2014-01-16 17:06:22

ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ወትሩ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ።ፓፓ ፍራንቸስኮ አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ሚስጢረ ጥምቀት ዘተኮረከም ዝነበረን ሚስጢረ ጥምቀት ካብ ዕስራ ክፍለ ዘመናት ንኹሉ ትውልዲ እምነት አብ እግዚአብሔር ዘበሰረን ዘስረጸን ከም ዝኾነ አገንዚቦም።ዝሕለፈ ሮቡዓዊ ተምህርተ ክርስቶስ አብ ሚስጢረ ጥምቀት ዘተኮረ ከም ዝነበረ ይዝከር ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ጃፓን ዘኪሮም አብ መበል 1600 አብ ጃፓን አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝአምን ዝነበረ ህዝበ ክርስትያን ይሳቀን ይቅተልን ይሳደድን ከም ዝነበረ ካህናት ካብታ ሀገር ከም ዝተሰጉ ዘኪሮም አተሐሒዞም ቅድሚ 250 ዓመታት ቤተ ክርስትያን ጃፓን እምነታ ብምዕቃብ ክትሕባእ ከም ዝተገደደት ካህናት ስለ ዘይነበሩ ወለዲ ንሕጻናት ሚስጥረ ጥመቀት ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ጠቂሶም አመልኪቶም።ድሕሪ ክልተ ዘመናት ቤተ ክርስትያን ጃፓን ወግዓዊ ስርሐ ክትጅምር ከም ዝክአለትን ከም ዝዓንበበትን ክአ አገንዚቦም።ቤተ ክርስትያን ጃፓን ክትቅህም ዘይክአለት ወላዲ ንውሉዱ እምነተ ሃታምኖት የተሐላልፈሉ ስለ ዝነበረ ከም ዝኾነ ገሊጾም።እዚ ተርእዮ”ዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሐውርያቱ ከጠምቁ ካብ ዝልአኸሉ ግዜ ጀሚሩ ዝርኤ ዝነበረ ከም ዝኾነ ክአ አፍሊጦም።እምነተ-ሐረግ ካብ ትውልዲ ናብ ካልእ ትውልዲ ዝተሐላለፍ ከም ዝኾነን እዚ ብሚስጢረ ጥመቀት ዝተአሳሰረ ከም ዝኾነን ክአ ፓፓ ፍራንቸስኮ አመልኪቶም።ሚስጢረ ጥምቀት ዝተቀበለ ኹሉ ልዕከ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝኾነ ምርዳእን አብ ግብሪ ምትርጓምን ከም ዘድሊ ክአ አፍሊጦም።ህብዝ እግዚአብሔር ብተፈጥርኡ ኩሉ ሚስዮናዊ ከም ዝኾነን እምነቱ አጺዑ ብምሐዝ ንትውልዲ ዘተሐላልፍ ከም ዝኾነ ጠቂሶአም እነሆ”ዚ ንልዕሊ ክልትየ ሺሕ ዓመታት ዝተኻየደ መስርሕ ከም ዝኾነ ክአ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ነጊሮም።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝተአከበ ህዝበ ክርስትያን ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዝሀብሉ ግዜ አተሐሒዞም ፡ ምናልባት ካባኻትኩም ገሊኹም ዋእ አባቴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳት ኩሉ ይፈልጡ ይኾኑ ግን ሐዋርያት አይኾኑን ትብሉ ትኾኑ ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳትን ሐዋርያት ኢዮም እንድሕሪ ንሳቶም ሐዋርያት ዘይኮኑ ድአ”ሞ ነቲ እምነት መን ከተሐላልፎ ስለዚ ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ጳጳሳት ካህናት ምእመናን ሚስጢረ ጥመቀት ዝተቀበሉ ኩሎም ሚስዮናውያን ማለት ዜና ሰናየ ቅዱስ መጽሐፍ ንዓለም ከበስሩ ትሑዛት ከም ዝኾኑ ክንርዳእን ክንግንዘብን ይግብአና ኢሎም።አብ መወዳእታ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝነበሩ ካብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌምን ዮርዳኖስን ዝመጹ ምእመናን አተኲሮም ቤተ ክርትያን ጃፓን ነ400 ዓመታት ጸገማት ከም ዝተጻወረትን ድሐር ግን ከም ዝዓንበበት ተዓዚብና ስለዚ እምነተ ሃይማኖት ብዙሕ ሽግርን ስቃይን ጸገምን ምጽዋር ከም ዝሐትት አመልኪቶምሎም። ቤተ ክርስትያን ናይ ስቃይን ምስዳድን ፈተና ከጋጥማ እንከሎ እቲ ኹሉ ስቃይ አብ እምነትን ሐደራን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ትምስርት ክአ ፓፓ ፍራንቸስኮ አመልኪቶም። አብ መወዳእታ ክአ ነቶም አብ ቅርዓት ቅድስ ጰጥሮስ ዝተረኽቡ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ሰላም ኢሎም ጽቡቅ መዓልቲ ተመንዮምሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.