2014-01-23 16:17:44

ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና
“ኣብ መንጎ ክርስቲያን ምግምማዕ ክስገር ዘለዎ ዓቢይ ዕንቅፋት እዩ”


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ልሙድ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሳምንቲ ኣብ ዝፈጸመሉ ዘሎ እዋን ስም ክርስቶስ ሱታፌን ውህደትን ይፈጥር፣ እቲ ኣብ መንጎ ክርስቲያን ዘሎ ፍልልይ ግን ዕንቅፋት እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 24 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ይፍጸም ከምዘሎ ክዝከር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ፍልልይን ምግምማዕን ናይ ክርስቶስ ከምዘይኮነን መላእ ማኅበረሰብ ክርስቲያን ዝምልከት መበል ሚእቲ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን መደብ ናይ ሓባር ጸሎትን መንፈሳዊ ብጋሴታትን ክሳብ ክደይ ክቡርን ብሉጽን ዕላማ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፣ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ክርስቶስ ኩሎም ሓደ መታን ክኾኑ እንክብል ዘቕረቦ ጸሎት መሰረት ንናይ ቆሮንጦስ ማሕበረ ክርስቲያን ክርስቶስ ዝተገማምዔ ከምዘይኰነ እንክምስክር እቲ ምግምማዕ ዝጸንሔ ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ከምዘረጋግጾ እውን እንተኾነ ዝነበረ ዘይኮነስ ዝተኣታተወ ምዃኑ እዩ ዘመልክት፣ ነዚ መሠረት ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ ናይቲ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዝቕጽል መደብ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲስያን መርሕ ቃል ቅድስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፦ “ክርስቶስ ዝተመቓቐለ ድዩ?” እንክብል ዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ዘኪሮም፣ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ ካናዳ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውሕደት ቤት ምኽርን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ዝተሰናደው ከምዝኾነን፦ ብርግጽ ክርስቶስ ዝተመቓቐለ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን ማሕበረሰብና ሕጂ እውን እቲ ዕንቅፋታ ዝኾነ ምግምማዕ ኣብ ምንባሩ ይቕጽለሉ ኣሎ። እቲ ኣብ መንጎ ክርስቲያን ዘሎ ምምቕቓል ዕንቅፋትን ሓፍረትን እዩ!” ኢሎም።
ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ምምቕቓል ስቓይ እውን ይሃሉ ክንዝንግዖ ዘግብኣና፦ “ስም ክርስቶስ ምምቕቓል ዘይኮነስ ሱታፌ ሓድነት እዩ ዝፈጥር፣ ንሱ ክኸፋፍለና ዘይኮነስ ኣብ መንጐና ውሁድ ሱታፌ ክህሉ እዩ መጺኡ። እቲ ናይ ሓባር ናይ ክርስቲያን ሓዋርያነት ማእከል ምሥጢረ ጥምቀትን መስቀል እዩ። ምምቕቓልን ምግምማዕን ተኣማንነት የፍሽልን የዛሕትልን ነቲ ተልእኾና ኣስፍሆተ ወንጌል የድክምን መስቀል ዘለዎ ዑቕር ሓይሊ ባዶ ኽኸውን ዝገብር ዓቢይ ስግኣት እውን እዩ” ቢሎም ኵሉ ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብነት ክስዕብን ኣብ ካልኦት ማሕበረ ክርስቲያን ዘሎ ጸጋ እግዚኣብሔር ብሓጐስ ኣፍልጦ ምሃብን በቲ እግዚኣብሔር ንዝተፈላለየ ማሕበረ ክርስቲያን ዝዕድሎ ጸጋ ምኽንያት ሕጉሳት ክንከውን ቅዱስነቶ እንከተሓሳስቡ፦ ነቲ ብጸጋኡ ዝባርኸና እግዚኣብሔር ኣፍልጦ ምሃብ ክደይ ሰናይ እዩ፣ ብዝበለጸ ድማ እቲ ዘድልየና ጸጋ ኣብ ካልኦት ማሕበረ ክርስቲያን ምርካብ ብሓቂ ምፍላጥን ካብቶም ክርስቲያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እቲ ጸጋ ክንቐበል ከምእንኽእል ምስትውዓል ብሓቂ ደስ ዘብል እዩ” ምስ በሉ ማሕበረ ክርስቲያን ክራኸብን ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ምፍላጥን መታን ክህሉ ምርኻብ ዘለዎ ኣገዳስነት እንመልክቱ፦ “ምርኻብን ምፍላጥን ብሓቂ ልዑል ነገር ዝሓትት ተግባር እዩ። ጸሎት ይሓትት ትሕትና ይሓትት ኣስተንትኖን ቀጻሊ ምልዋጥ ይሓትት። በዚ ጐዳና’ዚ ብሓባር ምእንቲ ሓድነተ ማሕበረ ክርስቲያን እናጸለና ንጓዓዝ ስለምታይ እቲ ዓቢይ ዕንቅፋት ዝዀነ መሰናኽል መታን እናጎድለ ክምጽእን ጠሪሹ ኣብ መንጐና መታን ከይህሉ ብሓባር እናጸለና ንጓዓዝ” ቢሎም ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ መንፈሳዊ ነጋዶ ሰላምታኦም ብምቕራብ እምነት ፈጺሙ ናይ ምግምማዕ ምኽንያት ዘይኰነስ መጋበርያ ናይ ሓድነትን ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኣሕዋትን ዘራኽብ እዩ ሓደራ ቢሎም፦ “ስም ጐይታ ምጽዋዕ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምዕጻው ምኽንያት ዘይኮነስ ልባትና ናብቲ ሓደን ሃብታማትን ንዝገብር መገዲ ዝኸፍት እዩ። እቲ ብዙሕነት ሃብቲ ምዃኑ ተረዲእና ክንነብሮን እቲ ካባና ዝተፈልየ ሓው ምዃኑን ብፍቕሪ ክንቕበሎን መታን ዘብቅዕ ሓድነት ክርስቲያን እግዚኣብሔር ንለምን” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.