2013-12-19 16:04:48

ኣባ ስፓዳሮ፦ ናይ ቅዱስ ፋቭር ኣተሓሳስባን መንፈሳውነትን ርሁውነት እቲ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዘለዎም ርሁውነት እዩ


RealAudioMP3 ዘተን ልልያን ዶብነትን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረ ንትግባሬ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎትም ዝጥቀመሎም ዝነበረ ክቡራት ዋጋታት ምኻኖም ሓቢሮም ኣገልግሎት መጋበርያ ሓዋርያነቱ ድማ ልክዕ ምስቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጋበሪያ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓደእውነት ዘለዎ ከምዝኾነ ናይታ Civiltà Cattolica-ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየት ብማሕበር ኢየሱሳውያን እትመሓደርን እትሕተምን መጽሔት ዋና ኣሰናዳእን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት “ፒየትሮ ፋቨር ኣገልጋሊ ምጽንናዕ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሰዋ ብቤት ማሕተም ኣንኮራ ተሓቲማ ንንባብ ዝበቕዔት መጽሓፍ ደራሲ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካብ ብዛዕባ ኣዋጅ ቅድስና ፋቭረ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፦ ብዙሓት ነቲ ናይ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ቀዳማይ ሰዓቢ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮ ዝፈልጡ እያቶም፣ ብዘይ ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭር ግን ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣይምሃለወን ኔሩ፣ ፋቭር ኣብ ፓሪስ ኣብቲ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ዝመሃረሉ መንበረ ጥበብ ተመሃራይ ዝነበረን ቀዳማይ ዝሰዓቦ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ከምዝኾነን፣ ኣቲ ዝነበሮ መንፈሳውነት ተመስጦ ንብዙሓት የጠራጥሮም ከምዝነበረን፣ ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን እውን ከይተረፈ ዝጠራጠርዎ ከምዘይተሳእኑን፣ ቅዱስ ኣግንዚዮ ዘሎዮላ ግን ኣብ ቅዳሴ ፍትሓት ፋቨር ቅዳሴ ሃሴትን ናይ ዓወትን እንክብል ንፋቭር ዝነበሮ ዓሚዩቕ ኣድናቖት ከምዝገለጸ ጠቒሶም፣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ፋቭር ዝበልዎ፣ ለጋስን ለዋህን እውን እንተነበረ ቆራጽ እዩ ኔሩ፣ ድሩትን ኣብ ዶባውነት ዘይተሓጽረ ኣመለካኽታን ኣረኣእያን ዘይነበሮ ኵላውነት ዝዓሰሎን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ሃረር ዝብል ደጋፍን ኣብ እዋኑ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ የድልያ ከምዝነበረ ቀዲሙ ዘስተውዓለ ጥራሕ ዘይኮነስ መገዲ ሕዳሴ ዝሓበረን ኣብ ሕውነትን ፍቕርን ምቅርራብን ሓልዮትን ዝቐውም ሕዳሴ ዝበለን፣ ነቲ ኣብ እዋኑ ዝተፈጥረ ብድሆታት ቤተ ክርስቲያን ንምብዳህ ክፉትነት ኣመለኻኽታን መንፈሳውነትን ብቓልን ሕይወት እናመስከረ ዘተኣታተወን ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ወንጌላዊ ልኡክነት ኣዚዩ ቀረባ ዝኾነ መንፈሳውነት ዝነበረ ቅዱስ እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ።
ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ንፋቭር ኣዚዮም እዮም ዝፈትውዎ፣ ብፍላይ ድማ ናይ ልልያን እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ዝደልዮ ኣለሊኻ ናይ ምኽኣል ጸጋን መንፈሳውነትን፣ ኩለንተናዊ ውህደት ምስ እግዚኣብሔርን ተመስጦ መንፈሳውነቱ ካብ ዕለታዊ ሕይወት ዝተነጸለ ዘይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝንበርን ዘንብርን እዩ። ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ከምዝብሎ እግዚኣብሔር ምስ ነፍሲ ወከፍና ብዝተፈላለየ ውሽጣዊ ምኽንያት ይራኸብ፣ ድላይን ፍቓድን የንቀሳቅስን ይስሕብን፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዓይነት ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ጥበብ ምሕደራን ንምርዳእ ናይ ፋቭር መንፈሳውነት ተመክሮ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.