2014-01-23 16:23:34

ኡክራይን፦ ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ “ደም ምፍሳስ ደው ይበል”


RealAudioMP3 ናይ ኪየቭን ሃልይ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ስቪኣቶስላቭ ሸቭቹክ እቲ ኣብ ኡክራይን ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ እቲ ኣብ መንጐ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ሕዝብን ሓላዋ ጸጥታን ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ኩሉ ብስም እግዚኣብሔር ደው ክብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ዓመጽ ኣብ ሓደ ናጻን ሉኣላውነት ሕጊ ለበስ ኣብ ዝኾነ ሃገር ከም መፍትሒ ኰይኑ ፈጺሙ ክቐርብ ከምዘይብሉ ዝገለጹ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡክራይን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሸቭቹክ መንግስቲ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ተቖጢቡን ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ሕዝቢ ብሰላም ድምጹ ከስምዕን ኣብ ሓላፍነት ዘሎ መንግስቲ ድማ ድምጽን ሕቶን ሕዝቢ ክሰምዕን ክመያየጥን ሓደራ ቢሎም፣ ዓመጽን ጸቕጥን መፍትሒ ክኸው ኣይክእልን እዩ። ናይ ፖለቲካ ዓበይቲ ኣካላት ሓላፍነት ኣገልግሎቶም ብግቡእን ንናይ ሕዝብን ሃገርን ረብሓ ክውዕሉ እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጻዕዊት ከምዘስመርሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ሕዝቢ ሕቶኡ ብሰላማዊ መገዲ ከቃልሕን እቶም ናብ ቤተ ማእሰርቲ ዝተወስዱ ድማ ኣብ ሕሊናን ሓቅን ዝተመርኰዘ ፍርዲ ክረኽቡ እምበር ካብ ጽልኢ ዝምንጭ ውሳኔ ክይወሃቦም ሓደራ ቢሎም ካህናት ኡክራይን ናይ ወንጌል ሰላም ብምእዋጅ ምእመናን ኣብ ምንቃሕን ምሕናጽን ክተግሁ ከምዘተሓሳሰቡ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.