2014-01-16 16:04:30

ሃገረ ቫቲካን፦ መበል 90 ዓመተ ልደት ብፁዕ አቡነ ገዮርግ ራትዚንገር


RealAudioMP3 ዕለት 15 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ዓቢይ ሓው ቅዱስነቶ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲቶስ መበል 16 ብፁዕ አቡነ ጊዮርግ ራትዚንገር መበል 90 ዓመት ዕድሜኦም ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝነብርሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ገዳመ ኣኖ ቤተ ክርስቲያን ብግረጐሪያን መዝሙር ብዝተሰነ ብሓባር ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብፁዕ ኣቡነ ገዮርግ ራትዚንገር ተዓጂቦም ብዝሰርዕዎ ናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተብዓለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ዝዓረገ ናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ባቭየራ ባህሊ ዘንጸባርቅ ናይ ልደት ዓመት መዝሙራት ተሰሚዑን ቁርሲ ቀሪቡን ድሕሪ ቐትሪ ንኽብሪ ብፁዕ ኣቡነ ገዮርግ ራትዚንገር ናይ ምሳሕ መኣዲ እውን ቀሪቡ ምስ ተቛደሱ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ርብዕን ኣብ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ጨንፈር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ለዮነ ሻምናይ ፊት ኣብ ዝርከብ ጀርዲን ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ምርኢት ብናይ ቀረባ የዕሩኽ ብፁዕ ጊዮርክ ራትዚንገር ተሰንዮ ከምዝቐረበ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ዝቐረበ ናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴን ናይ ቁርስን ምሳሕን ምርኢት ውሁድ ጥዑም ሙዚቃን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ገራርድ ሚዩለርን ናይ ረገንስቡርግ ልሂቅ ጳጳስን እቲ ክሳብ 1994 ዓ.ም. ብብፁዕ ጊዮርክ ራትዚንገር ዝማራሕ ዝነበረ ናይ ራትስቦና ዘማርያን ጉጅለ ከምእተሳተፉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.