2014-01-14 16:58:12

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ተቀቢሎም ፡ ርሑስ ሐዲሽ ዓመት ተመንዮምሎም ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ሐዲሽ ዓመት አብ ቅድስት መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት አብ ቫቲካን ሐዋርያዊ አዳራሽ ተቀቢሎም ርሑስ ሐዲሽ ዓመት ተመንዮምሎም ። ቅድስቲ መንበር ምስ 180 ሀገራት ዓለም ዲፕሎማስያዊ ምትእስስሳር ከም ዘለዋ ይዝከር ።አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ልዕልት ሞናኮ አምባሳደር ጂን ክላውደ ሚሸልብስም አምባሳደራት ንፓፓ ፍራንቸስኮ እንቋዕ ን2104 ብሰላም አብጻሐኩም ብማለት ዲስኩር ጌሮም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ተቀቢሎም ርሑስ ሐዲሽ ዓመት 2014 ተመንዮም አብ ስርሖም አሳልጦ ክረኽቡ ተመንዮምሎም። ቀጺሎ አብዚ እዋን”ዚ አብ ህውከት ዝርከባ ሀገራት ከም ሶርያ ዒራቅ ማእከላይ አፍሪቃ ረፓብሊክ ናይጀርያን ካልኦትን ዘኪሮም ዝስምዖም ሐዘን ገሊጾም። ባህሊ ሸለልትነት ተገቲኡ ናይ ምትሕብብባር ባህሊ ንጽጉማት ናይ ምርዳእ ባህሊ ሰላምን ምትሕብባርን ክሰፍን ከም ዝግባእ ክአ ፓፓ ፍራንቸስኮ አተሐሳሲቦም።አተሐሒዞም ሰላምን ዕቀባ መሰረታዊ መሰል ሰባትን አልዒልም ፡ኩሉ ሰብ ናይ ምዝታያን ናይ ምትሕልላይን ባህሊ ከማዕብል ከም ዝግባእ ጠቂሶም ፡ እዚ ንህንጸተ ሰላም ዓቢ አስተዋጽኦ ከም ዘለዎ አመልኪቶም።
አብዚ ዝሐለፈ ዓመት 2013 አብዚ ሐዲሽ ዓመት ከይተረፈ አብ ዝተፈላለያ ሀገራት ዓለም ሕይወት ሰብ ብኸንቱ ክሐልፍ ንብረት ክበርስ ከም ዝርኤን እዚ አዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ ከም ዝኾነን አገንዚቦም። ብጠንቂ”ቲ አብ ሶርያ ዚካየድ ዘሎ ህውከትን ግጭትን ዘኪሮም አብ ሶርያ ሰላም ክወርድ ህዝቢ ሶርያ ብሰላም ክነብር ጻዕሪ ኩሉ ሰብ ከም ዘድሊ አተሐሳሲቦም።አብቲ አብ ዝሕለፈ ቀረባ ግዜ ምእንቲ አብ ሶርያ ሰላም ክወርድ ዝአወጅዎ ዕለተ ጾም ንዝተሐባበርዎም ሰባት ኩሎም ክአ በዚ አጋጣሚ”ዚ ከምስግን ይደሊ ኢሎም ፓፓ ፍራንቸስኮ።አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥሪ ዕለት 22 አብ ስዊስ ከተማ ጀነቭ ዘተ ሰላም ክካየድ ተመዲቡ ከም ዘሎ ዘኪሮም ሰላም ዘምጻ ዕዉት ዘተ ሰላም ክኸውን ከም ጽልዩን ተስፋ ከም ዝገቡን ክአ አመልኪቶም።
ብጠንቂ”ዚ አብ ሶርያ ንነዊሕ ግዜ ዝተኻየደን ገና ዘይተገትኤን ግጭት በማእት አሽሐት ዝቁጸር ህዝቢ ሕይወቱ ከም ዝስአነ ክንድኡ ዝኸውን ክስደድ ከም ዝተገደደ ብፍላይ ሕጻናት ደቀንስትዮ ሽማግለታት አብ ሕማቅ ኩነታት ከም ዝወደቁ ዘኪሮም እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ከም ዝኾነን ክግታእ ዘለዎ ነገር ከም ዝኾነን ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም አብ ቫቲካን አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ተቀቢሎም ዘዘራረብዎም አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት ገሊጾምሎም።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም እብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት አብ ዝገበርዎ ዲስኩር አተሐሒዞም ፡ ሊባኖስ ዮርዳኖስን ካልኦት ጐረባብቲ ሀገራትን ንበማእት አሽሐት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ሶርያ ተቀቢለን ምስትእንጋደን ክምስገና ይግብኤን ኢሎም።አብ ግብጽን ዒራቅን ዝርኤ ዘሎ ዘይምርግጋእ ክግታእ ተስፋ ከም ዘለዎም ጠቂሶም አብ ሞንጎ ፍሊጥኤማውያን ንእስራኤልን ዚካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ነቲ ታሪካዊ ግጭት ክልቲኦም ወገናት ዝገትእ ሰላምን ተስፋን ዝህብ ክኽወን ዘለዎም ዓብ ሀረርታ ክአ ገሊጾም።ሀገራት ሐቆፍ ማሕብረ ሰብ ነዚ መስርሕ ሰላም”ዚ ግቡእ ቆላሕታን ምትሕብባርን ክገብረሉ ክአ ተማሕጺኖም ። ብጠን”ቂ ስእነት ሰላም ካብ ማእከላይ ምብራቅ ካብ ሀገሮምን ቤት ንብረቶምን ዝዘናበሉ ዘለዉ ማሕበረ ሰባት ክርስትያን ምስክርነት ፍቅሪ እግዚአብሔር ከርእዩን ነቲ አብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ስቃይ ብሰላም አብ ምግትኡ እጃሞም ከበርክቱን አተሐሳሲቦም።አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም አብ ማእከላይ ረፓብሊክ አፍሪቃ ዜካየድ ዘሎ ህውከትን አብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ሞትን ስቃይን መከራን ፍጹም ዘሕዝን ከም ዝኾነን ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘኪሮም ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ እዚ ግጭት”ዚ ዝግትአሉ ኩነታት ደልዩዩ ክረክብ ሰብአዊ ረዲኤት ከቅርብ ተማሕጺኖም ። ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ማእከላይ ረፓብሊክ አፍሪቃ ሰላም ክሰፍን ዝክአላ ኹሉ ትገብር ከም ዘላ ጠቂሶም ተቅዋማት ረዲኤት ቤተ ክርስትያን ምስቲ አብ ስጝር ዝወደቀ ህዝቢ ክተሐባበራ አተሐሳሲቦም ። አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም አብ ሕማቅ ኩነታት ዘርከባን ሰብአዊ ረዲኤት ዘድልየን ሀገራት ማሊ ደቡብብ ሱዳን ናይጀርየ ከም ዝኾና ክአ አመልኪቶም። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ አምባሳደራት አብ ቫቲካን አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ተቀቢሎም ሐዲሽ ዓመት 2014 ዝተመንይሎም አምባሳደራት አብ ዝገብርዎ ዲስኩር ቀጺሎም ፡ አብ ዝሕለፈ ቀረባ ግዚ ካብ ቀርኒ አፍሪቃ ተሰዲዶም ንኢጣልያ ክአትዉ አብ ባሕሪ ጥሒሎም ሕይወቶም ዝስአኑ በማእት ዝቁጸሩ ሰባት ዘኪሮም እዚ ንርእሱ ዘሕዝን ፍጻሜ ከም ዝኾነን ንደሴት ላምፐዱሳ ተጓዒዞም ምስቶም ብሕይወቶም ዝተረፉ ከም ዝተራኸቡ አዘኻኺሮም። ብተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ህቦብላ ንፋስ ሕይወቶም ዝስአኑ ዜጋታት ፍሊፒን ዘኪሮም ክአ ምእንቲ ኩሎም ግዳያት አብ መላእ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ምእንቲ ክሰፍን ከም ዝጽልዩን ክአ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.