2014-02-04 16:06:48

ሃገረ ቫቲካን፦ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሳሞዋ ርእሰ ብሔር


RealAudioMP3 ዕለት 3 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ነዘካየዱ ንዘለዉ ናይ ሃገረ ሳሞዋ ርእሰ ብሔር ቱይ ኣቷ ቱፗ ቶማሰሰ ኤፊ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምንም ገለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሃገረ ሳሞዋ ርእሰ ብሔር ርክብ ብዛዕባ ናይ ሃገረ ሳሞዋ ማሕበራዊ ሕይወትን ኤኮኖሚያዊ ከይድን ኣብ ሃገራት ፓሲፊክ ዓቢይ ኣተኩሮ ዝግበረሉ ንዘሎ ዛዕባ ስነ ምህዳርን ዓለም ለኻዊ ህሉው ኩነታትን ርእሰ ጉዳይ መሰረት ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሳሞዋን ሕዝብን እተበርክቶ ብፍላይ ድማ ኣብ ምሉእ ሰብኣዊ ሕንጸት መዳይ ዘለዎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘረጋገጸ ርክብ እውን ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.