2013-12-10 17:09:17

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ ኣገልግሎት ንሕጻናትን ብፍላይ ድማ ነቶም ናይ ዓመጽን ውጽዓን ኣደዳ ንዝኾኑ ሕጻናት ወትሩ ተጊህኩም ኣገልግሉ


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ደሴት ሲቺሊያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣቮላ ተመሪቑ ንዝተኸፈተ ናይ ዓምጽን ውጽዓን ኣደዳ ዝኾኑን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ንዝተቓልዑ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ኣባይቲ ስድራን ዝተፈላለየ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ደገፍ ዝረኽብሉ ማእከል ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ናይቲ ነቶም ናይ ዝተፈላለየ ዓመጽን ውጽዓን ኣደዳ ዝኾኑ ሕጻናት ካብቲ ዘጋጠሞም ዘሰቅቕ ዓመጽ ዘሕድረሎም ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ጉድኣትን ንኽላቐቑን ሕጻናት ናይ ዝተፈላለዩ ዓመጽ ኣደዳ ንኸይኮነ ብኵሉ መዳይ ኣገልግሎት ዘቕርብ ማሕበር መስራቲ ኣባ ፎርቱናቶ ዲ ኖቶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “ነቶም ነኣሽቱ ክፍሊ ሕብረተሰብ ካብ ቅኑዕን ንጹሕን ፍቕርን ካብ ንብጻይካ ምፍቓር ዝብል ክቡር ዋጋ ዝምንጭ ኣብ ጎዳና ለጋስ ኣገልግሎት ተዋፊርኩም ኣብ እተበርክትዎ ግብረ ሰናይ ጽንዑ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ መልእኽቶም ነቶም በቲ ማሕበር ዝድገፉ ሕጻናትን ስድራ ኣባይቶምን ነቲ ምሕበርን ኣብቲ ማሕበርን ኣገልግሎት ንዝህቡ ኩሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዘመሓላለፉ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.