2014-01-14 16:02:01

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 22 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ክትረክብ ምዃና ከምዝገለጹ ክምልከት እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ነዞም ካርዲናል ንኽኾኑ ንዝሰመይዎም 19 ብፁዓን ጳጳሳት፦ “ማዕርገ ካርዲናልነት ስልጣን ሹመት ክብሪ ወይ ድማ ስልማት ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ኣመለኻኽታኻን ጠመተኻን ልብኻን ሰፊሕ ክትገብር ዝሓትት ዓይነት ኣገልግሎት እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ብፁዕ ካርዲናል ኣርሒቕካ ንኽትጥምትን ኵላውነት ምፍቃር ከተዕብን ዝብል ኣብ ጎደና ጐይታ ክትርከብን ነቲ ገዛእ ራእስኻ ትሕት ናይ ምባል ትሕትናን ምሕረትን ኣገልጋሊ ንኽትኸውን ዘመልክት መገዲ ጐይታ ክትስዕብ ዝጽውዕ ኣገልግሎት እዩ” ቢሎም ንነፈሲ ወከፍ ሓደሽ ብፁዕ ካርዲናል፦ “እዚ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ካርዲናል ቢላ እትህበካ ስሚየተ ኣገልግሎት ብገርሄይናን ትሑትን ልቢ ተቐበሎ፣ እዚ ብፍስሃን ሓሴትን ክትነብሮ እትደልይ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ስምየት ካብ ዓለማውነትን ናይ ዓለምን ካብ ናይ ምዃን ፈተናን ብናይ ዓለማውነት ኣነባብራ ካብ ናይ ምንባር ኣገላልጻ ፈሊኻ ክትነብሮን ካብ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዕቱብን ጥንቁቕን ብድኽነትን ርእሰ ቍጽጽርን ካብ ዝብል ወንጌላዊ መንፈስ ኣቢልካ ካብ ክብርን ምስታፍ በዓላትን ብምርሓቕ ክንበሮ ዝተጸዋዕኻ ኢኻ” ቢሎም፣ ነቶም ሓደሽቲ ብፁዓን ካርዲናላት ቅድሚ ዕለት 23 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ንኽልተ መዓልቲ ማለት ዕለት 20 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዝጅምር መንፈሳዊ ኣስተንትኖ ብሰላም ኣብ ሃገረ ቫቲካን የራኽበና ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ስሜተ ብፁዓን ካርዲናላት ዕለት 23 ለካቲት ኣብ ዕለት ዓቢይ በዓል ባዚሊካ ቅዱስ ጴርጥሮስ ዝፍጸም ምዃኑ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.