2014-01-16 16:11:34

ቅድስቲ መሬት ትጽቢት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ


RealAudioMP3 ናይ ቤተ ልሔም ከንቲባ ቨራ ባቡን ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 26 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መሬት ንኽፍጽምዎ ዝወሰንዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት፣ ምስ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተራኸብኩ ቀሪበ ሰላም ኢና ንደልይ፣ ሰላም የድልየና ኣሎ” ዝብል ቃል ከካፍሎም እምነ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ተወሲኑ ዘሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ቤተ ልሔም ኣብታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወለደላ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከምዝኾኑ እንክምልከት እዚ ድማ ይብሉ እቶም ከንቲባ፦ “ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና በይንና ከምዘይኰንና ዘረጋግጽ ኩነት እዩ”። ብሓቂ ኣዚዩ ዓቢይን ኣገዳስን ምብጻሕ እዩ፣ ቅዱስነቶም ዝብልዎን ዘቕርብዎን ስልጣናዊ ምዕዳንን ስብከታቶም ከምእንትከታተሎ ንናይ ኵሉ ሕዝቢ ልቢ ዝትንክፍን ዝማርኽን እዩ፣ ኣብ ቤተ ልሔም ነዘስምዕዎ ዘረባን ምዕዳንን ስብከትን ብሓንቀውታ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ መሬት ድሕሪ ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ዝጅመር ናይ ሰላም ዘተ ዝፍጸም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝህልዎ መልእኽቲ እዚዩ ዓቢይን ዓሚዩቕን ከምዝኸውን ኣመልኪቱ፣ መንፈሳውያን ነጋዶ ቅዱሳት ሥፍራን ዓበይቲ ድኳናትን ዝብጽሑን ዝርእዩን ጥራሕ ዘይኰኑስ ናይ’ቲ ከባቢ ሕዝቢ ናብራን መነባብሮን እንታይ ከምዝመስልን፣ ስእነት ሰላም ክሳብ ክንደይ ዓቕሊ ከምዘጽብብ እውን ቀሪቦም ክዕዘቡ ከንቲባ ባቡን ከምዝዓደሙ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግልቶ፦ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ምስ ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ ሰላም ዘተ ስምምዓት ጉዳይ ሓላፍን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ኰይኖም ን 12 ዓመት ዘገልገሉ ናቢል ሻኣት ናይ ኣልፋታህ ማእከላዊ ኰሚቴ ኣባል፦ “ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓቂ ንናይ ሰላም ጉዕዞን ንክርስትያን ፍልስጥኤማውያን ዓቢይ ደገፍን ጽንዓትን ከምዝኸውንን ናይ ቅድስቲ መሬት ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ንስደት ኣብ ሃገሩን ንኽነብር ዘተባብዕ ከምዝኸውን እምነተይ እዩ” ከምዝበሉ ሓቢሩ።
“እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መንፈሳዊ ጥራሕ ዘይኰነስ ንናይ ማእከላይ ምብራቕ ምርግጋጽ ሰላም ዓቢይ ተስፋ ዘነቓቕሕን እተን ዓበይቲ ሰለስተ ሃይማኖታት ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ዘለወን ግደ ዘነቓቕሕ እውን ከምዝኸውን በዓል ዓቢይ ተስፋ እየ” እንክብሉ ሻኣት ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.