2014-01-02 12:25:14

ብራሰልስ፦ ስድራ ቤት ኣብ 21 ክፍለ ዘመን


RealAudioMP3 ኣብ ኤውሮጳ ስድራ ቤት ንሓደ ጥዑይን ምዕቡልን ሕብረተሰብ መሠረት ትሕቲ ቅርጺ እዩ ዝብል እማኔ ምሉእ ተቐባልነት ዘለዎ ከምዝኾነን ካብዚ ናይ ሓባር ረቋሒ ኣምር ዝነቐለ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ስድራ ቤት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣስተንትኖ ዕለት 7 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤተ ጸሎት ብናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳታ ኣባይቲ ምክሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ፓትሪክ ዳልይ ተመሪሑ ዝካየድ መንፈሳዊ መደብ ከምዝተሓንጸጸ ብረዳ ኦብረይን ኣብ ዘ ኣይርሽ ታይምስ እተሰመየ ናይ ኣየርላንድ ዕለታዊ ጋዜጣ ካብ ዘቕረብዎ ዜና ርእሰ ዓንቀጽ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ኣባ ዳልይ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ናይ ቤተሰብ መሰረት ረቛሒታቱን ምስ ሕብረሰብ ዘለዎ ርክባትን ብዑምቆት ዝርእይ ከምዝኾነ እቲ ናይ ኣየርላንድ ጋዜጣ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ዕለት 7 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ዝካይድ መደብ ኣስተንትኖ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ “ኤውሮጳ፣ ፖሊቲካን ካልኦትን…” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝሓንጸጾ ዓመታዊ መደብ ኣስተንትኖ ክፍሊ ምዃኑ ዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ቅድም ክብል ኣብ ናይ ሓባር ጥቅምን ድሕነትን ስደተይናታትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ኣስተንትኖ ከምእተኻየደ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.