2013-12-14 15:58:12

ናይ ፍቕሪ (ዝስዋዕ ፍቕሪ) ኣገልግሎት


RealAudioMP3 ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በቲ ዝነበሮም ፍሉዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱሱ ጴጥሮስ ሥልጣን መሠረት “Intima Ecclesiae Natura-ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳጣዊ ባህርይ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ክፍሊ ሓዋርያዊ ቅዋም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ካብ ዝውዕል እነሆ ቀዳማይ ዓመቱ ከምዘጠናቐቐ ክምልከት እንከሎ ንዝኽሪ መበል ሓደ ዓመት ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳጣዊ ባህርይ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ውሁድ ልቢ እተሰምየ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ “ኣብ ግብረ ሰናይ ሱታፌ ሓላፍነትን ውዳቤ ኣገልግሎትን” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ንሓደ መዓልቲ ዘዳለዎ ዓውደ ዘተ ዕለት 13 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል ክምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤልቪራ ራጎስታ ሓቢረን።
ጳጳሳዊ ናይ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳጣዊ ባህርይ እተሰምየ ኣዋጅ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ተራ ዝምዕድን ዘተባብዕን ኣብ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ግልጽነት ዝብል እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ዝፍጸም ውዳቤ ዝበለጸ ክኸውን ከምዝገበረን፣ ናይ ግብረ ሰናይ ማለት ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቀንደይና ተልእኾን ሓላፍነትን ከምዝኾነ ዘዘኻኽር ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ብፁዓን ጳጳሳት ነጢፎምን ማሕበረ ክርሲያኖም ኣብዚ መዳይ ብምውዳብን ብምትብባዕን ናይ ፍቕሪ ስራሕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህርይ መግለጺ ከምዝኾነ ኩሉ ክግንዘቦ ከምዝግብኦ ነኸነቓቕሑ ዝመርሕ ምዕዳን ምዃኑ ገሊጾም።
ቤተ ክርስቲያን ዘይመንግስታዊ ናይ ሰብኣዊ ማሕበር ወይ ድማ ናይ ረድኤት ማሕበር ኣይኰነትን ስለዚህ ሰብኣውነትን መንፈሳውነት ኣብ ዘጠቓለለ ምሉእነት ሰብ እተተኵር እያ። ስለዚህ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ምፍጻም ዝብል እዩ። ብፍላይ እቲ ዓቢይ ስቓይ ዝኾነ ሰብ ካብቲ ምንጪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ብምርሓቑ ዘጓንፎ ዓቢይ ከበድ እዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዅሉ ግምት ዝህብ አገልግሎት ግብረ ሰናይ እያ እትፍጽም ኢሎም።
ውግእ ኣብ ዓለም ድኽነትን ስቓይን የግድድን የስፍሕን ሕይወት ሰብ ንሞትን ማህሰይትን ይዳርግ ንብረት የብርስ፣ ስለዚህ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ነዚ እውን ግምት ዝህብ ከምዝኾነ ኣዝኻኺሮም ድኽነትን ምንጪ ድኽነት ዝኾነ ተግባር ኩሉ ክውገድ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወትን ናይ ሰላምን ባህሊ ኣብ ምስፋሕ ተጸሚዳ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ትነብር እያ ቢሎም ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ግጭትን ውጥረትን ዝረኣየሉ ከባቢ እውን ተዋፊራ ኣብ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ተጸሚዳ ከምዘላ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.