሥቲ ክጐድሎም ን ዕዘብ በዚ ከአ ን ኢየሱስ ከለልይዎ አይከአሉን፣ አብ ዘመንና ግን ብዙሓት ዝሳቀዩ እኳ ደአ ብዙሕ ዝሳቀይ ኮይኑ ግን ናይ እምነት ፍሽኽታኦም ዘየጥፍ ኡ ከምዘለው ሳላኦም ከአ ከም እንጐዓዝ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣“እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና አብ ቍምስናታትና አብ አከባቢና ዘለው ኢዮም፣ ብት ዕግሥቶም ንቤተ ክርስትያን ብቅድስና ዕለት ዕለት ንቅድሚት ዘሰጕሙ ከአ እዚኦም ኢዮም፣ እቲ ቅዱስ ያዕቆም አብ መልእኽቱ 1:2-4 “ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።
እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።” ዝብሎ ከአ ትርጉሙ እዚ ኢዩ፤ እግዚብሔር ንኩልና ት ዕግሥቱ ይሃበና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ በቲ ትዊተር ዝበሃል ሓጸርቲ መል እክታት ዘመሓላልፉሉ ይድረስታኦም ንሕሙማት ዘትኮረ “ዝተፈቶኹም ብዝተፈላለይ ሕማማት ትሳቀዩ ዘሎኹም ተስፋ አይትቍረጹ ወላውን አብቲ ዝጸንከረ ናይ ሥቃይ ግዜ ክርስቶስ አብ ጉድንኹም አሎ” እንክብሉ መጸናን ዒ መል እኽቲ ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.