2014-02-06 17:17:49

ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትምሊ ሮቡዕ ከምቲ ልሙድ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ። ፓፓ ፍራንቸስኮ አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ቁርባን አልዒሎም ቅዱስ ቁርባን ናይ ድሕነትና ህብስቲ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ኩሎም ሕጻናት መጀመርያ ቁርባን ክገብሩ አተሐሳሲቦም።ሚስጢረ ጥምቀት ምስ ተቀበልና ክርስትያን ንኸውን ነዚ ተኸቲሉ ስጋሁ ወደ ደሙ አብ እንቅበለሉ ግዜ ክአ ብቀጥታ ምስ መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንራኸብ ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፡ አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አጠሒዞም ፡ ዝተፈኹም ህዝበ ክርትያን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝሀበና ጸጋ ቅዱስ ቁርባን ወትሩ ከነሞጉሶ ክነኽብሮ ክንዝክሮ ክንሰግደሉን ይግብአና ኢሎም።እዚ ዓቢይ ጸጋ”ዚ ንዘለዓለማዊ ድሕነትና ዝተዋህበና ፀጋ ከም ዝኾነ ክንዝንግዕ አይግብአናን ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ፡ ሰነብት ኮነ ካልእ ግዜ አብ ቤተ ክርስትያን አብ ንርከበሉ ግዜ ክንጽልን ክንምህለልን ጥራሕ ዘይኮነስ ስጋሁ ወደሙ ለክርስቶስ ምእንቲ ክንቅበል ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ እዚ ሚስጢር”ዚ ምስ ጐይታና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕን ዘይኮነ ምስ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዘተአሳስረና አገንዚቦም።አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ድራር ዝሀቦ ምልክት ንምሕረትን ፍቅርን እግዚአብሔር ምስጋና ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አመልኪቶም ብቋንቋ ግሪኽ ! ኤውካረስቲያ! ማለት ምስጋና ማለት ከም ዝኾነ ጠቂሶም ሚስጢረ ቁርባን ክአ ኤውካረስቲያ ይጽዋዕ እዚ ማለት ክአ ምስጋናን ስብሐትን ለእግዚአብሔር ማለት ከም ዝኾነ አረዲኦም ።ፓፓ ፍራንቸስኮ አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ አተሐሒዞም ሥርዓተ ቅዳሴ ዝክሪ ጥራሕ ዘይኮነ ተሳተፍቲ ሥቃይን ሞትን ትንሳኤን መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾና ዘረድእ ዘመልክት ዓቢ ሚስጢር ከም ዝኾነ ክንግንዘብ ይግብአና ጥዑማት ህዝበ ክርስትያን ብማለት አተሐሳሲቦም ። ህልውና ቅዱስ ቁርባን አብ ቤተ ክርስትያን ህልዊ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ከም ዝኾነ ክአ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብቲ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንዘተሳፉ ምእመናን ገሊጾምሎም።አብ መወዳእታ ክአ ነቶም አብ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሐዋርያዊ ብ ኡራኬ ሂቦም ተፋንዮምዎም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.