2014-01-02 12:13:18

ናይ ቅዱስ ኣቦና ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ዕለት 01 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ፊት ኰይኖም እቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸር መእመናን ኣብ ዝተሳተፍሉ ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ከምዘዕረጉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
“ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽተይ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ክርስትያን መልእኽቲ እምበር ናይቲ ዝጅመር ናይ ስሩዕ ፍጻሜታት ዙረት መሰረት ዝገበረ ሰራይ ወይ ድማ ነሲባዊ ምንዮት ኣይኰነን” ምስ በሉ እቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ዘኪሮም፦ ንሱ እዩ ኣብ ጐደና ክርስትናን ታሪኽን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢልና ክንጓዓዝ ንቕድሚት ዝድርኸና” በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሕውነት መሰረትን መገድን ሰላም እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ጥሪ ሓደ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ጠቒሶም፣ ኩላትና ደቂ ሓደ ኣቦ፣ ወገን ሓንቲ ስድራን ሓደ ናይ ሓባር ዕድሎት ዘለዎምን እቲ እንነብረሉ ዓለም ምስቲ ዘለዎ ኅብረኣውነትን ብዙህነትን ዝከባበሩን ዝቀባበሉን ንሓድ ሕዶም ዝተሓላለዩን ናይ ኣሕዋት ማሕበረሰብ ክትኸውን መታን ክዓዩ ዝተጸዋዕና ምዃንና እንክገልጹ፦ “ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ተገዳስነት ሸለልተይናነትን ክንምልከቶ ዘይንኽእለሉ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ናይ ዝኽሰት ዓመጽን ኢፍትሓውነትን ተሓተቲ ኢና እሞ ቅኑዕን ጽኑዕን ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሕትትን ናይ ኵሉ ጻዕሪ የድልዮን” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂስቲ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ዝነብር ብቆራጽነት ኣብ ጎዳና ፍትሕን ሰላምን ብሓባር ክጓዓዝ ዓዲሞምን ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ እግዚኣብሔር ክድግፈና ተማሕጺኖም፦ “ብርግጽ ሰላም ሓይሊ ሕያዋይነትን ብልሕን ናይቲ ኣብ ሓቅን ፍቕርን ዝቖመ ዘይጎነጻዊ ሓይሊ ይሓትት” ስለዚህ ሰላም ካብ ቤት ዝጅምር ብምዃኑ ድማ፦ “ፍትሕን ሰላምን ኣብ ቤትን፣ ኣብ መንጐናን፣ ሰላም ካብ ቤት ጀሚሩ ናብ ኵሉ ዝበጽሕ እዩ። ምእንቲ’ዚ ሰላም ካብ ቤትና ንጀምር” ፣ እቲ ወንጌላዊ ሕውነት ዝዕንቅጽን ዘሰናኽልን ተጻባእቲ ብምዃን ሰብኣዊ ሕውነት ከየስተውዕል ዝጋርዶ ፈላላይ መንደቕ ክእለይ ንኣማልድነት ማርያም እንከማሕጽኑ፦ “ኣብ ልዕሊ ፈተና ሕነ ምፍዳይን ትዕቢትን ምግባረ ብልሽውናን ትብዓት ዘተን ዕርቅን ሓለፋ ክህልዎ መታን ናይቲ ብውግእን ዓመጽን ዝተረግጸ ሕዝቢ ኣውያት ሰላም ነታ ኣደነታ ናብ ኩሉ እተስፍሕ ነወክፎ” ምስ በሉ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ነዘመሓላለፉሎም መእኽቲ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ጠቂሶም ብምምስጋን ሕዝቢ ኢጣሊያ ብናይ ዚጋታት ኣስተዋጽኦ መጻኢ ብተስፋን ተኣማንነትን መታን ክምልከት ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣመሓላሊፎም ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዓለም ሰላም መታን ክረጋገጽ ኣሚቱ ዝተፈጸሙ ናይ ጸሎት ተበግሶታት ኣመስጊኖም፣ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.