2013-12-19 16:09:11

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፈለማ ሓዋርያዊ ብጻሕ ዘካየድሉ ስፍራ ኣብ ኢጣሊያ ኣብቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መዕቆቢ ዝኾነ ደሴት ላምፔዱሳ ከምዝኾነ እንክዝከር፣ ቅዱስነቶም በዚ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሕሊና መንግስታትን ቤተ ክርስቲያንን ዜጋታትን ዘበራበሩን ምዃኖም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣግሪጀንቲ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን በቲ ቅድሚ ትማሊ ዝተባዕለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምኽንያት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም ኣብ 2013 ዓ.ም. ልዕሊ 232 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ገዛእ ሃገሮም ከምእተሰዱን እዚ ናይ ለብዘበን ብዝሒ ስደተይናታት ምስቲ ናይ 2000 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ 57 ሚሊዮን ክብ ከምዝበለ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሶም፣ ኢጣሊያ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝተማልኤ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሰረት ዝገበረ ብቑዕን ናይ ስድሰተይናታትን ተመዛበልትን መመሓደሪ ሕጊ የብላን ክበሃል ይከኣል፣ ኣቲ ዘሎ ሕጊ ስደተይናን ተመዛባልን ኣብ ኢጣሊያ ምእታዎም ጥራሕ ገበነይና ዘብሎም እዩ፣ ስለዚህ እቲ ስደተይና ንስደት ዝዳረጎ ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣጽኒዕካ ምላሽ ኣክንዲ ምሃብ ስደተይና ምዃኑ ጥራሕ ገበን እዩ ስለ ዝተባህለ ስደተይና ንዝተፈላለ ሓደጋ ጊልያነት የቃልዖ ከምዘሎን ገሊጾም ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ ክቕድም ዘለዎ፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን ቦታን ስፍራን ኩነት ሰብ ከም ስብ ምርአይን ውሕስነት መሰልን ክብርን ምርግጋጽ እዩ ዝግባእ፣ ካብዚ ወጻኢ ኩሉ ኢሰብኣውነት ጥራሕ እዩ እንክብዙ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.