2013-12-12 16:04:50

ታይም መጽሔት፦ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2013 ዓ.ም. ክቡር/ዓቢይ ሰብ


RealAudioMP3 እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሕተም ታይም እተሰምየ መጽሔት ከምቲ በቢ ዓመቱ ክቡርን ዓቢይ ሰብ እንክብል ዝገልጾም ዜጋታትን ታሪኾምን ዝፈጸምዎን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዓበይቲ ፍጻሜታት ዝሓዘለ ጽሑፍ እውን ብምንባር ዝኽተሎ ኣሰራርሓ መሰረት ለብዘበን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2013 ዓ.ም. ክቡርን ውሩይን ዓቢይ ሰብን እንክብል ኣብ ቀዳማይ ግጹ ከምዘስፈሮም ክምልከት እንከሎ ናይታ መጽሔት ዋና ኣመሓዳሪ ናንስይ ጊብስ ከምዘመልከትዎ፣ በታ መጽሔት ኣብ 1962 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23ን ደሓር ድማ ኣብ 1994 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ ናይ ክብሪ ስም ከምዝሃቦምን ዘኪሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በታ መጽሔት ነዚ ክቡር ስም ዝበቕዑ ሳልሳይ ር.ሊ.ጳ. ምዃኖም ገሊጾም።
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ “እቲ ናይ መጽሔት ታይም ዘቕረቦ ውሳኔን ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወሩይን ክቡርን ናይ 2013 ዓ.ም. ዓቢይ ሰብ ኣንክብል እንክገልጾም ደስ ዘብል እውን እንተዀነ ንዓና ብዙሕ ዘደንቐና ኣይኰነን፣ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎሊያ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሰምዩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ዝተሓረዩላ ዕለት ንነጀው ብናይ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባኦም ዝተባህለን ዝበሃል ዘሎን ኮታ እቲ እንሰምዖ ኵሉ ብሓቂ ዘገርም ኣዩ። ዓቢይ ተፈላጥነት ተዋሂብዎም መራኸቢ ብዙሃን በቢ ዕለቱ ብዛዕባኦም ክጽሕፉን ርእይቶ ክህቡን ምርኣዩ እቲ ኣብ ዓለም ዘበስርዎ መንፈሳውን ሃይማኖታውን ግብረ ገባውን ስነ ምግባርዋውን ክቡራት ዋጋታት ንኹሉ ዝማርኽን ብቓል ሕይወትን ድማ ብምዃኑ ንዅሉ ዝማርኽ ኮይኑ ክትረኽቦ ዘሕጉስ እዩ፣ ነዚ ዅሉ በቢ ዕለቱ ተጻሒፉን ርእይቶ ተዋሂብዎ ክትርእዩ ዘሕጉስ እዩ፣ ንሶም ዝአምኑሉን ዝነብርዎን እዩ፣ ስለዚህ ንኣና እዩ ደስ ዘብል፣ ኣብ ኣገልግሎት ወንጌልን ኵላውነት ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ተጸሚዶም ንኣኡ እዩም ዘበስሩ እዚ እንተድኣ ውሩይን ዓቢይን ክቡር ሰብ ዘብል ኮይኑ መልእኽቶምን ኣብነቶምን ኩሉ ተረዲእዎ ኣሎ ማለት እዩ፣ እዚ እዩ ቅዱስ ኣቦና ዘሕጉሶም እምበር ናይ 2013 ዓ.ም. ዓቢይ ሰብ ተባሂልካ ምግላጽ ኣይኰነን። ንዓናን ንቕዱስ ኣቦናን ደስ ዘብለና ድማ እዚ እዩ” ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.