2014-01-23 16:27:30

ታንዛኒያ፦ ውሕስነት ጸጥታን ድሕነት ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሃይማኖት ሥፍራታትን


RealAudioMP3 ናይ ታንዛኒያ ርእሰ ከተማ ዳር ኤል ሳላም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፖሊካርፕ ፐንጎ ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ምእመናንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት፣ ኣብ ሃገረ ታንዛኒያ ሰላማዊ ሓይማኖታዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጽን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን እምነትካ ናይ ምንባር ነጻነት ክኽበር መታን መንግስቲ ኣበኪሩ ክዓይን ኣብ ታንዛኒያ ውሕስነት ጸጥታን ድሕነትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራን ከረጋግጽ እንክብሉ ኣብ ደሴት ዛንዚባር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኣተወትሉ ንዝኽሪ መበል 150 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስክበት ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይታ ሃገር ደይሊ ኒውስ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ እንከመልክት፣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት እዚዩ ከይበኣሰ መንግስቲ ብዓንተውኡ ክዓግቶ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕቲ ብሓባር ምእንቲ ናይ ሓባር ሃይማኖታዊ ሰላማዊ ናብራ ክረጋገጽ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ከነቓቕሑን ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ቀንደይና መሰኻኽር ኰይኖም ክረከቡ እውን ሓደራ ከምዝበሉ ዕለታዊ ጋዜጣ ደይሊ ነውስ ገሊጹ ብፁዕ ካርዲናል ፐንጐ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ታንዛኒያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሞንተቺሎ ፓዲላን ናይ ዛንዚባር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ሻዎ ከምዝሓበሩ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.