2013-12-12 16:14:38

ማእከላይ ኣፍሪቃ፦ ጻውዒት ብፁዓን ጳጳሳት ምእንቲ ዘተን ሰላምን


RealAudioMP3 ናይ ሃገረ ማእከላዊት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርግጋእን ውጥረትን ምኽንያት ዜጋታት ማእከላዊት ኣፍሪቃ ንሓድ ሕድ ግጭትን ዓመጽን ዝድርኽ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ፖለቲካ ዳግም ዘተኣታትው ዘበለ ኵነት ብትረት ነውግዝ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከል እቲ ኣብ ናጉይ ዝሓለፉ ማዕልታት መብዝሕቲኦም ክርስቲያን ኣማኒ እየ ዝብሉ ዝሓቁፍ ሓይሊ ምክልኻል ጸረ ሰለካ እተሰምየ ግንባር ዝፍነዎ መጥቃዕቲ ከስዕቦ ዝኽእል ከቢድ ጸገም ዝትንትን መልእኽቲ ንሓገሮምን ሕዝቦም ከምዘመሓላለፉ ክምልከት እንከሎ፣ እቶም ክርስቲያን ኢና ዝብሉ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ዝዋፈሩ ንገዛእ ርእሶም ጸረ ክርስትና እያቶም ስለዚህ ክርስትና ካብ ሕነ ምፍዳይ ናጻ ኢዩ ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ማእከላዊት ኣፍሪቃ እቲ ኣብታ ሃገር መብዛሕቲኡ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዝሓቁፍ ሓይሊ ዓማጽያን ሰላካ ዝፈጸሞ ዕልዋ መንግሥቲ ርእሰ ብሔር ፍራንሱዋ ቦዚዘ ኣብታ ሃገር ጠንቂ ቅልውላው ኮይኑ ከምዘሎ ክፍለጥ እንነከሎ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ብዝተፈላለዩ ዕጡቃት ሓይልን ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብታ ሃጋር ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ምንዛዔን ጸረ ሃይማኖታዊ ተግባራትን ኮኒኖም ዝኾነ ይዅን ጸረ ሃይማኖት ተግባራትን ኮኒኖምን ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ጸረ ሃይማኖት እውን ከምዝኾነ ዝገለጹ ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኩሉ ኣብ ጎደና ዘተ ተጊሁ ሰላም ኣብ ምሕናጽ ከዓዪ ሓደራ ከምዝበሉ ብሓባር ሰላምን ሕንጸት ሃገርን ረብሓ ሕዝብን ሃገርን ኣብ ምቕዳም ንትጋህ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.