2013-12-21 16:01:39

ሃገረ ቫቲካን፦ ናይ መወዳእታ ስብከት ዘመነ ምጽኣት “ወትሩ ንድኻታት”


RealAudioMP3 ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝተመርሑ ንመላእ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ብሓባር ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ብሰባኬ ቤተ ጳጳሳት ኣባ ራይነሮ ካንታላመሳ ዝምራሕ ናይ ኣስተንትኖ ስብከት ቀጺሉ ናይ ሸለልተይናነትን ዘይምግዳስን ሓሓሊፍካ ድኻታት ምዝካር ካብ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ናጻ ምዃን” ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ “ብዕይንቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝስትንተን ምስጢረ ትስብእት” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ስብከስት ዘመነ ምጽኣት ትማሊ ዕለት 20 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ከምዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣመ መድሃኔ ዓለም ዝተካየደ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፦ “ንድኻታት ገዛእ ርእሱ ንኣኦም ብምምስሳል ንምቕባልን ንምእንጋድን ድልዉ ዘይኮነ ምሉእ ብምሉእ ክርስቶስ ክቕበልን ከእንግድም ዘይከኣሎ እዩ” ዝብል ዓሚዩቕ ሓሳብ ዘጠቓለለ ድኽነት ብምስጢረ ትስብእት ዘስተንተነ ኣብ ድኽነት ዘተኮረ ስብከት ከምዝነበረን ኣባ ካንታላመሳ፦ ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ምስጢረ ስጋዌ፣ ስጋና ለቢሱ ዝመጸ ክርስቶስ ‘ገዛእ ርእሱ ድኻን ትሑትን ስቑይን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ገዛእ ርእሱ ድኻን ትሕትናን ኮይኑ ነቶም ዝሳቐዩን ድኻታትን ትሑታትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘለለየን እዩ። ኣብቲ ድኻ ኢየሱስ ምልላይ ኣብ ኢየሱስ ድኻታት ምልላይ፣ ዝብል ምስጢረ ትስብእት” ምዃኑ ከምዝተንተኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“ድኻታት ናይ ኢየሱስ ኣእጋር እያቶም፣ ድኻታት ኅየንተ ክርስቶስ እያቶም፣ ስለዚህ ድኻ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ እዩ። ኅየንተ ክብል እንከለኹ ብበዓል ቤታዊ ንጥፈት ደረጃ ዘይኮነስ፣ ማለት ድኻ ዝገብሮ ክርስቶስ ዝገበሮ ዝብል ሓሳብ ዘስምዕ ማለት ዘይኰነስ እቲ ንድኻታት እንገብሮ ንኽርስቶስ ከምእንገብሮ ዘስምዕ ተግባር እዩ” ምስ በሉ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ቤተ ድኻታት” እንክብሉ እንክገልጽዋ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፣ ማለት ቤት መላእ ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁ ድኻታት ዓለም ምዃና ዘስምዕን ድኽነቶም ስቓዮምን ናይ ደም ጥምቀት ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፣ ኩሉ ኣባል ቤተ ክርስቲያን እዩ። እዚ ድማ ብዚሒ ኣባላት ቤተ ክስቲያን ከምቲ ብኣሃዛዊ ጭብታት ዝወሃብ መግለጺ ዘረጋግጾ ከምዘይኮነ ኣባ ካንታላመሳ፦ “ር.ሊ.ጳ. ናይ ክርስቶስ ኅየንተ ብሓቂ ‘ኣቦ ድኻታት’ ጓሳ ናይቲ ኣዚዩ ብዙሕ መጓሰን እቶም ኣዚዮም ናይ ትሑታት ትሑታን ኣዚዮም ዝግደሱን ኣብ ልቦምን ብልቦምን ናኣኣቶም ዘገልግሉ ምዃኖም ክንደይ የሕጉስ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ወንጌላዊ ሃሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዘንበርዎ ቅርጺ ስብነት እዋናዊ ሕብረተሰብ ኣብ መንጐ ድኻታትን ርኹብን ድሩብ ፈላላይ መንደቅ ዝተነብሮ የመስል ዝበልዎ ሓሳብ ኣባ ካንታላመሳ ጠቒሶም፦ “ኣንሕና ድኻታት ብድሕሪ ምርኢት ተለቪዥን ከእውዩን ከልቅሱን ብጥምየት ክሳቐዩን የዕይንቶም ዝብሉና ንርእይ፣ ኣውያቶም ግና ርሑቕ ዘሎ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓና፣ ልብና ፈንጢሱ ዘይኣትው ኰይኑ ይተርፍ…..” ምስ በሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንኸይውለዱ ምእንቲ ዝኽልከሉ ሕንጻናትን ኣረጋውያንን ጥዕኡም ሞት ንኽመቱ ምእንቲ ዝድረኹ ሕሙማን ኣረጋውያንን ንውግእን ዓመጽን ዝዳረጉን እቶም ምእንቲ ረብሓ ሃብታም ሃገራት ኣብ ዝመሃዝ ወግእ ዝዳረጉ ሕጻናት ወተሃደራትን ግዳም ሓደር ሕጻናትን ዜጋታትን ብቑርን ኣስሓይታን ንሞት ዝዳረጉን ንበክን ምእንታኦም ንጣበቕን፣ ግብእ እዩ፣ ክርስቲያን ምእመን ነዚኣቶም መንግስቲ ብሕግታቱ ክድግድፎም ናይ ሕዝቢ ኣነባብራ ክልውጥ ምሕዳግ ክንብል ዘይግባእ ምዃኑ እንከመልክቱ፦ “ቅድም ቀዳድም እቲ ካብ ድኻታት ዝፈልይ መንደቕ ምፍራስ፣ ነቲ ዘሎ ሸለልተይናነትን ዘይርትዓውነትን ምውጋድ፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝብሉና ድኻታት ምስትውዓልን ከምዘለዉ ምስትውዓሎምን ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ እዩ። ስለዚህ ንድኻታት ምፍቓሮምን ኣብ ምድጋፎምን ምርኻብምን ወንጌል ምብሳርን እዩ ዕላማና፣ ድኻታት ምፍቃር ማለት ምኽባሮም ሰብኣዊ ክብሮም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ። ሓዜነታን ምትኳብን ኣይኮነን ዘድልዮም ከነድንቖም እውን እዩ ዝግብኣና፣ ብሓቂ ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብቓልን ሕይወትን ዘስተምሃረና ቀዳሞት ተዓወትቲ ሰብኣዊ እያቶም፣ ኣሕዋትና እያቶም። እዚ ድማ እምነት ክርስትና ኣብ ዓለም ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ምውጋድ ድኽነትን ዓቢይ ተራ ከምዘለዎን እቲ ጥሪ ሓደ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ‘ሕውነት መሰረትን መገድን ሰላም እዩ’ ዝብል ኣርእስቱ ይምዕደና” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“እቲ ዘይቕኑዕን ፈጺሙ ቅኑዕ ክኸውን ዘይክእል ዓቢይ ዘሕፍር ተግባር ዝኾነ ኣብ መንጐ ሃብታምን ድኻን ዝርእየ ፍልልይ ምውጋድ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እቲ ዝዓበየን ሕጹጽ ሓላፍነት ኩሉ ክኸውን ኣለዎ” ምስ በሉ ኣስዒቦም ኢየሱስ ወንጌል ንድኻታት ምብሳር ቀንደይና ተልእኾኡ ምዃኑ የለልይ፣ ስለዚህ እቲ ፍቕሪ ንድኻታት ዝብል ቃል ብስራት ክሰምዑ ዘየማትእ ተልእኮ ክርስትያናዊ እምነትና እዩ። እዚ ማለት ድማ ድኻታት ምጽላእ ማለት ኣይኰነን፣ ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ክሓስብን ከፍቅርን፣ እዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዝተጸዋዕና ከምዝኾንና እንከመልክቱ፦ “እቶም ‘ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናቶም ኣያ እሞ ብፁዓን ኢያቶም’ እንክብል ክርስቶስ ድኻታት ቀዳሞት ናይ ወንጌል መዓልቦ ምዃኖም ዘረጋግጾ ሓቂ ዘይምኽባርን ድኻታት ኣስፍሆተ ወንጌል ምሕራምን እቲ ዝዓበየ ኢፍትሓዊ ተግባር እዩ” ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ በዓለ ልደት ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ድኽነት ንምንባዕን ምብካይን ዘይኮነስ እቲ ንድኻታት ንምፍቃር ዝድርኽ ፍጹም ምኽንያት ዝኾነ ትስብእቲ ኣብ ልባትን ዝነቓቕሖ ዓቢይ ሓጐስን ኣብ ልባትና እቲ ፍቕሪ ክወዓዋዕ ዘብቕዕ ምኽንያት ዝበዓለሉ ዕለተ እውን ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ዘመነ ምጽኣት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.