2014-01-21 16:11:08

ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ቀዳምነትን ሲኖዳውነትን


RealAudioMP3 ኣብ መንጎ ቅዱስ ጴጥርሳዊ ቀዳምነትን ሲኖዳውነትን ዘሎ ርክብን ፍልልይን ኣብ ካቶሊካዊ ቲዮሎጊያን ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያ ንሓድነት ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣሚቱ ንዝካየድ ምይይጥ ማእከላውን መሰረታዊ ብዙሕ ጥንቃቔ ዝሓትት ተኣፋፊ ሕቶ ምዃኑ ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣባል ናይ ኮርፉ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዮኣኒስ ስፒተሪስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብምኽንያት እቲ ዕለት 18 ጥሪ ዝተጀመረን ዕለት 24 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ዝፍጸም ዓመታዊ ናይ ሓባር ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን መደብ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፦ እቲ ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሓድነት ኣሚቱ ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ሲኖዳዊነት ንገዛእ ራእሱ ናይቲ መሰረት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ጐይታ ድላይ እዩ። ስለዚህ ሸለል ዝበሃል ቲዮሎጊያዊ ርእሰ ጉዳይ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግን እዚ ሲኖዳውነት ምስቲ ባዕሉ ጐይታ ዘቖሞ ቀዳምነት ቅዱስ ጴጥሮስ ተወሃሂዱ ክኸይድ ኣለዎ፣ ኣብ መንጐ ሲኖዳውነትን ቀዳምነት ጴጥሮሳውነትን ምንጽጻግ የሎን፣ እዚ ንምንባር ግን ቀሊል ኣይኰነን፣ ጳጳሳዊ ጉባኤ ሲኖዳዊ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝእከብ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመክር እዩ። ጸዋዒዑን ወሳኒኡን ተኽታሊ ቀዱስ ጴጥሮስ ምዃኑ ምርዳእ ድማ የድሊ ምስ በሉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብፁዓን ጳጳሳትን እዚ ክልቲኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅዋሜኡ ዝተረጋገጸ ጴጥሮሳዊ ቀዳምነትን ቀዋሚ ሲኖዳዊ ኣካልን ተሳንዩን ተሰማሚዑን ክኸይድ ድላይ ጐይታ እውን እዩ። ግብረኣውን ፈጻምን ስሉጥን ሲኖዳዊ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ብሓባር ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ብተራን ልሙድን ሲኖዶስ ኣቢሉ ዝውስን እዩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ ናይ ክልትኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ድርገት ዘካይዶ ጉባኤ ሰፊሕን ዓሚይቕን ዘተ ተገይርሉ እዩ። ካብ ዕለት 15 ክሳብ ዕለት 23 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ሰርቢያ ዝካየድ ጉባኤ፣ ስምምዕ ክግበርሉ ኣብ ትጽቢት ዘሎ ናይቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተቐሪቡ ከምዘሎ ገሊጾም።
ኣብቲ ሓደ መታን ክዀኑ ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ምንጻሕ ታሪኻዊ ተዘክሮ ይዛረብ፣ ስለዚህ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተነብረን ኣብዚ እዋን’ዚ ዓብይ ጽልዋ ዘለዎ ተጎልቢቡ ዝተረፈ ዘይምርድዳእ ክነጽሕ ኣለዎ፣ ስለምታይ ምስቲ እውነተይና ዘይልወጥን ዘይሕከኽን ቲዮሎጊያዊ ዓንቀጽ ርክብ ምስ ዘለዎ ሕቶ ዘራኽብ የብሉን፣ ስለዚህ እቲ ንኽልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘቃርብን ሓደ ዝገብርን ካብቲ ዝፈላልይ ኣዚዩ ዓሚይቕን ብዙሕን እዩ፣ ከምዚ ብዃኑ ድማ ልባዊ ዘተ ዝሓትት እዩ፣ ስለዚህ ናይ ኣመለኻኽታ ምልዋጥ እቲ ዘሎ ዝፈላልይ መንነት ሕድ ሕዳዊ ምቅብባል ዘድልዮ እዩ። እቲ ፍልልይ ተገራጫዊ ዘይኮነስ ዝማላላእ እዩ፣ ኣብ ግሪክ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓቢይ ፍቕሪ እዩ ዝግለጽ ዘሎ፣ ናይታ ሃገር ዕለታዊ ጋዜጣታት ብዛዕባኦም እወታዊ ሓተታ ከየቕረቡ ኣይሓልፉን፣ እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ዝዓዪ ምዃኑ ዝምስክር እዩ፣ እቲ ዘሎ ፍልልይ ተስፋ ከየቑረጸና መታን ምጽላይ የድሊ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.