2014-02-01 16:07:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ማለት ምሕደራዊ ስራሕ ምክያድ ምክንያት ዘይኮነስ ወንጌል ንመላእ ዓለም ንምብጻሕ ምውጻእ ማለት እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስን ቅዱሳት ቅርያትን ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ንዘለዉ ናይ ኦውስትሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት 30 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ተቐቢሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኦስትሪያ ምስ መንበረ ጴጥሮስ ዘለዋ ጽኑዕ ምትእስሳርን ተኣዝዞን ንኢዶም ኣብ 2007 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኦስትሪያ እትሪከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽንኵር ፈታኒ እዋን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝገበርዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ብምጻሕን ዝተገበረሎም ኣቀባብላን ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ዝተለገሰ ስልጣናዊ ምዕዳን ዘኪሮም እቲ ዝተራእየ ጽንኩር ኩነት ኣብ ብዝሒ ምእመናን ምጉዳል ዘስዓቦ ዓይነት ሽግር’ዚ ድማ ናይ ነዊሕ እዋን ተርእዮ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እዚ ኩሉ ደፋእታዊ ኩነት’ዚ ክጸቕጠና ዘይኰነስ ነጺሕና ብትብዓት ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ክንበግስ ዘነቓቕሕ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኦስትሪያ ብለጋስነት ገበርቲ ሰናይ ዝተዓደለት ብምዃናን እዚ ዕድል’ዚ ድማ ኣብ ምሉእ ሕንጸት ሰብኣዊ ብምውዓል እተከብርክቶ ኣገልግሎት ዝምስገን ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ከምዘስመሩሉን፣ ግራት እግዚኣብሔር ወትሩ ክኹስኮስን ክሕረስን ከምዝግብኦን “ቤተ ክርስቲያን ምዃን ማለት ምሕደራዊ ሥራሕ ምስላጥ ማለት ዘይኮነስ ወንጌል ንመላእ ዓለም ንብጻሕ ምውጻእ፣ ልኡከ ወንጌል ምዃን ናይ እምነት ብርሃን ነሕዛብ ምብጻሕን ወንጌላዊ ሓሴት ምቕራብ ማለት እዩ። እቲ ድርኾት ክርስትያናዊ ጻዕርናን ኣገልግሎትናን ሰብኣዊ ፍቕሪ ዘማእከለ ፍቅረ ሰብእ ሃሳስ ሰብኣዊነት ዘይኰነስ ውህበትን ውበትን እግዚኣብሔር እዚ ማለት ድማ እቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ ውሉዳውነት ጸጋ እዩ” ቢሎም፦ “እዚ ጸጋ’ዚ ብሓደ መዳይ ውህበት እዩ ብኽልእ መዳይ ድማ ሓላፍነትን ተልእኾ እዩ፣ ውሉደ እግዚኣብሔር ዝኽወሉን ተሓቢኦም ዝነብሩ ዘይኰነስ ነቲ ናይ መለኰታዊ ውሉድነት ምዃን ሓጎስ ናብ ዓለም ዘብጽሑ እያቶም። ብኻልእ መዳይ ድማ ንሓጢኣት ኢድና ከይሃብና ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ምንጻሕ ዘድልያ ከምዝኾነ ካብ ዝብል ግንዛበ መሰረት ዝተቐደሰን ጥዑይ ሕይወት ምንባር ማለት እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ዕርቂ መጋበርያ ንዝኾነ ንርኽበት እጹብነት ምስጢር ምትጋህ የድሊ ኣብዚ ኢና ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር ፍቅሪ እነስተማቕርን ምስቲ ናይ ምልዋጥ ሓይሊን ሓድሽ ሕይወትን ምስ ዝህበና ክርስቶስ እንራኸብን” ከምዝበሉ ሓቢሮም።
ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ስድራ ቤትን ምስጢረ ተኽሊልን ብፍላይ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ብዓሚዩቕ ውሳጣዊ ቅልውላው ዝተጠቕዔ ክነሱ፣ ስድራ ቤት ናይታ ኣብሳሪት ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ሕመረት ምዃና ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ዓውሎማነትን ድሕረ ምዕባሌኣዊ ውልቃውነት ኣብ መንጐ ሰባት ክህሉውን ክምዕብልን ክረጋገጽን ዝግብኦ ባህርያዊ ምርኻብ ዘሰናኽልን ንሓደጋ ዘቃልዕን ብምዃኑ እዚ ድማ ንናይ ስድራ ቤታዊ ባህሊ ዘይምቹእ ሃዋሁ ዝፍጥር እዩ፣ ስለዚህ እዚ ቅልውላው’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንናይ ሰብኣውን ምስ እግዚኣብሔርን ምርኻብ ክህሉን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ካይተዓጸኻ ወይ ድማ ኣብ ናይ ዘይምርኻብ ብህሎት ከይተዓጸኻ ንበሰላታት ዘሕውን መራኸቢ ድልድል ዝሓንጽን ነቶም ርሒቖም ዝንበሩ ዘናድን ዝድግፍን ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላቲያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ጾር ሓድሕድ ጹሩ” (ገላ. 6.2) ንዝብሎ ቃል ንምትግባር ሓቀይና ሱታፌን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ክህሉን ኣተሓሳሲቦም፦ “ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስድራ ቤት እተቕርቦ ምዕዳን ሰናይን ጥዑን ብቑዕን ምስጢረ ተኽሊል ንኽኣስሩ ንዝቀራረቡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስድራ ቤትን ምስጢረ ተኽሊልን ዝምልከት ትምህርቲ ዓንቀጸ እምነት ብምኽባርን መሰረት ዝገበር ሕንጸት ምቕራብን የድሊ” ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፍጻሜ መልእኽቶም ቁምስና ብናይ ቆሞስ ኣብነት እትምራሕ ማሕበረ ክርስቲያን ዝራኸቡላን ተሓባባርቲ ቆምስ ዓለማውያን ምእመናንን ብቑዕ ኣበርክቶኦም ዘቕርቡሉን እዚ ግን ነቲ ናይ ካህን ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ሰራዕነቱ ዘደብን ምትሕብባር ከይከውን ሓደራ ቢሎም፣ ኣብ ከተማታትናን ገዛውትናን ተባዓትን ትሑታት ዓለማውያን ምእመናን ልኡካነ ወንጌልን ብኻልእ መዳይ ድማ ዝተታኸሱ ክርስቲያን ምእመናን ከምዘለዉን ካልኦት ድማ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ከይፈለጥዎ ኣናደይቲ ደረት ሰገር ከምዘለዉ ምስትውዓል ከምዘድልን፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነት “ኵሉ ናይቲ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ሓላፍነት ዝኾነ መልእኽቲ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ምድሓን ብኢየሱስ ክርስቶስን ነሕዛብ ምብጻሕ ወሳኒ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ‘ንእሽቶ መጓሰ’ (ሉቃስ 12.32) ንመስል ንኸውን ከም ሓዋርያት ጐይታ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ምዃን ዝነብር ሕብረሰብ ኰይና ክንርከብ ሓደራ” ቢሎም ስልጣናዊ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.