2014-02-06 16:18:54

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ ቀዲሙ ዝተጻሕፈን ስነ ሓሳባዊ ቅወማ ዘለዎ ሰነድ እዩ


RealAudioMP3 ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝከታተል ናይ ትሕቲ ዕድመ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ኮሚቴ ትማሊ ዕለት 5 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ መንበር ከቢድ ወቀሳ ከምዝሰንዘረ ክምልከት እንከሎ፣ እዚ ድማ እቲ ብውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተፈጸመ ወሲባዊ ዓመጽ ብምውካስ ዘቕረቦ ወቐሳን ክስን ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣካል፣ ቅድስቲ መንበር ሕጂ እውን ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መሰልን ክብርን ትግህስ እያ ዝብልን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ኣብ መንጐ ሓዲኣዊ ጾታ ዝቐውም ማለት ሶዶማዊ ርክብን ናይ ወሊድ መቆጻጻርን ጽንሲ ምንጻልን ትኽተሎ ናይ ተቃውሞ ውሳኔ ዝነቕፍ ጽሑፍ ዘጠቓልል ምዃኑ እውን ክሕበር እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ መንበር ዝተፈነወ ወቐሳ ኣመልኪቶም ኣብ ጀነቭ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ መበል 65 ናይቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትሕቲ ዕድመ መሰልን ክብርን ሓልዮ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝከታተል ኮሚቴ ኣብ ዝተፈለለያ እዋን ብዛዕባ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘቕርቦ ጸብጻን ብምቕጻል ብዛዕባ ኮንጎን ጀርመንን ቅድስቲ መንበርን ፖርቱጋልን ፈደራላዊት ሩሲያን የመንን ዘቕረቦ ጽብጻብ፦ ቅድም ቀዳድም እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኮሚቴ ድሕሪ ዘካይዶ ኣኼባ ዘውጸኦ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ብምልእት ተጠንቂቕካ ምንባብ ከድሊ እዩ፣ ስለዚህ ፍርዲ ንምሃብ እቲ ሰነድ ብምልኣት ምንባቡ ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ዘግርም ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ መንበር ዝቐረበ ሰነድ እቲ ኣሉታዊ ነጥብታቱ ቅድሚ ምስ ቅድስቲ መንበር ምርኻብ ዝቐረበ ድሮ ተዳልዩ ዝነበረ እዩ ዝመስል፣ ምእንቲ’ዚ ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝከታተል ኮሚቴ ንዘቕረቦ ናይ ሕቶ ሰነድ ዝሃበትሉ መልሲ ብዘይ ምንባብ ዝቐረበ ጸብጻብ እዩ። ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ጸረ ሰብኣዊ ከቢድ ገብን ብዝብል ኣገልላልጻ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝወሰደቶ ስጉምትን ናይ መላእ ሃገራት ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝኽተሎ ዘውጸአቶ ናይ መቆጻጻሪ ሕግንታትን ውሳኔታትን ግምት ዘይሃበ ጽብጻብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ኮሚቴ ዘውጽኦ ሰነድ ናይ ቅድስቲ መንበር ውሳኔታት ዘይየውዓለ እዩ ኢሎም።
እቲ ዝቐረበ ሰነድ ኣደግፊካ ኣብ ክልተ ደቓይቕ ውሽጢ መልሲ ንምሃብ ዘይከኣል እዩ፣ ስለዚህ ቅድስቲ መንበር ናይቲ ኮሚቴ ኣባል እውን ብምዃና ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምልኣት ኣንቢባ ብቑዕን ኣዕጋብን መልሲ ክትህበሉ ምዃና ሓቢሮም፣ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ደረጃ ናይ ስብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝከታተል ዘውጽኦ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ተቐቢለን ካብ ዘጸደቓ ሃገራት ቀዳመይቲ ምዃና እውን ዘኪሮም፣ እቲ ኮሚቴ ቅድመ ፍርድን ስነ ሓሳባዊ ጸቕጢ መሰረት ገይሩ ዘቕረቦ ጸብጻብ ቅድስቲ መንበር ነቲ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ብዘኽብር ኣገባብ ብቑዕ መልሲ ክትህበሉ እያ ኢሎም።
እቲ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ኣብ መእተዊ ክንክን ሓልዮን ሓላዋ ሕይወትን ዝብል ከምኡ እውን ሕይወት ሕጻናት፣ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምኽባር ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ እዩ። ስለዚህ እቲ ሕይወት ምኽባር ዝብል ሓሳብ ብመሰረቱ ጽንሲ ምንጻል ዝቓወም እዩ እትብል ቅድስቲ መንበር ጽንሲ ምንጻን ቅትለት ሕይወት ሕጻን ቢላ እውን ብምግላጽ ትሕቲ ዕድመ ምክልኻል ማለት ምልኣት ሰብእውነት ምኽልኻል ክኸውን ኣለዎ ቢላ ጸረ ጽንሲ ምንጻል እያ ተባሂላ እቲ እትኽተሎ ትምህርቲ ዓንቀጸ እምነት ክትቕይር ምሕታት ዓቢይ ጌጋ እዩ። እቲ ናይቲ ኮሚቴ ሰነድ ባህርይን ተልእኾን ቅድስቲ መንበር እንታይ ምዃኑ ዝተረድኦ ከምዘይኰነ ዝገልጽ ሰነድ እዩ ቢሎም፣ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ካብቲ መሰረታዊ ናይ ሕይወት ክብርታት ምኽባር ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ናይቲ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝከታተል ኮሚቴ ናይ ዝውጽኦ ሰነድ መእተዊ ከተንብብ እንከለኻ ብሓቂ እቲ ኮሚቴን ናይቲ ኮሚቴ ኣባል ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ርክባትን ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምቁጽጻር እትኽተሎ ጽኑዕ መመርሕን ሕግን ዝተበጽሑ ፍጻሜታት ዘይተመልከተ እዩ ዝመስል፣ ስለዚህ እቲ ጸብጻብ ቅድመ ፍርድን ስነ ሓሳባዊ ጸቕጢ ዘለዎ ኣቐዲሙ ተቐሪቡ ዝጸንሔ እዩ ንኽትብል ይድርኽ። ኰይኑ ግን ቅድስቲ መንበር ዘዕግብ መልሲ ደጊማ ክትህበሉ ምዃና ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስቲያን ግልጺ ኣሰራርሓ ብምትብባዕን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ቀሊል ግምት ከምዘይትህበሉ ኣረጋጊጾም ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.