2014-02-11 16:08:26

ኣባ ሎምባርዲ፦ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብገዛእ ፈቓዶም ዘረከቡ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ውሳኔ ንታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝቀረጸ፣ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ሕይወት ምንባር እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 11 ለካቲት ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብገዛእ ፍቓዶም ዝለቐቑሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ዘደንጸወ ባዕሎም ኵሉ ከይተጸበዮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ዝሓቶ ጉልበት ስለ ዝጐድለኒ ምእንቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚአብሔርን ረብሓ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ፍቓድ እግዚኣብሔር ጽን ብምባል ብፍቓደይ ስልጣን ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ አረክብ እንክብሉ ዘስምዕዎ ናይ ውሳኔ ዘረባ ቀዳማይ ዓመት ዝዝኸረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ውሳኔ ምስ ተሰምዔ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ቀዳሜ ገጽ ብምሃብ ብምትንታን ቤተ ክርስቲያን ንኽመዚ ዓይነት ውሳኔ ቅርብቲ ኣይኰነትን ዝብል ኣምር ከምዘቓልሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ምርካብ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምኽንያት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣ በነዲክቶስ መበል 16 ዝወሰድዎ ዓይነት ውሳኔ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ክርአን ክስምዓን ካብ ዘብኰረ ዘመናት ዘቑጸረ እዩ ኔሩ። ኰይኑ ግን ባዕሎም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፍቓድ እግዚኣብሔርን ስልጣኑ ከረክብ ዝከኣል ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብፍላይ ድማ ኣብታ ከም ቃለ መሕትት ብጋዜጠይናን ደራስን ፐተር ሲዋልድ ኣብ ዝተደረሰት መጽሓፍ እውን ባዕሎም ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተንከፍዎ ርእሰ ጉዳይ እዩ ኔሩ፣ ኣብዚ ዓይነት ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ጸሎትን ኣስተንትኖን መንፈሳዊ ምልላይ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ይፍጽሙ ከምዝነበሩ እዩ ዘረጋግጽ፣ ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ኣብታ ሓጻርን ኣዚያ ጥልቂ ዝኾነት ዘንበብዋ መልእኽቶም ካብዚ ዓይነት ሓላፍነት ክለቕቕ ወሲነ ኣለዅ ቢሎም ዝዘርዘርዎ ምኽንያት ናይ ብሓቂ ናይ ዓሚዩቕ ጽሎትን ኣስተንትኖ ኣስተንፍሶ ውጽኢትን ተባዕን ውሳኔ እዩ። እዚ ድማ ሓዋርያዊ ምሕደራኦም ክሳብ ክንደይ ዝለዓለ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ፣ ይአኽለኒ ምባል ጥበብ እዩ። እዚ ውሳኔ ፍቓድ እግዚኣብሔር ክሳብ ዝኾነ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲይንን ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ድማ ባዕሉ እግዚኣብሔር ብምዃኑ፣ እቲ ፍቓድ ዝሓለፈን ህልውን መጻእን ዝጥርንፍ እዩ። ስለዚህ ፍቓድ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኵሉ እዩ። ከምዚ ምዃኑ ድማ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ዘላትሉ ኵነት ይምስክሮ ኢሎም። ንቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዝመርሕ መንፈስ እግዚኣብሔር እዩ።
ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ክለቁ ዝሃብዎ ውሳኔ ምስ ተሰምዔ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻእን ዝተራእየ ሃዋሁን ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃብን ዝሃባሉ ትንተና ማለት ዘይቅሩብነት ቤተ ክርስቲያን ነኸምዚ ዓይነት ውሳኔ ዝብል ትንተና ዝተጋነነ እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ክለቑ ባዕሎም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘረጋገጽዎ ውሳኔ ፍቓድ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔር መደብ ዘለዎ ፈቓድ እዩ። ስለዚህ እቲ ዝተራእየ ሃዋሁ ነዚ ካብ ምዝንጋዕ ዝነቐለ እዩ ክበሃል ይከኣል፣ በነዲክቶስ መበል 16 ግን ነቲ ውሳኔ ክወስዱ ዘለዎም ጥልቂ መንፈሳውነትን እምነትን ክሳብ ክንደይ ዓቢይን ዓሚዩቕን ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ። ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተኽታልነት ኣገልግሎት እምበር ስልጣን ኣይኰነን። ስለዚህ ሓላፍነት ተልእኾ ከም ኣገልግሎት ዝንበር እንተድኣ ኰይኑ እቲ ሓላፍነቱ ዘረክብ ነቲ ናይ ተልእኾ ሓላፍነቱ ኣገልግሎት ምዃኑ ተኣሚኒ ዝነብሮ ብምዃኑ ንኽትክኦ ዝሕረይ ጽዉዕ ድማ ንስልጣን ዘይኰነስ ነኸገልግል ብእግዚኣብሔር ፍቓድ ዝጽዋዕ ብምዃኑ እቲ ሓላፍነቱ ዘረከበን ተካእን ዘጋራጭው ምንም ዓይነት ኩነት ክህሉ ማለት ዘበት እዩ። እዚ ድማ እምነት ይበሃል። ካብ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ምስሕሓብ ናጻ ዘውጽእ እዩ። ስልጣን ኣብ ዓለም ዘገራጭው፣ ኣገልግሎት ካብ ዝብል ዓሚቕ ትርጉሙ ፈሊኻ ብምርኣዩን ብምንባሩን እዩ። ስለዚህ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ሰናይ ዘናዲ ምዃኑ ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነቶም እንክሰናበቱ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምግልጋል ክነብሩ ምዃኑ ገሊጾም ከምዝነበሩን፣ እዚ ድማ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ከምዝኾነ ገሊጾምዎን ይነርዎ ኣለዉ። ቃል ሓቂ እዩ። ወትሩ ይብሉ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ካህናት እውን ክጽልዩ ይግብኦም ብዝያዳ ጸላይ ክኸውን ይግባእ ይብሉልዎም ከምዝነበሩ ዘኪሮም፣ ሕይወቶም ጸላይን ኣስተንታንን እዩ። ዝገርም ካብ ቀደም ኣትሒዞም ብሕትውና ሕይወት ዝምነዩ ዓቢይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቅን ምሁርን እዮም፣ ስለዚህ እቲ ፍቓድ እግዚኣብሔር ነቲ ዝነበሮም ድላይ ብሕትውና ሕይወት ብዝተፈላለየ መገዲ ተጠቒምሉ እዩ። ሎሚ እዚ ሕይወት’ዚ እዮም ዝነብሩ ዘለዎ። ጸላይ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔርን እዮም።
ብርግጽ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሮም ማሕበራዊ ሕይወት፣ ዝንበሮ ሕይወት እውን እንተዘይኰነ ተሓጺሮም ተነጺሎም ይነብሩ ኣለዉ ማለት ኣይኰነን፣ ከም ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ካህን ገዳማዊ ዕለታዊ ሕይወቶም ብጸሎትን ኣስተንትኖን መንፈሳዊ ንባባትን ንዝበጽሖም መልእኽትታት መልሲ ብምሃብን ይነብሩ ኣለዉ፣ ሊቅነቶም ምሉእ ብምሉእ ይነብርዎ ኣለዉ ምስ በሉ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ርክብ ብምብጽጻሕ ዝኽወን ዘሎን፣ ኣብቲ ናይ ክልቴኣቶም ርክብ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዘሎ፣ በነዲክቶስ መበል 16 ዓቢይ ሊቅ ጸላይ ብዕድመ ዝደፍኡ ቅዱስ እውን ክብል ይኽእል ዝበሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ትነብር እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.